2015-08-01 19:49:00

ዜና ዕረፍት ነፍሰኄር አባ ተስፋልደት(ተስፋይ) ተኽለሚካኤል


ነፍሰኄር አባ ተስፋልደት(ተስፋይ) ተኽለሚካኤል ካብ አቦም ተኽለሚካኤልን አዲኦም፡ ኣመተማርያምን ብ07/01/1924 ዓ/ም/ፈ አብ ዋስደምባ ተወልዱ፣

ትምህርቲ መባእታ፡ ከረን 1-3 ክፍሊ 1938 ኣብ ቤ/ት ደናግል ከረን ማእከላይ ፡ ከረን 4-5 1941-2

ካልኣይ ደረጃ፡ ከረን ንኡስ ገዲም ዘርኣክህነት 6-7 ክፍሊ 1943-4 አብ ዘርአክህነት ከረን ብ1943? አተዉ። ትምህርቲ ፍልስፍናን ተሎጊያን፥ ኣብ ከረን ገዳም ዘርኣክህነት ተማህሩ፡

ዕለተ ክህነት፡ ፲፪ ኅዲር ፲፱፻፶፩/ 21/11/1958 ዓ/ም ፈ. ብኢድ ብፁዕ አቡነ ኣስራተማርያም የምሩ፡

ሓዋርያዊ አገልግሎት ኮረኮን፡ ድሕሪ ክህነቶም ልዕሊ 4ተ ዓመት ከረን፡ ልዕሊ 4 ዓመት፡ ኣሥመራ፡ ልዕሊ 10 ዓመት ከም መጋብን መምህርን ዋስደምባ፡ ልዕሊ 7 ዓመት ከም ቆመስ ከረን፥ ልዕሊ 8 ዓመት ከም ቆመስ ደብረ ቅ.ሚካኤል ዋስደምባ፥ ልዕሊ 5ተ ዓመት ከም ቆመስ ከረን 07/08/2003 -2014. ከም ኣበ ነፍስ ገዳም ዘርአ ክህነት

ዛቲ ይ እቲ ም ዕራፍየ ለዓለም‹ደብረ ኢየሱስ ዋስደምባ› ዝተረፈ ሕይወተይ ኣብ ዓደይ ክሕልፎ ይሕሸኒ ብዝበልዎ ክሳብ ዕለተ ሞቶም 29/07/2015. ብዘይካ ናይ ሳምንቲ ዓራት ምሓዝ፡ ኣልዕሉኒ ኣንብሩኒ ከይበሉ፡ ደጊም መዓልታተይ ኣኺለን እየን እናበሉ፡ ሞት ጻድቃን ሞቱ፡ ኣምላኽ በቲ ናይ ምሉእ ሕይወቶም ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ዓስቦም ከም ዝህቦም ነኣምን። ሥርዓተ ቀብሮም ፪፫ ሓምለ ፳፻፯ / 30 July 2015 ኣብ ዋስደምባ ተፈጺሙ፡ ብጸሎት ነሰንዮም። ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን፡








All the contents on this site are copyrighted ©.