2015-08-25 16:33:00

በኒን፦ ሱታፌ ብፁዕ ካርዲናል ሳራህ ኣብ ማርያማዊ መንፈሳዊ ንግደት


ካብ ዕለት 21 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 23 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ በኒኒ እቲ ኣብ 1954 ዓ.ም. እቶም ናብ ሉርድን ካልኦት ማርያማዊ ቅዱሳት ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ንኽፍጽሙ ኵለ መዳያዊ ዓቕሚ ንዘይብሎም ምእመናን ቤኒን ሓሲቦም ናይ ኰቶኑ ሊቀ ጳጳስ ዝነበሩ ነፍሰ ኄር ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ፓሪሶት ብሰናይ ፍቓዶምን ቅዱስ ድላይን ብሓልዮት ቤተ ክርስቲያንን ናብ ዘቖምዎ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘኣሪግቦ ቅዱስ ሥፍራ ዝግበር መንፈሳዊ ንግደት ብፍሉይ ልኡኽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ስርዓት ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራሕ ብዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ብዝለገስዎ ስብከትን ከምእተዛዘመ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ዣን ባፕቲስት ሱሩ ሓቢሮም።

ኣብቲ መንፈሳዊ ንግደት ካብ ናይጀሪያን ኒጀርን ቶጎን ቡርኪናፋሶን ማሊን ኣይቮርይ ኮስትን ጊኒን ዝተዋጽኡ ብጥቐላላ ልዕሊ 10 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ከምእተሳተፉ ሱሩ ገሊጾም፣ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኰነ ካብ ክፍሊ ዓለም ኣፍሪቃ ወጻኢ ዝመጹ ምእመናን እውን ከምእተሳተፉ ሓቢሮም።

እቲ ናይ ለምዘበን መንፈሳዊ ንግደት ቅድስቲ ድንግል ማርያም፦ ናይ ውፉያን መንፈስ ሓላዊትን ሓናጺትን ብዝብል መንፈሳዊ ቃል ዝተመርሔ ምንባሩ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሱሩ ኣስዒቦም፣ ሰንበት ኣብቲ ብብፁዕ ካርዲናል ሳራህ ስራዒነት ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ካልኦት 9 ናይ ቤኒን ብጠቕላላ ናይ ኰናክሪ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቪንሰንት ኩሊባልይን ኣብ በኒንን ቶጎን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ብሪያን ኡዳኡግወን፣ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓሊዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ባርተለምይ ኣዱኮኑን ዝርከብዎም ብጠቕላላ 12 ብፁዓን ጳጳሳትን ሓሙሽተ ሚእቲ ካህናትን ብሁባሬ ከምዝቐደሱን ናይ በኒን ርእሰ ብሔር ቶማስ ቦኒ ያዪን ካልኦት ናይ መንግስቶም ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ካልኦት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ሓለፍትን ዝርከብዎ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን እውን ከምእተሳተፉ ገሊጾም።

ብፁዕ ካርዲናል ሳራህ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፦ ሕይወት ክርስትና ክርስቶሳዊ ማእከልነት ዝንበር ምዃኑን እዚ ድማ ምስኡ ውሳጣዊ ርክብን፣ ብሱታፌ ቅዱስ ስጋሁ ወደሙን ዝንበርን እዚ ሱታፌ’ዚ ድማ ንብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ገርካ ብምፍቓር ዝምስከር እዩ ከምዝበሉን፣ ከምቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ ኣናስር ክርስትና ስነ ምግባር ወይ ድማ ፍልስፍናዊ ኣምር ዘይኰነስ፣ ርክብ ምስ ሓደ ኵነት ምስ ሓደ ሰብን ንሱ ድማ ምስቲ ሓድሽ ሕይወትን ኣድማስን ክህበና ቢሉ ዝመጸን ገዛእ ርእሱ ዘሕለፈን ክርስቶስ ምርኻብ ዝብል እምነት እዩ። ምስ ቅዱስ ቁርባን ውሳጣዊ ርክብ እንተድኣ ዘየሎ ምስ ክርስቶስ ውሳጣዊ ርክብ ክህሉ ዘይከኣል እዩ። እዚ ድማ ባዕሉ እግዚኣብሔር ዝደሎን ዝፈቐዶም ኣብ ወዱ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘንበሮን ብኣኡ ኣቢሉ ዝገለጾ ናይ እምነት ሓቂ እዩ። እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ቀፈርናሆን ብሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ካብ ዝገለጾ ሓቂ ድማ ብዙሓት ሃዲሞም እዮም፣ እቲ ርክብ ከም ናይ ጐይታን ጊልያን ገይሮም ስለ ዝሓሰብዎ ድማ ኣብ ቀፈርናሆም ንኢየሱስ ንበይኑ ሓዲጐምዎ ዝኸዱ ብዙሓት ከምዝነበሩ ወንጌል የዘንትዎ፣ ። እቲ ርክብ ግና ርክብ ኣቦን ውላድን እዩ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ካላእ ናብ መን ከ ክንከይድ? ንስኻ ዘለኣለማዊ ቃል ሕይወ ኣሎካ እንክብል ዝሃቦ መልሲ፣ ናይ ወላድን ውላድን ነጻነታዊ ርክብ ዝገልጽ እዩ። ናይ ደቀ መዛሙርትን ናይ ክርስቲያንን ድሕነት ሓጢኣተይና ስለ ዘይኰኑ ዝተረጋገጸ ዘይኰነስ ካብ ክርስቶስ ብነጻ ዝተዓደለ ጸጋን ምሳኡ ምጉዓዝን ንዓኡ ምስዓብን ዕለት ብዕለት ንኣኡ ምምሳልን ዝልግሶ ጸጋ እዩ ከምዝበሉ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሱሩ ኣስዒቦም ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ካርዲናል ሳራህ ካብ ናይ ርእሰ ብሔር በኒን ዝለዓለ ናይ ሃገረ በኒን ስልማት ከምእተሰለሙ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.