2015-08-27 15:43:00

መበል ሓደ ሚእቲ ኣስተምህር ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. መበል ሓደ ሚእቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ  ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ስድራ ቤት ዘተኰረ ንኽካይድ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣማዕድዮም ካብ ዕለት 10 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ኣብ ስድራ ቤት ኣመርኵይዞም ዝጀመርዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል ኣብ በዓልን ሥራሕን ጽሎትን ንኡሳን ርእሰ ጉዳያት ሰፊሕ ኣስተምህሮ ከዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኰይኖም ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ምስ ተሓርዩ እቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምኽንያት ናይ እምነት ዓመት ጀሚሮምዎ ዝነበረ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከቕጽሉ ድላይ ከምዘለዎም ገሊጾምን ዕለት 27 መጋቢት 2013 ዓ.ም.  እምነት ርእሰ ጉዳይ ገይሮምን ኣብ ቅዱሳት ምስጢራትን ህያባት መንፈስ ቅዱስን ቤተ ክርስቲያን ኣርእስታት ኣመርኵይዞም ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።

ዕለት 26 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ተሳተፍቲ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስነቶም ንዘቕረብዎ መበል ሓደ ሚእቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምኽንያት ብጣቕዒት ዝተሰምዖም ሓጐስ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ምስ ሕዝብን ኣብ መንጐ ሕዝብን ምንባር ዝፈትዉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘቕርብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ማእለያ ዘይብሉ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጸ ምእመናን ዝምስክሮን ምስ ብዝሓት ሰላምታ እናተለዋወጡን ንሕጻናትን ኣረጋውያንን ሓደስቲ መራዑን ሕሙማንን ብፍሉይ ቀሪቦም እናባራኹ ዘርእዎን ዝምስክርዎን ቅርበት ናይ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበት ዝምስክር እዩ። ብቓልን ሕይወትን ዝንበር ወንጌላዊ ሓጐስ ማራኽን ህያውነት እምነት ዘረጋግጽን እዩ። ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና ብጸሎትን ብሓሳብን ጥራሕ ዘይኰነስ ብኣካል እውን ቅርበት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቓልን ሕይወት ንመላ ዓለም ዝምስክር ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ሓላይን ለዋህን ኣብ ናይ ካልእ ስቓይን ሓጐስን ተኻፋልን ኣፍቃርን ምዃኖም ድማ እቶም ዕለት 26 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ካብቶም ኣብ ቅርዓታ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናን ውሽጢ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ የረጋግጽዎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.