2015-08-29 15:27:00

መብርሂ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን


ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ፍሪማ ዝተነብሮ ንደራሲት መጽሓፍ ዛዕባ ህልዮ ትምህርቲ ስነ ጾታዊ ስምዒት ፍራንቸስካ ፓርዲ ብዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘቕርብዎ ቡራኬ ነቲ ህልዮ ስነ ጾታዊ ስምዒት ዝባርኽ ዘይኰነስ ንሰብ እዩ፣ እቲ ሓቂ እዚ ክኸውን እንከሎ ብዙሓት ዝተፈላለያ ናይ ወጻእን ውሽጥን መራኸቢ ብዙሃን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ሓድሽ ህልዮ ስነ ጾታዊ ስምዒት ትምህርቲ ባሪዀም ዝብል ዝፍንውዎ ዘለዉ ዜና ካብቲ ናይቲ መልእኽቲ እውነተይና ትርጉም ዝረሓቐን ጌጋ ትርጉም እውን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምኽትል ኣመሓዳሪ ኣባ ቺሮ በነደቲኒ ዕለት 28 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ብዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፣ ቅዱስነቶም ነቲ ብዛዕባ ሓድሽ ህልዮ ትምህርቲ ስነ ጾታዊ ስምዒት ንሱ ድማ ስድራ ቤት ብዝተፈላለዩ ጾታዊ ስምዒት ብዘለዎምን ብሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት እውን ዘለዎም ብዘረጋግጽዎ መውስቦ ዝቐውም እዩ ንዝብል ሓድሽ ህልዮ ትርጉም ስድራ ቤት ዘይኰነ ዝባረኹ ነተን ደራሲት እዮም ዝባረኹ እንክብሉ መልሲ ሂቦም።

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ተራ ኣግባብ ዘለዎ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ። ስለዚህ ናይ ውልቂ መልሲ ደኣ እምበር ነቲ ምስ ወንጌላዊ ትምህርቲ ዘይሰማማዕ ጠባይን ትምህርትን  ዘጽድቕ ዘይኰነስ ብንጻሩ ንመንእሰይ ወለዶ ቅኑዕ ትምህርቲ እውነተይና ሰብኣውን ክርስቲያናውን ክቡራት ዋጋታትን ንምቕራብ ዝበቕዕን ዘርብሕን ትምህርቲ ናይ ምቕራብ ኣገልግሎት ክህሉ ዘተባብዕን ዝምዕድን መልእኽቲ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ መዕጸዊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ፊርማ ዝተነብሮ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መጠቓለሊ፣ ቅዱስነቶም ዝሃብዎ ቡራኬ ነተን ደራሲት ደኣ እምበር ነቲ ዘቕርበኦ ሓድሽ ህልዮ ትምህርቲ ዛዕባ ጾታዊ ስምዒትን ነቲ ካብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ወጻኢ ዝዀነ ትምህርቲ ዝባርኽ ኣይኰነን። ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ጾታዊ ስምዒት ዘለዋ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝተለወጠ እዩ ዝብልን ወይ ድማ ዝልውጥ መልእኽቲ ከምዘይኰነ ኣባ በነደቲኒ ኣብሪሆም፣ ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ከም መጋበርያ ከምእትደልዮን እትሓስቦን ምጥቃም ጌጋ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.