2015-08-20 16:13:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ናይ እግዚኣብሔር ወንጌላዊ ፍቕሪ ኣምሪሕካ ምስ ኩሉ ምርኻብ


ትምኒትና እንታይ እዩ፣ ናይ ልቢ ትምኒት! ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሪሚኒ ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ምሕዝነት ኣሕዛብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ፊርማ ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብትብዓትን ለዋህን ትሑትን ጽባቔን ዝዀነ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ መግለጺ ጥዑም ቃል ብስራት ንምብጻሕ ዓቢይ ሃንቀውታ ይሃልኹም፣ በዚ ዓቢይ ድላይ’ዚ ተመሪሕኩም ፍቕርን ጽባቔን ዝኾነ ጥዑም ቃል ኣበስሩ ዝብል ለበዋ ዝተነብሮ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ሰብኣዊ ልቢ ሻቕሎት ዝተመልአ እዩ፣ ፈጺሙ ዘይረውይ ወትሩ ኣብ ምድላይን ሃረርታ ዝተመልአ እዩ፣ እዚ ድማ ምስ ናይ ሕይወትን ሞትን ፍቅርን ዕዮን ፍትሕን ሓጐስን እንታይ ማለት እዩ ምስ ዝብል ሕቶ ኣተሓሒዞም ዝገለጽዎም ሕቶታትን ኣብ ምዃን ሰብኣውነት ሰብ ዝተነብሩ ምዃኖም ሓቢሮም፣ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ዝተፈላለዩ ዘየዕግቡን ጊዚያውያን በረስቲ መልስታት የቕርብ፣ እዞም ዘይሓቀይና መልስታት ድማ ነቲ ልዑን ሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ዘእትዉ እያቶም፣ ስነ ሓሳባዊ ባዕዳዊ መግዛእት ድማ ነቲ ቀንደይና ልባዊ ሕቶ ፍጥረት ሰብ ዘየዕግብ ድሩት መልስታት የቕርብ፣ ዕጋበት ምልኣት ሓጎስን ሰብ እንታይ እዩ?

ነቲ ልባዊ ዓቀን ሰብ ዝመልእ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ

እግዚኣብሔር እቲ ኵሉ ሃንቀው ዝብሎ መልሲ ዝልግስ ክነሱ፣ ሰብ ሎሚ ግና ኣብ ሰብኣዊ ዓወትን ሃብትን ስልጣንን ወልፍታትን ኣብቶም ጊዚያዊ ሃንቀውታ ጊዚያዊ ርውየት ኣብ ዝዕድሉ ነገራትን የናድዮ፣ እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ዓቐን ልቢ ዝድብይ፣ ዘዕግብን ዝመልእን፣ ሕይወት ሰብ ኣሿኽ እውን እንተዀነ እግዚኣብሔር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ሰብ እዩ። ኣብቲ ኣሿኽን ጻሕያይን ሕይወት እቲ ጥዑምን ምኡዝን ዘርኢ ይበቍልን ይጥጥዕን። ኣብ እግዚኣብሔር ጥራሕ ንተኣመን።

ምስ ኵሉ ንምራኻብ ካብ… ምውጻእ

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕይወት ክርስትንና ብነኣሽቱ ነገራት ጥራሕ ምዕጋብ ኣይሀሉ፣ ካልኦት ነቲ ዝፈለጥናዮ ኢየሱስ ክፈልጡ መታን ካብ ቝሸታውነት ምውጻእን ናብ ካልኦት ምዃድን ይግባእ። ኢየሱስ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ልቢ ዘሎ ኢታእላው ምንዮትን ሕቶን መልሲ እዩ ቢሎም ብትብዓት ለዋህን ትሑትን ጽባቔን ዝዀነ ሎሚ እውን በቲ ካብቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ኢየሱስ ዝውሕዝ ማይ ሕይወት ከርወየና ኣብ ቅድሚ ድኻምነትና ዝምብርከኽ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ መግለጺ ጥዑም ቃል ብስራት ንምብጻሕ ዓቢይ ሃንቀውታ ይሃልኹም እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.