2015-07-21 14:50:00

ብፁዕ ካርዲናል ቦ፦ ምያንማር ከም ሓደ ስድራ


ኣብ ሚያንማር ናይ ያንጎን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ማኡንግ ቦ ናይ ሃገሮም ናይ ፖለቲካ ኣካላትን መራሕትን ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላትን ነቲ ኣብ ምያንማር ወለዲ ከም መለኮታውያን ኣካላት ዘኽብር ባህሊ ኣብነት ክስዕቡን ልክዕ ከም ወለዲ ግዱሳትን ኣለይትን ስድራ ንሃገርን ሕዝብን ምያንማር ከም ሓንቲ ስድራ ክጥርንፉ ብብሔራዊ መዓልቲ ወለዲ ኣብ ምያንማር ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ናይ ኤኮኖሚ ሜላ ስድራ ቤት ይዕንው ኣሎ

ብፁዕ ካርዲናል ቦ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ ነቲ ናይ 50 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ዝተነብረ ናይ ደልሃመትን መከራን ተመክሮ ዘኪሮም ድሕሪ እቲ ናይ መከራን ስቓይን ዓመታት ዝተዓትረ ስርዓት ዴሞክራሲ ኣብ ምያንማር እቲ በሪሱ ዝነበረ ስድራ ቤታዊ መንፈስ ዳግም ከረጋግጽ እዩ ዝብል ተስፋ ተነቢሩሉን ብዙሕ ትጽቢታት እውን ዝተነብረሉ ከምዝነበረን ኣዘኻኺሮም፣ ናይ ፖለቲካን መንግስትን ኣካላት እቲ ናይ ምያንማር ስድራ ቤታዊ ባህሊ ከተባብዑን ከም ናይ ሓንቲ ስድራ ወለዲ ኰይኖም ከገልግሉን ነቶም ካብ ስድራ ቤቶም ሃገሮም ተፍልዮም ተሰዲዶም ዝነበሩ መንእሰያት ምያንማር ንድኽነትን ንምፍልላይ ኣባይቲ ስድራ ሓደጋ የቃልዕ ከምዘሎ እውን ገሊጾም ምያንማር ከም ሓንቲ ስድራ ዝብል ባህላ ጥራሕ ከብቲ ኣጓኒፍዋ ዘሎ ጸገማት ከላቕቓ ከምዝኽእል ገሊጾም ሓገርን ሕዝብን ከም ሓንቲ ስድራ ክሓብሩን ከምዘተሓሳሰቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

40 ሚእታዊ ሕዝቢ ምያንማር ኣብ ሕሱም ድኽነት

ናይ ቀረባ ናይ ምያንማር ቆጸራ ሕዝቢ ሰነድ ከምዝሕብሮ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ሕዝቢ እቲ 40 ሚእታዊ ዝሽፍን ሕዝቢ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከብ ከምዝኾነን ብፍላይ ድማ ግዝኣት ቺንን ራኪንን ካብ ዝነብር ሕዝቢ ጠቕላላ እቲ 70 ሚእታዊ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝነብር ምዃኑ እንከመልክት፣ ድኽነት ስደት ዝወልድ ከምዝኾነን እዚ ድማ መንእሰይ ምያንማር ንስደት እንክዳርግ፣ እታ ሃገር ናይ ኣረጋውያንን ብዕድመ ናይ ዝደፍኡ ዜጋታት ስፍራ ጥራሕ ኰይና ናይ ምያንማር መጻኢ ንዓቢይ ሓደጋን ኣባይቲ ስድራ ንሓደጋ ምፍልላይ እውን የቃልዕ ከምዘሎ ብፁዕ ካርድናል ቦ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓቢሮም ሕጽረት ናይ ሕንጸት መደብን ኣባይቲ ትምህርትን ብዙሓት መንእሰያትን ናብ ዝተፈላለዩ ጸረ ሰብኣውያን ተግባራት ይዳርግ ምህላዉ እውን ገሊጾም፣ መራሕትን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ምስቲ ሕዝቢ ዘንበርሎም ተስፋታት ዘይመዓራረዩ ኰይኖም ከምእተረኽቡን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣብ  ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝበልዎ ናይቲ መኽሰብ ጥራሕ ዘንቀሳቕሶ ቀጥዒ ኣልቦ ርእሰ ማልነት ኣመለኻኽታ ፖለቲካን ኤኮኖም ተጣበቕቲ ኰይኖም ከምእተረኽቡ እውን ገሊጾም ጥቕሚ ሃገርን ሕዝብን ብፍላይ ሓልዮት ንድኻታት ክቕድሙ ከምዘተሓሳሰቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዝተፈላለዩ ዓሌታትን ሕድ ሕዳዊ ጽልኢ የዘንብይ ኣሎ

መራሕቲ ሃገር ናይቲ ዝውለድሉ ዓሌትን ሃይማኖትን ልኡኻትን ናይቲ ብዓሌትን ብሃይማኖትን ዝራኽብዎ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጥራሕ ዝውክሉ ኣይኰኑን። ኣብ መንገጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣብ ምያንማር ምቅርራብን ምትሕቝቛፍን ኣብቲ ጽንኵር ሓምሳ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ዝተነብረ መንፈስ ሕውነት ዳግም ክምለስ ድማ ብፁዕ ካርዲባል ቦ ኣተሓሳሲቦም፣ እቲ ካብ 2010 ዓ.ም. እትሒዙ ዝረአይ ዘሎ መራሕቲ ከም ወለዲ ኣባይቲ ስድራ ኰይኖም ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዝርአይ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ጽልኢ ከወግዱ ኣብነት ኰይኖም ከምዘይተረኽቡን፣ እቲ ጽልኢ ድማ ኣብ ምያንማር ውሽጢ ልዕሊ 200 ሺሕ ዜጋታት ክመዛበሉ ከምዝገበረ ገሊጾም ምያንማር ከም ሓንቲ ስድራ ክትጠራነፍን እዚ ስድራ ቤታዊ ባህላ ክነቓቓሕን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

መራሕትን ናይ ፖከቲካ ኣካልትን ከም ሓንቲ ስድራ ሓነጽቲ ብሔራዊ ሓድነት

ብፁዕ ካርዲናል ቦ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንቀጠቓልሉ፦ “ናይ ምያንማር መራሕትን ኣመሓደርትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ብምኽንያት ሃይማኖትን ዓሌትን ናብ ፈተና ኣድልዎ ከይውደቕ ንኽመርሑ ብቕዓት ዘለዎም ድዮም? ሕዝብን ሃገርን ከም ሓንቲ ስድራ ዝጥርንፉ ድዮም? ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦም ከም ክርስቲያን መጠን ስለ መራሕትን መንግስታትን ናይ ምጽላይ ሓላፍነት ኣሎና ስለዚህ ኣብዚ ጸሎት ማሕበረ ክርስቲያን ምያንማር ክሓብር ሓደራ። ስለ ወለድና፦ መራሕትና ንጸልይ” ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.