2015-07-28 16:21:00

ብፁዓን ጳጳሳት ፐሩ፦ ምግባረ ብልሽውናን ድኽነትን ካብ ሱሩ ንኽመሐው


ናይ ፐሩ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምኽንያት ዕለት 28 ሓምሌ ዝበዓል መዓልቲ ነጻነት ፐሩ፦ “ናይ ነጻነት ዓበይቲ ተጻባእቶታት ዝዀኑ ዓመጽን ምግባረ ብልሽውናን ድኽነትን ኢማዕርነትን መሃይምነትን ካብ ሱሩ ክመሓው ናይ ኵሉ ግብኡ ሓላፍነትን ሕልናውን ጸዋዕታ እዩ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ቀዋሚ ናይ ፐሩ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መልእኽቲ፣ መዓልቲ ነጻነት ፐሩ እቲ ዘሕዝን ብዙሕ ጊዜ ናይ ሃገርን ሕዝብን እውነተይናን ጭቡጥን ረብሓ ይጽናሓለይ ዝብልን ኣሉታዊ ግብረ ገብ ብዘመሓላልፎ ልማድታት ምኽንያት ስኒትን ሓድነትን ብምጥፋእ እቲ ኪኸውን ዝኽእል ዘማዕደዎ ብሩህ ተስፋ ክደናገር ገይሩን ከደብኖን ይረአይ ከምዘሎ ኣመልኪቱ፣ እቲ ብዙሓት ዜጋታት ፐሩ ብናይ ሃገሮም ናይ ፖለቲካ ኣካላት ሕጉሳት ዘይምዃኖም ብቓልን ተግባርን ዘርእይዎ ተግባር፣ ናይ ፖሊቲካ ኣካላትን መራሕትን ፖሊቲካ ንናይ ሃገር ጥቅሚ ዘነቓቕሕ ልዑን ናይ ፍቕሪ ስራሕ ቅርጺ እዩ፣ ምእንቲ’ዚ ብስንይትን ብፈታው ሃገርን ሕዝብን ኣነባብራን ከመሓድሩ ዝጠልብ እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ሕይወት ኣብ ናይ ኵሉ ተስፋ መሰረት

ብፁዓን ጳጳሳት ፐሩ፦ ሰብኣዊ ሕይወት ናይቲ ብዕለታዊ ሕርኩት ጻዕርን ብናይ ምህዞ ብቕዓትን ብቕንዕናን ብምትሕብባርን ብእምነትን ብሕውነታዊ ፍቕሪ ኣቢሉ ናይ ዝጸንዕ ተስፋ መስረት እዩ። ስድራ ቤት ናይ ሃገር ማእከልን ናይ ሃገር ክቡራት ዋጋታት ዝውከሶ ብምዃኑ ብመንግስቲ ክሕሎን ክሕብሐብን ከምዝግብኦ ኣብ መልእኽቶም ኣተሓሳሲቦም፣ ሕብረተሰብ ፕሩ ካብቲ ጸጋ መደብ እግዚኣብሔር ካብ ዝዀነ ስድራ ቤት ክብሩ ዋጋ ዝምንጭው እዩ። ስለዚህ እቲ ክቡር ዋጋ ብውልቃዊ ተግባር ጥራሕ ዘይኰነስ ካብ ናይ ግሊ ኣብ ማሕበራውነት ኣብ ዝነብር ተመክሮ ክዕቀብን ክነቓቓሕን ከምዘተሓሳሰቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስነ ምህዳራዊ ግንዛበ

ካብቶም ብዙሓት ብድሆታት ዓለም፦ ሓደስቲ ኣተሓሳስባታትን ምዕባለታትን ዕደ ጥበባትን ናይ ዜጋታት ጸጥታን ድሕነት ስነ ምህዳራዊ ግንዛበን ዝብሉ ብድሆታት ብፁዓን ጳጳሳት ፐሩ ኣብ መልእኽቶም ጠቒሶም፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፐሩ ክኽበርን ክሕሎን ብማሕበረሰብ ክነቓቓሕን ዝግብኦ ሰብኣዊ ማእከላውነት ግምት ብምሃብ ነቶም ሓደስቲ ህልው ኩነታት ብብቕዓትን ብግቡእን ንምግጣም መታን ክከኣል፣ ኣእምሮን ልብን ክፉት ክኸውን ትዕድምን ኣብዚ መዳይ እውን ከምእተሓንጽ ሓቢሮም፣ እቲ ደረት ብዘይብሉ ሓልዮትን ልግስን እግዚኣብሔር ዝዓደለና መሬት እትሓቑፎ ብዙህነትን ውበትን ውህበትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ  ኣብ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ መሬት መፍትሒ ከም ዝድልዮ ጸገም ዘይኰነስ ብሓጎስን ውዳሴን እነስተንትኖ ናይ ደስታ ምስጢር እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም ከምዘቃልሑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ነጻነት ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ

ብፁዓን ጳጳሳት ፐሩ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ እቲ ኣብ ሃገራዊ መዝሙር ሰፊሩ ዘሎ ነጻነት ንወትሩ ዝብል ቃል እቲ መበል 194 ዓምቱ ዘብዕል ዘሎ ረፓብሊካዊት ፐሩ ዘረጋገጾ ኩነት ዝወልዶ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ነጻነት ህያብ እግዚኣብሔር እዩ። ብእምነትን ብቓሉን ክኹላዕ ዝግብኦ እዩ እሞ፣ ወትሩ ቅንዕናን ሕውነትን ዝዓሰላ ኣብ ጐዳና ንሓንቲ ሃገረ ፐሩ ሕንጸት ንኽንጓዓዝ እዚኣብሔር ብምስትውዓልን ብሓላፍነትን ብምትሕብባርን ንኽንነብሮ ይሓግዘና እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፦ ብምኽንያት መበል 194 ዓመት ነጻነት ፐሩ፣ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊማ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ብፁዕ ካርዲናል ኹዋን ልዊስ ቺፒሪያኒ ዝመርሕዎን ናይ ፕሩ ርእሰ ብሔርን ናይ መንግስትን ፖለቲካን ላዕለዎት ኣካላትን ዝተሳተፍሉ ናይ ምስጋና ስርዓት ቅዳሴ ከምዝዓረገ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.