2015-07-30 16:30:00

ቅድስቲ መንበር ኣብ ደገፍ ስምምዕ ኣታዊ ክፍሊት ቀረጽ፦ ንሓገዝ ድኻታት ሃገራት


ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ማሕበር ዋና ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዓለም ሓቆፍ ናይ ንግድ ጉዳይ ማሕበር ዛዕባ እታውን ወጻኣን ምህርቲ ክፍሊት ቀረጽ ኣማእኪሉ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካይዶ ዓውደ ጉባኤ ልዕሊ 200 ዝተፈላለዩ ናይ እደ ጥበብ ምህርቲ ካብ ክፍሊት ቀረጽ ናጻ ዝብል ናይ ስምምዕ ሰነድ ብብዙሓት ናይቲ ማሕበር ኣባል ሃገራት ከምዝጸደቐ ተሓቢሩ።

እቲ ዝተበጽሐ ሓድሽ ስምምዕ ንናይ ምሕርቲ ዋጋ ምጒዳል ንሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣርን ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ንከይዲ ኤኮኖሚ ረብሓ ዓቢይ ድጋፍ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቃውንቲ እንክሕብሩ፣ ብዛዕባ እቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ኣመርኲይዞም ኣብቲ ኣብ ጀነቭ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶምሲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት እቲ ዝተበጽሔ ስምምዕ ንድኻታት ሃገራት ዓቢይ ድገፍን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ዕዳጋ ንናይ ድኻታት ሃገራት ተሳትፎ ዓቢይ ሓገዝ እዩ ኢሎም።

ንመላእ ሃገራት ዓለም ብፍላይ ድማ ንድኻታት ሃገራት ዓቢይ ድገፍ ኣብ ዘለዎ ውሳኔ ዝግበር ስምምዕ ዝንጉዕ እዩ፣ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ኵላውነት መልክዕ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ኵለን ሃገራት ኣብ ግብሪ ክውዕል ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብናይ ውሽጢ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶን ብላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ክጸድቕ ኣለዎ። ነዚ ግምት ብምሃብ ድማ ምሉእ ብሉእ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዓመታት ከድሊ እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዕለት 5 ሐምሌ ክሳብ ዕለት 13 ሓምሌ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሰለስቲ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ኣብ ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ዝኽተሎ ዘሎ ከይዲ ኤኮኖሚ ዝበለጸ ካልእ ዓይነት ከይዲ ኤኮኖም ካብቲ ዘሎ ሰብኣውነት ካልእ ብሉጽ ሰብኣውነት ዝክኣል እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ጠቒሶም እቲ ኣብ ዘይማዕርነት ዝቖመ ከይዲ ኤኮኖሚ ምቕያርን ሰብኣውነት ዘማእከለ ምግባሩ ዝከኣል እዩ። ብሓፈሻኡ ሕንጸት ብሉጽ ዓለም ዝከኣል እዩ። ቅኑዕ ዓለም ሓቆፍ ዕዳጋ ሰብኣውነትን ግብረ ገብን ስነ ምግባርን ዘማእከለ ክኸውን ዝሕብር እዩ። ኤኮኖሚ ነገልግሎት ሰብ እምበር ሰብ ነገልግሎት ኤኮኖሚ ዝተፈጥረ አይኰነን፣ ከይዲ ንግድ ቁጠባ ካብቲ ጭቡጥ ኤኮኖሚ ዝረሓቐ ኣብ ምጽንጻን ኤኮኖሚ ዝቖመ ክኸውን የብሉን፣ ሎሚ እቲ ተጸናጻኒ ኤኮኖሚ እዩ ዘሳቕይ ዘሎ። እዚ ድማ ናይ ወዲ ሰብ መሰረታዊ ሰብኣዊ ድላይ ዝዓግት እዩ።

እዚ ዓይነት ኤኮኖሚያዊ ኣመለኻኽታ ጸረ ርእሰ ማልነት ርእየት ኣይኰነን፣ ናይ ዕዳጋ ኤኮኖሚ ዓቢ ውጽኢት ከምዘዕተረ ዘይሰሓት እዩ፣ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዕዳጋ ኤኮኖሚ ኣብ ገዛእ ርእሱ እዅል ኣይኰነን እያ ትብል ዘላ። እቲ ናይ ዕዳጋ ኤኮኖሚ ዝኽተሎን ዘኽብሮን ንማሕበራዊ ማዕርነት ዝመርሕ ብቑዕ ሕጊ ክህልዎ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ መንጐ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ደቡባዊት ኰርያን ጃፓንን እዚ ማለት ድማ ኣብ መንጐ ምዕቡላት ሃገራን ብኣሕጽሮተ ቃል ብሪክስ ተባሂለን ዝልለያ ብራዚል ራሻ ህንዲ ደቡብ ኣፍሪቃን ኤኮኖሚያዊ ምስሕሓብ ኣሎ፣ ምእንቲ’ዚ ኣብ መንጐ ብኤኮኖሚ ዝማዕበላ ሃብታም ሃገራትን ኣብ ጐዳና ኤኮኖሚያዊ ምዕባለ ዝርከባ ድኻታት ሃገራት ዘሎ ጋግ ክተኻኸል ናይ ግድን ምዃኑ እዩ ዘተሓሳስብ።

እቲ ናይ ቁጠባ ኤኮኖሚ ኣብ ምጽንጻን ጥራሕ ከይተሓጽረ ንናይ ዓበይትን ነኣሽቱን ኢንዳስትሪ ሕቶ ከርውይ ዝኽእል ከይዲ ክስዕብ ኣሎዎ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንጭቡጥ ኤኮኖሚ ዝድግፍን ንምዕባለ ዝድግፍ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.