2015-07-17 14:18:00

ብዓለ ቅድስት ስላሴ 2007 ዓ.ም 7 ሓምለ 2007 ዓ.ም. (7/14/2015)


ዋዜማ ዘስላሴ በ፮ “ንአምን ወናመልክ በ፩ዱ እግዚአብሔር አብ ዘእምቅድመ ዓለም ሃሎ፥ ወነአምን ብካልኡ እግዚአብሔር ዘበምልክናሁ ለአብ ይመስሎ፥ ወንአምን በሣልሱ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ዘይመልክ ኵሎ”። ንባባት፡ ሮሜ 8፡14-17። 1ዮሓ 4፡11-ፍ፥ ግ.ሓ. 11፡11-19፥ ማቴ 28፡16-20    ስብከት፡1. ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልዐ ምድረ፥ ወበቃለ እግዚአብሔር ጸንዓ ሰማያት፥ ውእምእስትንፋስ አፉሁ ኵሉ ኃይሎሙ። መዝ. 32፡2~6።      2.ወሐሠሥኩ ገጸከ ገጸ ዚአከ አሐሥሥ እግዚኦ ወኢትሚጥ ገጸከ እምኔየ። መዝ. 28:8-9

ዓመታዊ ዝኽረ ብዓል ቅድስት ስላሴ ዝዓበየ ምስጢርን ዓምዲ ክርስትያናዊ እምነትና ዝኾነ ነብዕል አሎና። ናይ ሎሚ ብዓልን አብ ስርዓት አምላኾና ዘለዎ ቦታን ንሓደ ንጹር ከስተምህረና ኢሉ እዩ፥ ንሱ ኸአ እግዚአብሔር አብ እግዚአብሔር ወልድ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ አብ ኵሉ ብሓደ ከምዝዓዩ እዩ ከምኡ ምሳና ዘልኦም ርክብ ሓደ ከምዝኾነ፥ እግዚአብሔር አብ ውሽጢ ስላሴ ካብ ርእሱ ወጺኡ ምሳና ክራኽብ ከሎ ኸአ ሓደ ከምዝኾነ ንምግላጽ እዩ። ወላ ነፍስወከፎም ፍሉይ መለኮታዊ አካል ይኹን እምበር ጨሪሾም አይፈላለዩን እዮም። ዝተራቐቐ ፍልስፍና ይኹን ዝኾነ ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ ይገብር ንምስጢር ቅድስት ስላሴ ብምልኡ ክገልጽ ዝኽእል የለን። ምስጢር እዩ ምኽንያቱ ክነድንቖን ብዓይኒ እምነት ርኢና ስለ ዝንቕበሎ።  ዓምዲ እምነትና እዩ ምኽንያቱ፡ “ዓምዲ እምነት ብአምላኽ ዝተገልጸ ቤተ ክርስትያን ብዘልአ ስልጣን ክእመን ዘልኦ ኢላ እትገልጾ . . . ስለ ዝኾነት” አብዚ ቅ. ጳውሎስ ዝጸለዮ ጸሎት ጠቓሚ ኮይኑ ንረኽቦ “ጎይታ አዕንቲ ልቦናኹም የብርሃልኩም. . . (ኤፈ 1፡18) ይብል። 

አብ ዘዳግም 4፡32-40 ዘሎ እንተ አንበብና ሙሴ ዘዘኻረና ነገራ አሎ ንሱ ኸአ ናይ እግዚአብሔር ዘደንቕን ምስጢራውን ባህርያቱ። ብኻልእ አዘራርባ እቲ ፈቃርን ምስጢራውን አምላኽ ዘገርምን ምስጢራውን ናይ ድሕነት ግቡእ ገሩ። ቀጺሉ ከአ አብ አምላኽ ዘሎና እምነት ትእዛዛቱ ብምእዛዝ ክንጸንዕ የበራትዓና።

አብ ቀዳመይቲ ንባባና ስሩዕ ዝኾነ ትምህርቲ ስላሴ ከይ ሃበ ጳውሎስ ናይ ስላሴ መለኮትን አካልውነትን አብ ጭቡጥ ዝኾነ መልክዖምን ግብሮምን ይገልጽ። “ብመንፈስ አምላኽ ዝምርሑ ንሳቶም ውሉድ አምላኽ እዮም. . . . . ንአምላኽ ወረስቱ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና” (ሮሜ 8፡1417)። እቲ ሓደ ዝኾነ መንፈስ ሓጊዙና ኢና ኣባ አቦ ኢልና ከምእንጽውዕ ዝገብረና። አብ ወንጌል ክርስቶስ ባዕሉ ንሓዋርያቱ ባዕሉ ምስጢር ቅድስት ስላሴ ከም ዝገለጸሎም ነንብብ። አብ ምሉእ ዓለም ከይዶም ክሰብኩ ክልእኮም እንከሎ “እምብአር ኪዱ እሞ ንዅሎም አሕዛብ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጠመቕኩም ደቂ መዛሙርተይ ግበርዎም” (ማቴ 28፡19) ኢልዎም። ስለዚ ዝኾነ ብስም ስላሴ ብሓቂ ዝጸለናዮ ጸሎት ልዕሊ ኹሉ ይስማዕን ዝበለጸ ውጽኢት ዘልኦን እዩ።

አብ ስላሴ ዘሎና እምነት አብቲ ምስኦም ዘሎና ርክብ እዩ ዝምስረት። ንሕና ብአምሳል አምላኽ ኢና ተፈጢርና ስለዚ መጠን ንአምላኽ ዝተረዳእናዮ መጠኑ ንገዛእ ርእስና ንርዳእ። ቅዱስ ጳውሎስ ንስቓያት ክንጻወር ከሎና ብተስፋ ክንጉዓዝ ከሎና፥ ብመንፈስ ቅዱስ አቢሉ ፍቕሩ አብ ልባትና ይሓድር ይብለና። ስለዚ ብዓል ስላሴ ክነብዕል እንከሎና ብዝያዳ ዘዘኻኽረና አብ ሓድነት ክንዓቢ አሎና ከምቲ አብ ስላሴ ዝርከብ ሓድነት። ካብ ሓደ ምንጪ ዝዛሪ ማይ ሓደ ዓይነት እዩ ከምኡ ንሕና ካብ ስለሴ ስለ ዝኾነ ምንጭና ሓደ ክንከውን ብኹሉ ደቂ ስላሴ ከምዝኾና ገሊጽና ክንክእል አሎና። ካብ ሓደ ስድራ ዝውለዱ ንብረት ወለዶም ብማዕረ ይወርሱ ንሕና ወረስቲ አምላኽ ኢና ስለዚ መለልይና ደቂ አምላኽ ምዃን እዩ።

አምላኽ አብ ዝተፈላለየ ግላውነት አይኮነን ዝርከብ አብ ርክብ ዘልኦ ማኅበር እዩ ዝርከብ። ሰብ ክነብርን ክዓብን ምልአት ሕይወቱ ክረክብ አብን ብሕብረተ ሰብን ጥራሕ እዩ። ዮሓንስ ዶኔ ዝብሃል አብ ነነድሕድና ክህሉ ዘለዎ ርክብ ክገልጽ እንከሎ፡ “ንበይኑ ዝተፈጥረ ሰብ የለን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንእሽቶይ ክፍሊ ናይ ዓለም እዩ. . . . ናይ ዝኾነ ሰብ ሞት የጉህየኒ ምኽንያቱ አብ ሕብረተሰብ ሕብረት ወይ ክፍሊ አሎኒ ስለዚ ናይ ሞት ደወል ክድወል እንከሎ ከም ናተይ ገረ ክርእዮ አሎኒ” ይብል።

ብሓደ ሰብ ዓበይቲ ዕማማት ክዕመም አይክአልን እዩ። ዓበይቲ ነገራት ክንፍጽም እንተ ደአ ኾይና ብዙሓት ሰባት ብሓባር ክሳተፉ ክዓዩ አለዎም። አብ ታሪኽ እንተ ረአና ዓበይቲ ፒራሚዳት ግብጺ፥ ዓቢ መንደቕ ቻይና ከምኡ ዝተፈላለዩ ዘደንቑ ዓበይቲ ነገራት ብዙሓት ሰባት ሰሚሮም ብሓደ ስለ ዝተሳተፍዎ እዚ እንርእዮ ኮይኑ። አብ መዝ. 133፡1 “አሕዋት ብሓባር ክሰምሩ እንከለዉ ክንደይ ሰናይ እዩ” ይብል። ኢየሱስ ቅድሚ ሕማማቱ ምእንቲ ሓድነት ጸልዩ (ዮሓ 17፡20-22)። ሓዋርያ ጳውሎስ ምእንቲ ሓድነት ለሚኑ (1ቆሮ 1፡10፥ 3፡3-5፥ ፊሊ 2፡12)። አብ ግ.ሓ ቀዳመይቲ ማሕበር ነዚ ሓድነት አብ ግብሪ ትነብሮ ከምዝነበረት ይነግረና “እቶም ዝአመኑ ዅሎም ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ነበሩ” (ግ.ሓ. 4፡32)።

ዝዓበየ መኸላእታ ሓድነት ናይ ገዛእ ርእስኻ ረብሓ ጥራሕ ምርአይ እዩ (ፊሊ 2፡4)። ንናይ ገዛእ ርእስና ረብሓ ክንቃለሶ እንከሎና ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብን ሓድነትን ክነደልድሎ ኢና። አብ አብሃህላ ላቲናውያን “By union the smallest states thrive, by discord the greatest are destroyed” ይብል እዚ ኸአ አብ ቍምስናና አብ ህዝብና አብ ዓድናን ሕብረተሰብን ዘሎና ተራ አብ ህንጸት ሓድነት ክንርኢ ይሓተና። ነዚ ኹሉ አብነት ዝኾነና እቲ አብ ቅድስት ስላሴ ዘሎ ሓድነት እዩ።

ስላሴ ሞደል ሕይወትና እዮም። ብአርአያን አምሳልን አምላኽ ተፈጢርና። ብዛዕባ ስላሴ ክነስተንትን እንከሎና ብዛዕባ ርእስና ኢና እነስተንትን ብኡ አቢልና ኸአ ከመይ ዝበለ ሕይወት ክነብር ከምዘሎና ንሓስብ። ስላሴ ናይ አካላት ማሕበር እዮም “community of Persons”)። አብኦም ንበይኑ ዝኾነ ምስ ካልእ ዘይራኸብ ግላውነት የለን። ሰለስተ አካላት ማዕረ ዝኾኑ ማሕበር እዮም። ነፍስወከፍ አካል አምላኽ ክኸውን እንተ ኾይኑ ምስቶም ክለተ ክኸውን አለዎ። አብ ርእስና እንተ ተመለስና ምሉአት ሰባት ክንከውን ነነድሕድና ክንደላለ አሎና። ንሕና ማሕበራውያን ኢና ብተፈጥሮና። ብባህርና አብ ነነድሕድና ንደላለ ኢና፥ እዚ ኸአ አብ ምጅማር ሕይወትን አብ ምውዳእ ሕይወትን ክንርእዮ ንኽእል። ሓዲሽ ዕሸል ውልድ ምስ በለ እንተ ገደፍናዮ ይመውት ናይግድን ናይ ወለዱ ሓገዝ የድልዮ፥ ከምኡ ዝሸምገለ ሰብ ንገዛእ ርእሱ እንተ ሓደግናዮ ሓንቲ ኽገብር ስለ ዘይክእል ይመውት ብግድን ናይ ካልኦት ሓገዝ የድልዮ። አብ መንጎ ምእተውን መውጽእን ሕይወት እንተ ረአና እውን አብ ነነድሕድና ክንተሓጋገዝ ግድነት የድልየና። አብ ነነድሕድና ብእንገብሮ ርክብ ኢና ንርእስና ከምቲ አምላኽ ዝፈጠረና ክንከውን ከምዘሎና ክንፈልጥ እንኽእል።

አብ ስላሴ ዘሎ ማሕበርትነት ማሕበር ፍቕሪ እዩ። ናይ ቅድስት ስላሴ እንታይነት ወይ መንነት እቲ አብ መንግኦም ዘሎ ዘለዓለማዊ ፍቕሪ ማለት አብ መንጎ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዘሎ ፍቕሪ እዩ። ፍቕሪ እምብአር ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን መለለይት ክትከውን ይግባእ። ንሕና አብ ፍቕሪ ዝተሰረትናን ዝተተኸልናን ኢና። ኩልና ክነፍቅርን ክንፍቀርን ይግብአና። ፍቕሪ ሓደስቲ ይገብረና፥ ፍቕሪ ምልአት ይህበና፥ ፍቕሪ ምሉእ ጥዕና መንፈስን ሥጋን ይህበና። ፍቕሪ ነቲ ዝህብን ነቲ ዝቕበለን ሓደስቲ ፍጥረት ይገብሮም።

አብ ስላሴ ሓድነትን ሰለስትነትን አሎ። (in the Trinity there is not uniformity but Unity in Diversity)። አብ ስላሴ ነፍስወከፎም ነናቱ ካብ ካልኦት ዝፈልዮ ፍሉይ አልኦ። አብ ሓ/ት/ክ ቍ 253-255 ዘሎ እንተ ርአና “ኅብረ ህላው ዝኾነ ሥላሴ ሓደ አምላኽ ሠለስት አካላት ደአ እምበር አብ ሠለስተ አማልኽቲ አይኮናን እንአምን። እዞም መለኮታዊ አካላት ነቲ ሓደ መለኮት አይካፈልዎን እዮም ነፍስወከፍ ግን ምሉእ ብምሉእ አምላኽ እዩ። አቦ እቲ ወዲ ዝኾኖ ኵነት እዩ፥ ወልድ ከአ እቲ አቦ ዝኾኖ ኵነት እዩ፥ አቦን ወልድን ከአ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዝኾኖ ኵነት እዮም እዚ ማለት ከአ ብባሕርይ ሓደ አምላኽ እዮም”

መለኮታዊ አካላት ሓደ ካብቲ ካልእ ዝተፈልዩ እዮም። እግዚአብሔር ሓደ እዩ ግና ንበይኑ አይኮነን አብ ወልድ መንፈ ቅዱስ ክብሃል እንከሎ ንናይ መለኮታዊ ህላዌ ገለ አገባባት (ገጻት) ዝተዋህበ መንም አስማት ብሕቱ አይኮነን፥ ከመይሲ ሓደ ካብቲ ሓደ ብዕሊ ዝተፈልየ እዩ። ወልድ አቦ አይኮነን እቲ አቦ እውን ወልድ አይኮነን መንፈስ ቅዱስውን አቦ አይኮነን ወልድ አይኮነን። ካብ ፈለማ ብዝነበሮም ዝምድና ሓደ ካብቲ ሓደ ዝተፈልዩ እዮም፥ እቲ ወላዲ አቦ እዩ፥ እቲ ዝተወልደ ከአ ወልድ እዩ፥ እቲ ዚሠረጸውን መንፈስ ቅዱስ እዩ። እቲ መለኮታዊ ሓድነት ሥሉስ እዩ።

መለኮታዊ አካላት አብ ነንሓድሕዶም ዝምድናዊ ርክብ አለዎም። እቲ ናይ አካላት ርኡይ ዝኾነ ሓደ ካብ ሓደ ምፍላይ፥ ካብቲ ነንሓድሕዶም ዘራኽቦም ዝምድና እዩ ዘሎ፥ ከመይሲ ነቲ መለኮታዊ ሓድነት አይመቓቕሎን እዩ . . . . .”  ዝብል ብንጹር ዓምዲ እምነትናን ብዛዕባ ሥላሴ ዘሎና ርድኢትን ይገልጸልና።

ነዚ አብ ርእስና ክንርእዮ ከሎና ነፍሲወከፍና ፍሉያት ኢና ግን ናይ ሓባር መንጪ ወይ መሰረት፥ ሓባራዊ ባህሪን ሓባራዊ መወዳእታን ንካፈል። ማሕበር ክርስትያን ነዚ ሓደ ዝኾነ ግን ከአ ዝተፈላለየ መልክዕ ወይ ባህሪ ሒዙ እዩ ጀሚሩ። እዚ ዝተፈላለየ ነገራት አባና ዝርከብ ንአምላኽ ክብሪ ይህቦ። አብ ርእስና ክንርእዮ ከሎና ዝተፈላለኻ ምዃን ፍርሒ ጥርጣረ ጽልኢ ይፈጥረልና። አብ ሕብረተሰብ አብ አድላዪ ዘይኮነ ነገራት ሓባራዊ ክትከውን ምጽዓር ዝኸፍአ እዩ። ዓለምና ሓደ ዓይነት ዝኾነ ነገራት ጥራሕ ዝርከባ እንተ ትኸውን ክንደይ እተሕዝን ምኾነት። ካቶሊክ ዝብል ሓድነት አብ ዝተፈላለየ እዩ ዝስምዕ። ከምቲ አብ ጸሎት አቦና አብ ሰማይ እትነብር እንደግሞ ማሕበር ክርስትያን ህዝቢ አምላኽ፥ ስድራ አምላኽ ኢና። አብ ዓበይትን አድለይትን ነገራት ሓድነት አሎና፥ አብ ዘጠራጥር ነገራት ነጻነት አሎና፥ አብ ኩሉ ነገራት ግን ፍቕሪ አሎና።

ሥላሴ እምብአር መወዳእታ ምዕራፍና እዮም። ንቅድሚት ከም እንጥምት ይገብሩና። መጻኢ ይሕወትና ከምዚ አብዚ ዘሎናዮ አይኮነን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ “ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ ዘይሰምዓቶ ልቢ ሰብ ዘይሓለኖ አምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ አዳልይሎም አሎ” (1ቆሮ 2፡9) ይብለና። ከምቲ አብዚ ምድራዊ ሕይወት ፍቕሪ አብቲ አብ መንጎ ክልተ ዝገበር ምውሳብ ዝግለጽ ከምኡ ናይ ፍቕሪ አብ ዝመጽእ ሕይወት አብቲ አብ ሓድነት ዘሎ ርክብ እዩ ዝግለጽ እዚ ኸአ ምስ ፍጡር ዘይኮነ ምስ ፈጣሪ እዩ።

ኦ ቅድስት ሥላሴ ሎሚ እውን ፍቕርኹም ግለጹልና ነቲ ብአምሳልኩም ስተፈጥረ ብህርና ዓቂብና አብ ርክባትናን አብ ኩሉ ሕይወትናን ናትኩም ከም እንኸውን ግበሩና።

ርሑስ ብዓለ ሥላሴ

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ      








All the contents on this site are copyrighted ©.