2015-08-25 16:29:00

ብፁዕ ካርዲናል በቶሪ፦ ርክብ ኣብ መንጐ እምነትን ስነ ጥበብን


ብሓልዮት ካቶሊካዊ ሱታፌን ሓርነትን ማሕበር በቢ ዓመቱ ዝሰናደው ዓውደ ጉባኤ ምሕዝነት ኣሕዛብ ብምቕጻል 2015 ዓ.ም. ጉድለት ሰብ፣ ትጽቢትን፣ ናይ ልቢ ትምኒት! ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ከተማ ሪሚኒ ዕለት 19 ነሓሰ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብትብዓት ለዋህን ትሑትን ጽባቔን ዝዀነ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ መግለጺ ጥዑም ቃል ብስራት ንምብጻሕ ቅንኣትን ሃንቀውታ ይሃልኹም ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጻሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ፊርማ ብዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምእተጀመረ እንክዝከር፣ ዕለት 23 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፊረንዘ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በቶሪ ርክብ እምነትን ስነ ጥበብን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘመርኰዘ ኣስተምህሮ ነቲ ኣብ ኢጣሊያ ኣትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ዓ.ም. ብብሔራዊ ሓቆፍ ደረጃ ክርስቶስ ኣብ ሞንጐ እግዚኣብሔር ሰብን ዘሎ ርክብ እዩ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ኣብ ፊረንዘ  ንኽካይድ ዝተወሰነ ቤተ ክርስቲያናዊ ዓውደ ጉባኤ እተኰይሮም ከምዘቕርቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ሓቢሮም።

ብፁዕ ካርዲናል በቶሪ ድሕሪ እቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2015 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ ኢጣሊያ ቤተ ክርስቲያናዊ ጉባኤ ክርስቶስ እቲ እውነተይና ናይ ወዲ ሰብ መልክዕ ዘርእየናን ገዛእ ርእስና ንኽንፈልጥን ከነስተውዕልን ዘብቅዓና ርክብ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሰብን እዩ። ሰብኣዊ ኩነትን ሰብኣዊ ጸገማትን መጠን ብስነ ክርስቶሳዊ መዳይ ኣንክንምልከቶ ብርግጽ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ሕይወት ንኽንነብር ንሕገዝ፣ ሰብኣዊነት ዝዓሰሎ ሕይወት ምንባር ክርስቶሳዊ ጸዋዕታና እዩ።

ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ምሕዝነት ኣሕዛብ ርእሰ ጉዳይ ትጽቢትን ጉድለትን ትምኒትን ከምዝብሎ ትጽቢትናን ጉድለትናን ትምኒትናን ዘይፈላለዩን ኣብ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዘለዉ ባህርያት እያቶም። ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዘተ ኣብ ትምኒትን ትጽቢትን ዝቖመ ምስ ዝኸውን ኣዕጋቢ ውጽኢት ይህልዎ ኢሎም።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ክርስትያናዊ መልእኽትና ዘጋጥሞ ዘሎ ምዝባዕ ካብቲ ኣብ ቅድመና ኣብ ዘሎ ብጻይና መልእክዕ ክርስቶስ ንምርኣይ ዘይምብቃዕና ዝፈጥሮ ዘሎ ዓቢይ ጸገም ዘስዕቦ ዘሎ ኩነት እዩ። ብጸሎትን ብቲዮሎጊያን ብስነ ፍልጠትን ስነ ምርምርን ዝግጠም ኰይኑ ኣብ ብጻይካን ብፍላይ ድማ ኣብ ዝተነጸለን ድኹምን ኣዚዩ ብድኽነት ዝተጠቕዔን ዜጋ ብቓልን ሕይወትን ዝንበር እምነት ማለት እዩ። እምነት ብቓልን ሕይወትን ማለት ድማ ክርስቶሳዊ ሰብኣውነት ምንባር ማለት እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓውደ ጉባኤ ምሕዝነት ኣሕዛብ ዕለት 26 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ክዛዘም ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጓራሺ ሓቢሮም፣ እቲ ውሱንነትን ዘይፍጹምነት ሰብ ከም ሃብቲ እትምልከት ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ቤተ ክርስቲያን ናይቲ ኣብ መንግስቱ ንኽቕበላ ሃረር እትብሎ ጐይታ ምስክርነት ህያው ህላዌ ኣብ ዝዀኑ ቅድሚ እቶም ትሑታት እትምብርከኽ ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል እትርከብ ቤት ሕክምና እያ እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ በቶም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ብዝተፈላለየ ርእሰ ጉዳይ ዘረባን ኣስስተምህሮን ዝለገሱ ዕዱማት ከምእተቓልሔ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.