2015-09-01 15:22:00

ሊቀ ጳጳሳት ገናዲዮስ፦ መዓልቲ ተፈጥሮ፣ ኦርቶዶክሳውያን ኣብ ጸሎት ምስ ር.ሊ.ጳ. ክሓብሩ


ኣብቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት ሓደ መስከረም እተብዕሎ ዓለም ሓቆፍ ጸሎት ስለ ተፈጥሮ፣ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ከምዝሓበሩ ኣብ ኢጣሊያን ማልታን ንናይ ቁስጥንጥንያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ መጥሮፖሊ ሊቀ ጳጳሳት ገናዲዮስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይደዎ ቃለ መሕትት ኣረጋጊጾም።

ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማይ ብዛዕባ ስነ ምህዳር ጉዱስን ኣብ ስነ ምህዳር ዘተኰረ ምዕዳንን ኣስተምህሮን ዝህቡን ንኽንክን ተፈጥሮ ደጋጊሞም ጸዋዕታ ከምዘቕርቡ እውን ሊቀ ጳጳሳታ ገናዲዮስ ሓቢሮም፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ ዓለም ሓቆፍ ጸሎት ስለ ተፈጥሮ ብሓቂ ኩሉ ማሕበረ ክርስቲያን ዘተሓባብር እዩ። ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማይን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ብጸጋ እግዚኣብሔር ተነቓቒሖም ስለ ስነ ምህዳር ዓቢይ ግንዛበ ዘለዎም ተፈጥሮ ናይ ወዲ ሰብ ምርኰ ዘይኰነስ ጸጋ እግዚኣብሔር ንዘርኢ ሰብ ምዃኑ የስተምህሩ። እዚ ድማ ሰብ ኣብ ቅድሚ ፍጥረት ዘለዎ ሓላፍነት ዘተሓሳስብ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ እዚ ዘደንቕ ዓቢይ ህያብ እግዚኣብሔር ዘርኢ ሰብ ወትሩ ከስተውዕልን ኣብ ምኽባሩን ምዕቃቡን ክተግህ ከምእተዘኻኽርን ምእንቲ’ዚ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ዕለት ሓደ መዝከረም ዝበዓል ጸሎት ስለ ተፈጥሮ ሕብርቲ እያ ኢሎም። ኣብ ኢጣሊያ ቨነዚያ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ጊዮርጊስ ብንሴብሃከ ስርዓት ሊጡርጊያ ከምእተብዓለ እውን ገሊጾም፣ ስለ ተፈጥሮ ዝዓረገ ናይ ሓባር ጸሎት ኣቢያተ ክርስቲያናዊ ውህደት ክህሉ ዘነቓቕሕ እውን እዩ። ምእቲ’ዚ ዕለት ሓደ መስከረም እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሕውነት ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊትን ቤተ ክርስቲያን ዘድምዕ እዩ ኢሎም። ምኽባር ተፈጥሮ ክርስቲያናዊ ጥበብ እዩ። እዚ ጥበብ’ዚ ድማ ንንበር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.