2015-07-30 16:46:00

ሶሪያ፦ ብፁዕ ኣቡነ ካዘን፦ እስላማዊ ሃገር ኣብ ኢድ ሓያላት ሃገራት እዩ


እቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ዝሰመየ ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ኣብ ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሞትን ስደትን ምዝብልናን ዝዘርእ ዘሎ ሓይሊ ኣሸበርቲ በቶም ዓበይቲ ሓያላን ስልጣናት ዝተፈጥረ ብኣኣቶም ዝድገፍን፣ ካብኣቶም ብናይ ውግእ ኣጽዋር ዝድልብን እዩ፣ እክንዲ ምውጋኡ ካብቲ ኣስላማዊ ሃገር ነዳድን ዝስረቑ ጥንታውያን ናይ ማእከላይ ምብራቕ ታሪኻውያን ቅርስታት ይዕድጉን እቲ ሓይሊ ኣሸበርቲ በዚ መገዲ’ዚ ድማ ብገንዘብ ሃብቲ ይድልብ ከምዘሎ ኣብ ሶሪያ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ጆርጀስ ኣቡ ክሃዘን ምስ ቲቪ2000 ናይ ቴሊቪዥን ጣቢያ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ከምዘስመርሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ነዳዲ ኰነ እቲ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ጥንታዊ ታሪኻውን ባህላውን ቅርስታት ዝዕድጉ መን ምዃኖም ዝተሰወረ ኣይኰነን። ናይ ኣስላማዊ ሃገር ዕጡቓት ሓይሊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብ ከባቢ ጎረባብቲ ሃገራት ሶሪያ ከምዘካይዱ እውን ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ብሃብቲ ነዳዲ ሃብታም ዝዀነ ከባቢ ብምቁጽጻር ንሓደ ፍስቶ ነዳዲ ድፍድፍ ብ 10 ዶላር ክሽጡ ጀሚሮም ሎሚ ብ 30 ዶላር ይሸጥዎ ኣለዉ፣ እዚ እቲ ቀንዲ ብሃብቲ ገንዘብ ዘደልቦም ዘሎ ኤኮኖሚ እዩ። መን እዩ ካብኣቶም ነዳዲ ዝዕድግ? ብርግጽ ሶማልን ማውሪታንያን ኣይኰናን፣ ስለዚህ መልሱ ፍሉጥን ንጹርን እዩ ኢሎም።

ቱርኪ ናይ እተካይዶ ዘላ ዘይንጹርን ዘስደምምን ጸረ ሃገራዊ እስላም መጥቓዕቲ

ቱርኪ ጸረ እስላማዊ ሃገርን ጸረ ናይ ኩርድስታን ሰራሕተይናታት ውድብ ዕጡቓት ሓይሊ እተካይዶ ዘላ መጥቓዕቲ ከምቲ ብዙሓት ናይ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ዜጋታት ከምዝብልዎ ጸረ ናይ እስላማዊ ሃገር ዕጡቓት ሓይሊ ሽፋን ዝገበረ  ናይ ኩርድስታን ሰራሕተይናታት ውድብ ዕጡቓት ሓይሊ ንምጥፋእ ዝዓመተ እዩ ዝብልዎ ከይከውን። ቱርኪ እተካይዶ ዘላ ውግእ ጸረ እስላማዊ ሃገር ዝኣመተ እተድኣ ኰይኑ ዝድገፍ እዩ ኢሎም፣ ኣተሓሒዞም ብገለ ገለ መራኸቢ ብዙሃን ቱርኪ ናይ እስላማዊ ሃገር ኣባላት ኣብቲ ምስ ሶሪያ ዘዳብዋ ከባቢኣ ክኣትውን ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክረኽቡን ክዕለሙን ጸኒሖም እዮም ዝብል ዝፍነዉ ዜናታት ሓቂ እንተድኣ ኰይኑ፣ ቱርኪ ኣብ ውሽጢ ሉኣላዊ ከባቢ ሶሪያ ናጻ ከባቢ ክፍጠር ቢላ እተቕርቦ ዘላ ሕቶ ሓደገይና እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.