2015-07-28 16:13:00

ብፁዕ ኣቡነ ሳኮ፦ ጽንታ ዒራቓውያን ንቕርበት ቅዱስ ኣቦና


ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ካምፖባሶ ናይ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ሓልዮ ተቛም ኣብ ክንክንን ሓልዮትን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረሰብ ብሉጽ ኣበርክቶ ነዘቕርቡ ዜጋታት በቢ ዓመቱ ዝህቦ ዓለም ለኻዊ ፍሉይ ሽልማት ብቝዕ ተባሂሎም ዝተሓርዩ ነቲ ስልማት ንኽርከቡ ኣብ ከተማ ጀልሲ ዝኣተዉ ኣብ ኢራቕ ርእሰ ከተማ ባግዳድ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ራፋኤል ቀዳማይ ሳኮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፦  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ ኣብ ውጥረትን ስቓይን ንእትርከብ ሃገረ ዒራቅን ሕዝባን ቀረባ ምዃኖም ሕዝቢ ዒራቕ ዘስተውዕሎ ምዃኑ ገሊጾም፣ ነቲ ኣብ ዒራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ንምውጋድን ኣብ ልዕሊ’ቲ እስላማዊ ሃገር እንክብል ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ኣኽራሪ ሃይማኖት ምስልምና ዓወት ክዕተር ናይ ዓለም ሓቆፍ ምንጋወ ወሳኒ እዩ ኢሎም።

እቲ ኣብ ዒራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ንምስናፍ ዓለም ሓቆፋዊ ኢደ ኣታውነት ናይ ግድን ምዃኑ ብትረት  ገሊጾም፣ እቲ ዝተውሃቦም ስልማት ንዓኦም ዘይኰነስ ነቶም ኣብ ዒራቕ ሰላምን ማሕበራውን ሃይማኖታውን ዘተ ንኽረጋገጽን ኩሉ ብሓጎስን ሰብኣዊ ክብሪ ተሓልዩ ንኽነበር ዘብቅዖ ብሉጽ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ዘይሕለል ኣገልግሎት ነዘበርክቱ ዘለዉ ክርስቲያን ምእመናንን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምናን ናይ ካልኦት ሃይማኖት ሰዓብትን ምዃኑ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ዒራቕ ተባሪዑ ዘሎ ውግእን ግጭትን ብዙሓት ንሞትን ማህሰይትን ምዝብልናን ስደትን ይዳርግ ምህላዉ ድማ ገሊጾም፣ እቲ ሕዝቢ ብዓሌትን ሃይማኖትን ዝገማምዕን ሓድነት ሃገር ዘምክንን ኣብ መንጐ ሽዓውያንን ሱኒትን ዝካይድ ውግእን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ውግእ ከቢድ መስዋዕቲ ዝኸፍል ማሕበረ ክርስቲያን እዩ። መለለዪ ናይታ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ሰማእትነት እዩ ኢሎም።

ነቲ ህልው ኵነታት ርኢኻ ናይ ዒራቕ መጻኢ ክትግምቶ ዘይከኣል ደባን እዩ። ዓለም ሓቆፍ ኢደ ኣታውነት ኣብ ዒራቕ ንናይ ሰብኣዊ ረብሓ ዘይኰነስ ንናይ ውልቃዊ ኤኮኖሚያዊ ረብሓ ዝኣመተ እዩ። እዚ ድማ ደላይ ሰላም ተግባር ኣይኰነን፣ ምሕርትን ንግድ ኣጽዋር ውግእ፣ ውግእ ዘምርት እዩ። ምእንቲ’ዚ ናይ ፖሊቲካን ኤኮኖምን ከምኡ እውን ናይ ሃይማኖታት ሕዳሴ የድሊ። ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ንሰብኣዊ ሕይወት ንሱ ድማ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ምኽባር ዝብል እወታዊ መልእኽቲ ዘቃልሕ ናይ ሃይማኖት ምስልምና መጽናዕትን ርድኢትን ኣብ ውሽጢ ምስልምና ሃይምኖት ከተባብዑ ይግባእ ኢሎም።

ኢራቕ ንበይና ጸረ ጅሃዳዊ ሃገረ እስላም ዕጡቓት ሓይሊ ክትዋጋእ ብሓቂ ከቢድ እዩ፣ ምእንት’ዚ ናይ ዓለም ሓቆፍ ጭቡጥ ተግባር ወሳኒ እዩ።

ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበርሰብ ድጋፍ ንዒራቕ ኣድላዪ እዩ። እቲ ብሉጽ ኣድላይነት ዘለዎ ድማ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ቅርበትን እዩ። ናይቶም ኣብ እከይ ተግባር ተዋፊሮም ሞትን ዕንወትን ዝዘረኡ ዜጋታት ኣልባብ ክልወጥን ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ናይ ፖለቲካ ውድባት ሰላም ክረጋገጽ ጸሎት የድሊ። ምእንቲ ዒራቕን ሕዝባን ንጸልይ ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዒራቕ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ክፍጽሙ ተስፋ ንገብር፣ ናቶም ኣብ መንጐና ምርኻብ ብሓቂ የድልየና እዩ። ንማሕበረ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኰነ ንመላእ ሕዝቢ ብዙሕ ሓይልን ተስፋን ዘጸግው እዩ። ቅዱስነቶም ንማሕበረ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኰነ ዓለም ለኻዊ ስልጣን መንፈሳውን ግብር ገባውን ስልጣን እዮም፣ ኣብ ኢራቕ ክበጽሑ ተስፈይና እየ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.