2015-08-21 15:06:00

ሰንበት ዘፍልሰታ ነሓሰ 17 2007 ዓ.ም. (8/24/2015)


ሰንበት ዘፍልሰታ ነሓሰ 17 2007 ዓ.ም. (8/24/2015)

መዝሙር፡ አዕረግዋ መላእክት ውስተ ሰማያት. . . ። “መላእክቲ ናብ ሰማይ አዕረግዋ ጥዑም ቃላ ሠናይ ተግባራ ንነብያትን ንሓዋርያትን ንጻድቃንን ሰማዕታትን አብኡ ኮይና ትባርኾም”።

ንባባት፡ ኤፈ 5፡15-20፥ ያዕ 2፡14-ፍ፥ ግ.ሓ. 7፡1-9፥ ዮሓ 6፡51-58 

ምስባክ፡ አዋልደ ነገስት ለክብርከ ወትቀውም ንግሥት በየማኒከ፥ በአልባሰ ወርቅ ኡጽፍት ወሑብርት። “አብ ማእከል እተን ክቡራን አንስትኻ አዋልድ ነገሥታት አለዋአን፥ እታ ንግሥቲ ጽሩይ ወርቂ ተሰሊማ አብ የማንካ ትቀውም (መዝ 45፡9)።

አብ ባህሊ ብለን ድሕሪ ብዓለ ፍልሰታ ዘሎ “ጀበባ ማርያም” ይብሃል። ትርጉሙ ተረፍ ወይ በረኸት ማርያም እዩ። ጌና ንብዓለ ፍልሰታ እነስተንትነሉ እዋን ኢና ዘሎና። ማርያም ንኢየሱስ ሂባትና ኢየሱስ ንማርያም ሂቡና። አብ ልደት ክርስቶስ ካብ ማርያም ተወሊዱ ከማና ኮይኑ ንአና መሲሉ አብ መለኮት አምላኽ ከም እንሳተፍ ገሩና ቅ. ጴጥሮስ ከምዝብለና “ተኻፈልቲ መለኮታዊ ባህርዩ ኾንኩም” (2ጴጥ 1፡4) እናበለ ብልደት ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ጸጋ ይነግረና። ማርያም አምጻኢተ ምሕረት ንብላ አብ ጸሎት ሃገርና “ተፈጸመ ተስፋ አበው በማርያም ድንግል ወበ ቀራንዮ ተተክለ መድኃኒት መስቀል” እናበልና ብዓሚቕ ምስጢር ልደትን ሞቱ አብ መስቀልን ብማርያም ዝተረኽበ ጸጋ ነስተንትን።

ክርስቶስ ቅድሚ ሞቱ ክልተ ዘይፈላለ ህያባት ሂቡና መጀመርያ አብ ዕለተ ኃሙስ ንወትሩ ምሳና ዝህሉ ቅ. ቍርባን ሰሪዑልና ወትሩ ንዝኽሩ ኢልና ክንእከብ እንከሎና እንገብሮ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ሰሪዑልና “እዚ ምእንቲ ዝኽረይ ግበርዎ እናበለ” ክንገብሮ አዚዙና። ካልአይ ቅድሚ ሞቱ ወትሩ ከይንዝኽትም ኢሉ ንማርያም አዲኡ “እንሃ” አደኹም ኢሉና። ነባሪት አደ ሂቡና። እዚ ክልተ ዓበይቲ ህያባት ወትሩ ዘኪርና ነብዕሎ።

አብዚ ብፍሉይ ክንዝክሮ ዝድለ ዘሎ ቦታ ቅዱስ ቍርባን አብ ክርስትያናዊ ሕይወትና እዩ፥ ቤተ ክርስትያን “ቅዱስ ቍርባን አብ መለከታዊ ሕይወት ንዝርከብ ሱታፌ ኅብረትን ንቤተክርስትያን ህላዌ ዚህባ ናይ ሕዝቢ እግዚአብሔር ሓድነትን ብቑዕ ምልክትን ልኡል መሠረቱን እዩ” (ሓ/ት/ክ/ 1325) እናበለት ትምህረና። ቍርባን ማለት አኵትየት ወይ ምስጋና ማለት እዩ፥ ስለዚ ብመንፈስ ቅዱስ መሊእና ንአምላኽ አብ ፍልጠቱን አብ ሥጋን ደምን ወዱን ክንሳተፍ ንዝዓደመና ነመስግኖ።

አብ መጽሓፍ ምሳሌ 9፡1-9 ዘሎ እንተ አንበብና አምላኽ እቲ ብርእሱ ጥበብ (ልቦና) ዝኾነ አብ መአዱ ክንሳተፍ ከም ዝዕድመና ይነግረና። እቶም ትሑታት ጥራሕ እዮም ነዚ ዕድመ አኽቢሮም ዝቕበሉ። እቶም ድሮ ንርእሶም ፈላጣትን ለባማትን ዝሓስቡ ናይ እዚ እግዚአብሔር ዝዕድሞ ዘሎ ግብጃን ዝህቦ በረኸትን ጌና አይርድኦምን እዩ። እቶም ንርእሶም አትሒቶም ዝቐርቡ ጥራሕ እዮም ናይ እዚ ድራር ክርስቶስ ባዕሉ ሰራዕን ህያብን ባዕሉ ካህንን ናይ መስዋዕቲ በግዕ ኮይኑ ዝቐርብ ዘሎ ምዃኑ ዝርድኡ። “ዘይለበመ እንተሎ ናብዚ ይምጻእ ነቶም አእምሮ ዘይብሎምውን ከምዚ ትብሎም አላ ንዑ እንጌራይ ብልዑ ዝዘለልክዎ ወይነይ ስተዩ ብሕይወት ክትነብሩስ ዕሽነት ኅደጉ ብመገዲ ምስትውዓል ከአ ተመላለሱ” (መፍሓፈ ምሳሌ 9፡4-5)።

አብ ናይ ሎሚ ወንጌል ክርስቶስ “እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕያው እንጌራ አነ እየ ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዕ ዘበለ ንዘለዓለም ክነብር እዩ” (ዮሓ 6፡51) ኢናበለ ንሰማዕቱ አስተምሂርዎም። በዚ ምኽንያት አይሁድ ብዘረባኡ ተቖጢዖም “እዝስ ከመይ ኢሉ ሥግኡ ክንበልዕ ይህበና እናበሉ አጉረምረሙ። ብኻልእ ክንርእዮ ከሎና እዚ ዘበሎም ብትዕቢት መሊኦምን ንፈልጥ ኢና ኢሎም ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ እዮም። ዮሓስን ወንጌላዊ ዓይኒ አልኦም ግን አይርእዩን እዮም ይብለና። ዓይኒ ከሎካ ክትርኢ ዘይምኽአል ናይ ሕልና ዑረት እዩ ዘድህብ። ንሳቶም አብ ቅድሚ አምላኽ ዓያሹ ክኾኑ እሞ ብናይ አምላኽ መገዲ ለባማት ክኾኑ አይደለዩን። በዚ ምኽንያት አብ መአዲ ክርስቶስ አብ ሥጋኡን ደሙን ከይሳተፉ ንርእሶም ዓጽዮም። ሰብ ልቡ ምስ ዓጸወ ካብ አምላኽ እዩ ዝርሕቕ። አብ ገለ እዋና ንሕና እውን ከምዞም አይሁድ ንአምላኽ ልብና ንዓጹ ኢና። ዑረትና ከአ ንምስጢር ሥጋን ደምን ክርስቶስ ብርድኢት ናይ እዚ ዓለምን አፍልጦን ከንርድኦን ክንገልጾን ከም እንኽእልን ገርና ንሓስብ። ከምቶም አይሁድ “ከመይ ገሩ ሥጋኡን ደሙን ክንበልዕን ክንሰትን ክህበና ይኽእል” ንብል።

አብ መኣዲ ቅዱስ ቍርባን ከይታሳተፍካ ምንባር ብመንፈስካ ደስኪልካ ምንባር ስለ ዝኾነ ብኃጢአትና ተአሚና አብ መአዲ ክርስቶስ ክንሳተፍ ይግብአና። ቤተ ክርስትያን “አብ ዓመት እንተ ወሓደ አብ ወርሓት ፋሲካ ቍርብ” ትብለና እዚ ኸአ ሕይወት ክህበና ኢላ እያ። ካብ መአዲ ክርስቶስ ዝተሓረመ መንፈሳዊ ጥመት ስለ ዝህልዎ አድህብኡ አብ ግዙፋዊ መግቢ ጥራሕ ገሩ ብጥሙዩ ይነብር ነዚ ክንሕድስ እዩ ሎሚ ካባና ዝድለ ዘሎ።

ቅ. ጳውሎስ ንዘሎና ርድኢት ክነዕብን ክንርዳእን ኢሉ አብ ዝተነበት መልእኽቱ ናብ ሰብ ኤፈሶን ከምዚ እናበለ የጠንቅቐና “ተጠንቀቑ እቲ ቅንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ ነቲ ዝተዋህበኩም ጊዜ ብምልኡ አብ ረብሓ እናአውዓልኩም ከም ዓያሹ ዘይኮነስ ከም ለባማት ንበሩ. . . ንፍቓድ ጎይታ ምዃኑ አስተውዕሉ ዓያሹ አይትዅኑ. . . ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጎይታና ኵሉ ሳዕ አመስግንዎ” (ኤፈ 5፡15-20) ይብለና። እቶም ለባማትን አስተውዓልትን ጥራሕ እዮም ንክርስቶስ አብ ቅዱስ ቁርባን ክርእይዎ ዝኽእሉ። ንሳቶም ክርስቶስ እቲ ሕያው መግቢ ከምዝኾነ ጨሪሶም አይጠራጠሩን። ንሶም አብ ቅድሚ አምላኽ ኢሚንትን ሓንቲ ዋጋ ከምዘይብሎም ይሓስብ እሞ ሓቀኛ ፍልጠትን ሕይወትን ምእንቲ ክረኽቡ ነቲ መጸዋዕታ አምላኽ ብእምነትን ብትሕትናን ይቕበልዎ። አምላኽ ኵሉ ጊዜ ምልአት ሕይወት ክህልወና ምስደለየ እዩ። እዚ ምልአት ሕይወት እንብሎ አብቲ ሕያው እንጌራ ዝኾነ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ ዝርከብ።

ሎሚ እምብአር ነዚ ዓው ኢሉ አብ ልብና ዝዛረበና ዘሎ መጸዋዕታ አምላኽ ንስምዓዮ። አብ ውሽጥና አቲና ዕሽነትና ድንቍርናን አለሊና ንኽአል። ከም አይሁድ ትዕቢትን ክፍአትን ለቢስና ዘይኮነ ትሕትናን ልቦናን ልቢስና አብ ቅድሚ መአዲ አምላኽ ብንጹሕ ልቢ ንቕረብ። አብ ሓቀኛ ህላዌ ክርስቶስ አብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎና ምጥርጣር ሓዲግና ብምሉእ እምነትን አኽብሮትን ንቕረብ። ምስቲ ሓቀኛ መግቢ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስ ተዓሪቕና ካብ ሥጋኡን ደሙን ብንጹሕ ልቢ ንቀበሎ።

ብዙሓት ስለምንታይ ካብ ምአዲ አምላኽ ከምዝርሓቑ ዝተፈላለየ ምኽንያት ከቕርቡ ይኽእሉ ይኾኑ ምኽንያታቶም እውን ብቑዕ ኮይኑ ክርአ ይክአል ይኸውን፥ እንተ ኾነ እቲ ሓቂ ዝኾነ ምኽንያት ይቕረብ ካብ ዕድመ አምላኽ አብ ምአዱ ክንቀርብ ዝዓቢ ነገር የለን፥ ምኽንያቱ አብ መአዱ ክንሳተፍ ከሎና አብ ሕይወት ዝህብ መአድን አብ ሓቀኛ ፍልጠትን ኢና እንሳተፍ። ካብቲ ክርስቶስ ብሥጋኡን ብደሙን አቢሉ ዘቕርበልና ዝዓቢ ሕይወት የለን። ሓንቲ ንሕና ክንገብር ዝግብአና ዝክአለና ክንገብር ማለት ነቲ አብ መአዲ ከይንሳተፍ ዓጊቱና ዘሎ ንመንፈሳዊ ዓይንና ከይርኢ ጋሪድዎ ንዘሎ፥ ነእምሮና ከይሓስብን ከየስተውዕልን አደንዚዝዎ ንዘሎ ክንከዶ ዝግብአና ከይንርኢ ወይ ከይንፈልጦ አደናጊሩና ንዘሎ ቀንጢጥና ክንአሊ ዝክአለና ክንገብር። ብኻልእ አዘራርባ መገድና ክንቅይር ፍቓደኛታት ክንከውን። ሰብ ባዕሉ አሚኑ ክቕይር እንተ ዘይበለ ክቕይር አይክአልን እዩ። ሰባት ክመኽሩና ይኽእሉ እዮም እንተ ኾነ እቲ ቀንዲ ካባና ክነቅል አለዎ። እምብአር ነቶም ካብ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ከይንቕበል ከዊሎምና ንዘለዉ አሊና ንክርስቶት “አሜን ብአማን አመንኩ” ኢልና ክንቅበሎ ይግባእ።

ምጥርጣት ዛሕሊ ከምኡ ከም ልምዲ ሒዝካዮ ዘይምስታፍ ንመንፈሳዊ ሕይወትና ይቐትሎ እዩ። ኃጢእና እንተ ኾና ክንሳሕ ክንዕረቕ ኢልና አብ መንበረ ንስሓ አምላኽ ምቕራብ ይግብአና። ኃጢአትና ክንናዘዝ ይግብአና ብድፍረት ነቲ ዝገበርናዮ አብ ቅድሚ አምላኽ ተደፊእና “ብእከየ ወበዓቢ ብእከየ” እናበልና ክንናዘዝ ከሎና “ወደይ/ጓለይ ሞይቱ/ መይታ ነሮም እዮም ሓውዩ/ሓውያ ጠፊኡ/ጠፊአ ነሩ/ነራ ተረኺቡ/ተረኺባ” እናበለ ብተሓጓስ ይቕበለና።

ሰብ በደል ምስ ገበረ እሞ በደሉ ምስተአመነ ዝዓርቆ ይደሊ ባዕሉ ናብ መባእስቱ ከይኸይድ ፍርሕን ትዕቢትን ይዓግቶ ሽዑ ለባም ንዝበሎ አተዓርቐኒ ይብሎ እሞ ብቐሊል በዲለ እናበለ ይዕረቕ። ሎሚ ምስ አምላኽና ብቐሊል ክተተዓርቐና እትኽእል መንጎኛ ማርያም አደና እያ። ንሳ መጀመርያ ወደይ ዝበለኩም ግበሩ እናበለት ትምዕደና ድሕሪኡ አብ ወዳ ቀሪባ ምሓሮም እትብል ፈቃር አደ እያ።

አምላኽ ብማርያም አቢሉ ንዝለመኖ ተአምራት እዩ ዝገብር። አብ ቃና ዘገሊላ ብልምናአ ማይ አብ ወይኒ ተለዊጡ ሎሚ እውን ኃጢአተኛ ልብና ክነጽሕ ክቕደስ ክልወጥ ናይ ማርያም ልመና የድልየና እዩ። አብ ትሕቲ መስቀል ንመስዋእቲ ወዳ ዘዕረገት ማርያም ሎሚ እውን መስዋዕትና ቅቡል ክኸውን ንዓድማ።

ማርያም ክትመጽአና ከላ ንወዳ ሒዛ እያ እትመጽእ። አብ ቤት ዘካርያስ ክትአቱ እንከላ “ሕፃን አብ ከርሲ ኤልሳቤጥ ተሰራሲሩ፥ ኤልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ መሊእዋ ዕብየት ማርያምን ነቲ ጸራቶ ዘላ ከምእትርኢ ገርዋ። ሎሚ ማርያም አብ ቤትና አብ ዓድናን ዓለምናን ብፍላይ አብዚ ከቢድ ብዙሓት አብ እምነቶም ዛሕልን ውድቀትን ዘርእዩሉ ዘለዉ እዋን ክትሕግዘና ንዓድማ ንለምና።

ብፍላይ ብዓለ ፍለሰታ ዘዘኻኽሮ ድላይ አምላኽ ምድራዊ ሕይወትና ብቅድስናን ምስ አምላኽ እናተጓዕዝና ክንውድኦ እዩ ዝድለ ዘሎ። ምስ ኢየሱስን ምስ ማርያምን አብ ሰማይ ምስኦም ክነብር እዩ ሕርየትና ስለዚ በዚ ብሩኽ እዋን እምብአር ንማርያም አደና ከይንደክም ሓግዝና ከይንዝንግዕ ንወድኺ ለምንልና ንበላ።

ኦ ማርያም አደና ምሳና ኵኒ መገዲ ወድኺ ሓብርና ንበላ።

ርሑስ ብዓል!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.