2015-07-23 16:16:00

ኣብ ልዕሊ አሲያ ቢቢ ዝተበየነ ናይ ሞት ፍርዲ ዳግም ክርአይ


ኣብ ፓኪስታን ሃይማኖት ምርካስ ብዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊ ዝተኸሳ ክርስቲያን ምእመን ፓኪስታናዊት አሲያ ቢቢ ዝተመሓላለፈ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ላሆር ናይ ፓኪስታን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብዝሃቦ ውሳኔ መሰረት ዳግም ክምርመር ምዃኑ ተሓቢሩ።

አሲያ ቢቢ እቲ ክሲ ዝቐረበለን ኣብ 2010 ዓ.ም. ክኸውን እንከሎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ናይ ተኸሳሲት ቢቢ ጠበቓ እቲ ኣብ ልዕሊ ቢቢ ዝቐረበ ክሲ መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ዘረጋግጽ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ዘፍሽል ቃል ኣቕሪቦምን እቲ ዝተበየነ ናይ ሞት ፍርዲ ክሕከሽ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ኢሎም ከምዝነበሩ እንክንገር፣ ቢቢ ንኽልተ ሽሕን ክልተ ሚእቲ መዓልታት ኣብ ቤት ማሰርቲ ከእምትዳጎናን ካብቲ ዝተበየነን ናይ ሞት ፍርዲ ናጻ ክበሃላ ናይ ኩሉ ተስፋ ምዃኑ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ምስልምና ስነ ሓሳብ መምህርን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፓኪስታናውይን ማሕበር ክርስቲያን ዋና ጸሓፊ ፕሮፍሰር ሞቢን ሻሂድ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፣ ናይ ፓኪስታን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ እወታዊ እዩ። ሃይማኖት ምርካስ ክሳብ ናብ ሞት ዘብጽሕ ገበን ተባሂሉ ኣብ ናይ ፓኪስታን ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ከም ዓንቀጽ ካብ ዝሰፍር ንነጀው በቲ ገበን ዝኸሰሱ ናይ ካልኦት ውሁዳን ሃይማኖት ሰዓብቲ እምበር ሓደ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ተኸሲሱ ኣይፈልጥን። ዝዀነ ኰይኑ እቲ ሕጊ ብመሰረቱ ጌጋ እዩ። ሓሳብካ ምግላጽ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ።

ኣብ ፓኪስታን ብዙሓት ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣለዉ። ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ብዙሃን ሃይማኖት እውን እዩ። ስለዚህ ዳርጋ ኵሉ ጊዜ ክበሃል ይከአል እቲ ናይ ብዙሃን ሃይማንቶ ሓሳብ  እዩ ተሰማዕነት ዘለዎ። ሕይወት ቢቢን ኣባላት ስድራ ቤተን ናይ ቀረባ ኣዝማደን ከይተረፉ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎን፣ ኣብ ፓኪስታን ማሕበረ ክርስቲያን ብቐሊሉ ንሓደጋ ዝቃላዕ ክፍሊ ሕብረተሰብ ከምዝኾነን፣ ናይ ፓኪስታን ቅዋም ሃገር ናይ ሃይማኖት ነጻነት ዘኽብር እውን እንተዀነ፣ እቲ ዝረአይ ዘሎ ምስፋሕ ኣኽራርነት ሃይማኖት ምስልምና ናይ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሃይማኖት ንሓደጋ ዘቃልዕ ኰይኑ ከምዘሎን እቲ ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን መሰረት ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ብቐሊሉ ሃይማኖት ምርካስ ብዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ከምዝገሃስ ጠቒሶም፣ ዝኾነ ይዅን ሕጊ ናይ ምሉእነት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘረጋግጽን ውሕስነት ዘልብስ እዩ ክኸውን ዘለዎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.