2015-07-23 16:12:00

ናይጀሪያ፦ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምርግጋጽ


ኣብ ናይጀሪያ ጆስ ናይ ክህነት ማዕርግ ንምስራዕ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝመርሑ ናይታ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኢግዚዩስ ካይጋማ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ንናይ ሃገርን ሓባራዊ ጥቕምን ምልዋጥ ልብን ኩሉ ዝተቐበሎን ዘለዎን ሓላፍነት ክኽብር ይግብኦ እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡን ብፍላይ ድማ ምእመናን ናይ ሃገር ጸገም መንግስቲ መፍትሒ ይርከበሉ ቢሎም ኣእዳዎም ከይዓጸፉ ኣብ ሕንጸት ናይ ሃገርን ናይ ሓባርን ጥቕምን ገዳና ብቐዳምነት ክዋስኡ ከምዘተሓሳሰቡ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ሓቀይና ለውጢ ካብ ምልዋጥ ልቢ እዩ ዝምንጭው

ብዙሓት ናይጀራውያን ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ሓላፍነት ዝዝንግዑን ንዝዀነ ይኹን ጸገምን ሽግርን ተሓታቲ መንግስቲ እዩ ዝብሉን ከምዝኾኑን ዝገለዱ ብፁዕ ኣቡነ ካይጋመ ብዘይ ሕርኩት ጻዕርን መስዋዕት ሰብ ጽቡቕ ድላይ ዜጋታት ምስ መንግስቲ ብዘይ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ኩሉ ናይ ሃገር ጸገም ብቕጽበት ክፍታሕን መልሲ ክረክብን ማለት ዘይከኣል እዩ። ህዳሴን ምልዋጥን ዝብል ቃል ደጋውን ኤኮኖሚያዊ መዳይ ጥራሕ ዝምልከት ዘይኰነስ ልባዊ ምልዋጥ እውን ዝሓትት እዩ። ስለዚህ ኩሉ ብቕዓቱን ዓቅሙን ኣዋዲዱ ኣብ ሕንጸት ናይ ሃገርን ናይ ሓባር ጥቕምን ክዋሳእ ብፁዕነቶም ከምዘተሓሳሰቡ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ኵሉ ኣብ ናይ ሃገርን ናይ ሓባር ጥቕሚ ክዋሳእ

ኣብ ብሉይ ኪዳን መጽሓፈ ዘሁልቍ ምዕራፍ 11 ዘሎ ሙሴ በቶም 70 ሽማግለታት ከምእተደገፈ ዝገልጽ ታሪኽ ጠቒሶም፣ ኣብ ናይጀሪያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ኣብ ዓቢይ ሓላፍነት ዝተቐመጡ ኣዕጋቢ ውጽኢት መታን ከዕትሩ ናይ ኩሉ ዜጋ ድገፍ የድልዮም እዚ ድማ ሓላፍነት ናይ ኵሉ ዜጋ እዩ ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ተፈጥሮን ምህዳርን ምክንኻን

ብፁዕ ኣቡነ ካይጋመ ዝለገስዎ ስብከት፦ ቅዱስ ኣቦና ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሶም፣ ፍቕሪ ኣብ መንጐ ዘርኢ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነስ ኩሉ ኣብ ክንክን ተፈጥሮን ምህዳርን ክነብሮ ዝተጸውዔ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፣ ብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ምፍቓርን ተፈጥሮን ምህዳርን ምክንኻንን ናይ ኵሉ ሓላፍነት እዩ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.