2015-08-01 19:55:00

አብ እስፓኛ ዝርከቡ ቤት ጸሎታትን ንግደታትን ሎዮላን ማንረዛን መንፈሳዊ ንግደት ንዝገብሩ ናይ ምሉእ ሥሬተ ሓጢአት ጸጋ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብምኽንያት ትማሊ ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓመታዊ ክብረ በዓል መሥራቲ ኢየሱሳውያን ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘሎዮላ ነቶም ንሱ ዝፈጸሞ ንግደት ጕዕዞ ናይ ከባቢ ሸውዓተ ሚእቲ ኪሎ ሜትር ንዝፍጽሙ ነጋድያን ማለት አብ እስፓኛ ዝርከቡ ቤት ጸሎታትን ንግደታትን ሎዮላን ማንረዛን መንፈሳዊ ንግደት ንዝገብሩ ናይ ምሉእ ሥሬተ ሓጢአት ጸጋ ከምዝለገሱ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ፣

ቅዱስነቶም ነዚ ውሳኔዚ ንክወስዱ ዝደፍኦም ቀንዲ ምኽንያት እቲ አብ ዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ዝጅምር ኢዮቤል ዓመት ምሕረት ምዃኑ እንክምልከት ነቲ መሓሪ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምርካብ አሠር ናይቲ መሥራቲ ኢየሱሳውያን ዝኾነ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ብምስዓብ ነቲ ንሱ ዝፈጸሞ ጕዕዞ ንግደት ንዝፍጽሙ አመንቲ ኢዩ፣ እዚ ጕዕዞ ንግደት እዚ ከም አብ ባህሊ ሃገረ እስፓኛ ዝግበር ንሃገራ ባስኪ ናቫራ ርዮኻ አራጎናን ካቶሎኛን ብምቍራጽ ዝግበር ጕዕዞ ኢዩ፣ እዚ ከአ ነቲ ደጋጊሞም አብ ትምህርቶም ዝብልዎ ካብ ገዛእ ርእስኻ ተገሊልካ ንክርስቶስ ማእከል ናይ ሕይወትካ ገርካ ንምጕዓዝ ዝግበር መንፈሳዊ ጕዕዞ ኢዩ፣ ቅዱሰንቶም እዚ ጕዕዞ እዚ ጕዕዞ ሕይወትናውን ከምዘመልክት ንምብራህ አብ ዝፈተኑሉ ግዜ አብ ሕይወት ጕዕዞ ይጅመር ውድቀት እውን የጋጥም ኮይኑ ግን እንደገና ተንሲእካ ጕዕዞኻ ምቅጻል ከምዘድሊ ንምምልካት እዩ፣ እዚ ውድቀት እዚ ከፍርሓና ከምዘይብሉ እቲ ከፍርሓና ዘለው አብቲ ዝወደቅካሉ ምትራፍ ምዃኑ ንምብራህ ከአ “እወ የጋጥም እዩ ኮይኑ ግን ቀልጢፍካ ምትንሳእን አብ ጐይታ ብዘሎካ ተአማንነትን ብኃይሉን ተሰኒኻ ምትንሣእ የድሊ ከመይ ንጐይታ ኢየሱስ ኩሉ ይከአሎ እዩ” ይብሉ፣

እዚ ጕዕዞ እዚ ግን ንበይንኻ ዝግበር ከምዘይኮነ ንኸመልክቱ “ብማሕበርን ምስ የዕሩኽትን ዝግበር እዩ” ይብሉ፣ ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ በይኑ አይኮነን፣ ንክርስቶስ ማእከል ገርካ ምጕዓዝ ነቤተክርስትይን እውን ስለዝምልከት አነ ንበይነይ ንክርስቶስ ክኽተል አይክእልን፤ ምስ ቤተ ክርስትያንን አብ ቤተክርስትያንን ኮይነ እንተዘይኮኑ ንክርስቶስ ክኽተሎ አይክእልን ከአ ይብሉ፣ ነቶም ካብ ኩሉ ተገሊሎም ዘለው ንምርካብን ንምግልጋልን ወትሩ ምስ ቤተ ክርስትያንን አብ ቤተክርስትያንን ክኸውን አለዎ ከመይ ነዛ ቤተክርስያን እዚአ ብጭቡጥ መንገዲ ንምግልጋልን አባላ ንምዃንን ነቶም ብዝተፈላለይ ምኽንያት ተግሊሎም አብ ወሰናስን ዝርከቡ አብላታ ምግልጋል የድሊ ቢሎም፣ ነዙይ ዘበሎም ምⷕንያት እንክገልጹ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ብግዝያዊ ዓውታትን ኩነታትን ዘይ ዓግብ ሰፊሕ ልቢ ስለዝነበሮ ብልግሥናን ብተአዝዞን ንኩሉ ንምግልጋል ስንድው ብምዃን አብ ዓወት ከምዝበጽሑ የመልክቱ እሞ እዚ ም ዕባይ ልቢ እዚ ብዘይ ፍርሒ ንኩሉ ክትቅበልን ከተገልግልን ስንድው ምዃን የምልክት፣ እዚ ከአ አብ ዓበይትን ረአዩለይ ስም ዑለይ ዘድልዮም ነገራትን ከይተሓጽረ አብ ነአሽቱ ዕለታዊ ፍጻሜታት ብምትኳር ከምዝስራሕን ዕለት ዕለት ከምቲ ኢየሱስ ዝብለና ልቢ አ ዕቢና እንተተጓዓዝና ን ር እስ ናን ንካል ኦትን ከነድሕን ከም እንኽ እል አመልኪቶም፣ እቲ ቀንዲ ንኅልናና ክንሓቶ ዝግበአና ሕቶ ከአ @ብሓቂዶ ንክርስቶስ ማእከል ሕይወተይ ገረ እጓዓዝ አሎኹ@ እንክኸውን ነዚ ሕቶ እዚ ነፍሲወከፍ ዕለት ክንገበሮ ነዚ እናገበርና ከአ ኃጢአተኛታትን ድኹማት ፍጥረታትን ምዃን ክንዝክር ክርስቶስ ባዕሉ ክመርሓና ልብና ከፊትና ክንጽበ አዘኻኺሮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.