2015-07-14 16:32:00

ሰላምን ብልጽግናን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ሰለስተ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ኤኳዶር ቦሊቪያን ፓራጓይን ዘጠቓለለ ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 13 ሓምሌ 2015 ዓ.ም. ዘካይድዎ ታሽዓይ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ኣጠናቒቖም ናብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝነቐሉሉ ዕለት 13 ሓምሌ 2015 ዓ.ም. ነተን ብበረራ ጉዕዞ ኣየር ዝሓለፍወን ሃገራት መራሕቲ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ንናይ ፓራጓይ ርእሰ ብሔር ማኑኤል ካርተስ ኻራ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ሞሳን ፍቕርን ንመላእ ሕዝቢ ፓራጓይ ገሊጾም፣ ንናይ ቦሊቪያ ርእሰ ብሔር ኤቮ ሞራለስ ድማ ንመላእ ሕዝቢ ቦሊቪያ ዘለዎም ፍቕሪ ገሊጾም ሕዝቢ ቦሊቪያ ንዘቕረበሎም ምዉዕቕን ውዕዉዕን ኣቐባብላ ኣመስጊኖም፣ ኣብታ ሃገር ውሁድ ናይ ሓባር ናብራን ነባሪ ሰላምን እንክምነዮ፣ ንናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ዲልማ ሩሰፍ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ድማ ንብራዚል ህድኣትን ሓጎስን ንከፕ ቨርድ ርእሰ ብሔር ኾርኸ ካርሎስ ፎንሰካ ኣብ ከፕ ቨርድ ተስፋን ብሓባር ናይ ምንባር ሓጎስ ክጸንዕ ዝምነይ ሓሳብ ዘመእከለ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅ.ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ኣብ ኤኳዶርን ቦሊቪያን ፓራጓይን ከፕቨርድን ዘሎ ጽኑዕን ውዕዉዕን ክርስትያናዊ እምነትን ኣብ ፍትሒ ዝጸንዔ ምዕባለ ንምርግጋጽ ዝፍጸም ህርኵት ጻዕሪን ዘሎ ድላይን ከምዝነኣዱን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ንሕዝቢ ሞሮኮ ማሕበራውን መንፈሳውን ብልጽግናን ምንዮት ዝዓሰሎ ንንጉስ መሓመድ ሻድሻይ፣ ንሕዝቢ ስፐይን ውሁድ ናይ ሓባር ናብራን ፍድፉድ ሰማያዊ ጸጋ ምንዮት ዘንበሩሉ ንንጉስ ፊሊፖ ሻድሻይን ከምኡ ድማ ንናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ምእንቲ ሰናይን ህድኣትን ብልጽግናን ኢጣሊያ ፍሉይ ጸሎቶም ዘረጋገጽሉ ናይ ቴለግራም መልእኽታት ከምዘመሓላለፉ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢጣሊያ ምስ ኣተዉ ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ ኣብ ዘመሓላለፉሎም መልእኽቲ፣ ናብ ሃገረ ቫቲካን እንቋዕ ብደሓን ተመልስኩም ቢሎም፣ እቲ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ተስፋ ዘጽንዕን ናይቲ ውዕዉዕን ምዉቕን ኣቀባብላ ዝገበረሎም መላእ ምእመን ልቢ ዝትንክፍ ምዃኑ መስኪሮም ሕዝብታት ኤኳዶርን ቦሊቪያን ፓራጓይን ካብቲ ዝተለገሰሎም ቃል ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዘተኣማምን መጻእን ናይ ዘተን ምትሕብባርን ባህሊ ንምንቕቓሕ ዝድርኾ ምኽንያት ክዓትሩ ዘለዎም ተስፋ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.