2015-08-29 15:46:00

ብናይ ወሲብ ዓመጽ ተኸሲሶም ዝነበሩ ነበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ወሶሎውስኪ ዜና ዕረፍቲ


ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ናይ ወሲብ ዓመጽ ፈጺሞምን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ምስ ስጋዊ ርክባት ዝተተሓሓዘ ጽሑፋትን ኣሳእልን ሒዞም ተረኺቦም ብዝብል ክሲ ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጉዳዮም ተጻርዩ ንፍርዲ ክቐርቡ ኣብ ትጽቢት ዝነበሩ ኣብ ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ዘገልገሉ ነበር ሓዋያዊ ልኡኽ ጆሰፍ ወሶሎውስኪ  ፍርዲ ክሳብ ዝወሃቦም ካብ ሃገር ቫቲካን ንኸይውጹ ኣብ ተቛም ቤተ ኑዛዜ ሕንጻ ክጸንሑ ተበይንዎም ከምዝነበረ እንክዝከር፣ ኣብታ ዝቕመጡላ ቤት እንከለዉ ዕለት 28 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ናይ ወጋሕታ ሰዓት ሓሙሽተ ብሓደ ኣባል ተቛም ቤት ኑዛዜ ፈረንሳዊ ፍራንቸስካዊ ካህን ሞይቶም ከምእተረኽቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ካብ ዝሃብዎ መገልጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ወሶሎውስኪይ ባህርያዊ ሞት ከምዝመቱ ክንገር እንከሎ ምኽንያት ሞቶም ንኽጻረ ድማ ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣወሃሃዲ ዳይና ናይ ሕክምና መርመራ ክግበር ሕጹጽ ውሳኔ ከምዝሃቡን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ዜና ዕረፍቲ ወሶሎቭስኪይ ከምእተሓበሩን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተም ሓላፊ ኣባ ሎምባርዲ ኣፍሊጦም።

ቅዱስ ኣቦና፦ ምኽንያት ሞት ወሶሎውስኪይ ብዘይ ምድንጓይ ብጽኑዕ ኣግባብ ክጻረ

ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ናይ ወሲብ ዓመጽ ፈጺሞምን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ምስ ስጋዊ ርክባት ዝተተሓሓዘ ጽሑፋትን ኣሳእልን ሒዞም ተረኺቦም ብዝብል ክሲ ዝቐረቦም ኣብ ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ዘገልገሉ ነበር ሓዋያዊ ልኡኽ ጆሰፍ ወሶሎውስኪ ካብታ ዕለት 23 መስከረም 2014 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቛም ቤተ ኑዛዜ ክጸንሑን ካብ ሃገረ ቫቲካን ንኸይወጺ ምስ ተወሰነ ንጽባሒቱ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጉዳዮም ብቕልጡፍ ክጻረ ውሳኔ ከምዝሃቡን ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ልዕሊ ነበር ሐዋርያዊ ልኡኽ ወሶሎውስኪይ ማዕርገ ክህነቶምን ጵጵስናን ክቕንጠጥ ከምዝወሰነን እዚ ውሳኔ’ዚ ድማ ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ መገለጺ ኣዘኻኺሮም።

ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ዝሃብዎ መገልጺ፦ ወሶሎውስኪይ ኣብ ረፓብሊካዊት ዶመኒካን ንሓሙሽተ ዓመት ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ኣብ ዘገልግልሉ እዋን ዝፈጸምዎ ገበን እዩ ዝብል ኣብ መስከረም 2013 ዓ.ም. ክሲ ከምዝቐረቦምን፣ ቤት ጽሕፈት ኣጻራይ ክሲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሃገረ ቫቲካን ብወገኑ ብዘካየዶ ምርመራ ተወላዲ ፖላንድ ተኸሳሲ ወሶሎውስኪይ ካብ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ እታ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቤት ማእሰርቲ ዝኣተውላ ዕለት ኣብ ሮማ ተመሳሳሊ ገበን ከምዝፈጸሙ ከምዘረጋገጸን ዕለት 11 ሐምለ 2015 ዓ.ም. ቀዳማይ ከይዲ ፍርዲ ተፈጺሙ ምስ ኣብቅዔ ፍርዲ ዝወሃበሉ ዕለት እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሃገረ ቫቲካን ክሳብ ንዝውሰን ጊዜ ቢሉ ኣመሓላሊፍዎ ከምዝነበረ ሓቢሮም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.