2015-08-27 15:48:00

ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕብራይስጥ ቋንቋ ተጠቀምቲ ካቶሊካውያን ናይ ሰላምን ዘተን መጋበርያ እያቶም


ኣብ እስራኤል መበል 60 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ መላእ ናይ እብራይስጥ ቋንቋ ተጠቀምቲ ካቶሊካውያን ዝሓቍፍ ተግባር ቅዱስ ያዕቆብ እተሰምየ ማሕበር ምስረታ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ፊርማ ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እግዚኣብሔር ንማሕበር ተግባር ቅዱስ ያዕቆብ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ዝዓደሎ ጸጋታቱ ማዕለያ ዘይብሉ እዩ። እዚ ድማ እቶም ተጠቀምቲ ቋንቋ እብራይስጥ ካቶሊካውያን ብቓል ጥራሕ ዘይኰነስ ብህላዌ እግዚኣብሔር ብዝተሓደሰን ዝተለወጠን ሕይወት ሕጉስ ናይ ወንጌል መሰኻኽር ክዀኑ ዘተባብዖምን ዝድግፎምን እዩ። ዝተለወጠን ዝተሓደሰን ማሕበርሰብ ንገዛእ ርእሱ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ ማእከል ሕብረተሰብ ንናይ ሰላምን ዘተን መጋበሪያን ንዅሉ ብፍላይ ድማ ንድኻታትን ሕዙናትን ምልክት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ፍቕሪ እዩ ዝኸውን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ናይ ቋንቋ እብራይስጥ ተጠቀምቲ ካቶሊካውያን ማሕበር ቅዱስ ያዕቆብ ምስረታ ምኽንያት ናይቲ ማሕበር ሓላፊ ኣባ ዳቪድ ነዉሓውስ ኣብ ሃገረ እስራኤል ናይ እብራይስጥ ቋንቋ ተጠቀምቲ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ዳግማይ ሕዳሴ ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መልእኽቲ ንቕዱስ ኣቦና ከምዝለኣኹሎምን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣባ ነውሓውስ ኣብ ዘወጽእዎ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መልእኽቲ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ በቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ውጥረት ምኽንያት ኣብ ጽንኵር ኵነት ዝነብር ምዃኑ ገሊጾም ኣብ መንጐ ፍልስጥኤማውያንን እስራኤላውያንን ናይ ዕርቅን ዘተን ድልድልን ኣብ መንጐ ዓረብን እስራኤልን ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን መታን ክረጋገጽ ብዓውታ ብዛዕባ ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ዝዛረብ ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ዝተጸውዐ እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዓመጽን ውግእን ዝደልዩን ብዛዕባ ዕርቂ ፈጺሞም ዘይሓስቡ ብዙሓት ኣለዉ፣ እቲ ናይ ዕብራይስጥ ቋንቋ ተጠቃሚ ካቶሊክ ኣብ ልቢ ሕብረተሰብ ኣይሁድ ምስ ዕብራውያን ምእንቲ ዕብራውያን ከም ሰዓቢ እቲ ስላምን ፍትሕን ዕርቅን ዘበሰረ ክርስቶስ ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ዝምስክር እዩ። ብጀካ ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ካልእ መገዲ ከምዘየሎ እቲ ናይ እብራይስጥ ቋንቋ ተጠቃሚ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ነቲ ናይ ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ጉዕዞ ምስ ካልኦት ናይ ዓረብ ቋንቋ ተጠቀምቲ ካቶሊካውያን ብሱታፌ ዝምስክሮ እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.