2015-09-01 15:14:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ጸሎት ስለ ፍጥረት፣ ህጹጽ ኣድላይነት ሰብኣዊ ስነ ምህዳር


እቲ ዕለት 6 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ስለ ፍጥረት ክኸውን ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ቅዱስነቶም ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ብዝመርሕዎ ሊጡርጊያ ቃል ኣምላኽ ከምእተፈጸመ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።

ዓለም ሓቆፍ ጸሎት ስለ ምህዳር ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘተሓባር ክብሪ እዩ

ምንባር ጸዋዕታ ዓቃቢ ናይ እግዚኣብሔር ሥራሕ፣ ነቲ ሓቀይናን ውሽጣዊ ምልዋጥ ምህዳር ንኽነብር ዝተጸውዔ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ቀንዲ ናይ ሕይወቱ ኣገዳሲ ክፍሊ እዩ ብዝብል ቅዉም ሓሳብ፣ ኣብ መርሒ ነሐሴ 2015 ዓ.ም. መባእታ ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶንን ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 1 መስከረም ዓለም ሓቆፍ ጸሎት ስነ ምህዳር ክኸውን ዝሃቡሉ ናይ ውሳኔ ሰነድ ብወግዒ እንከላልዩ ከምዘቃልሑዎን ብኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ዝበዓል ምዃኑ ጃዳ ኣኵይላኒ ገሊጸን።

ኵነታት እቲ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና

ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማይን ሜጥሮፖሊታ ዮአኒስን ዝሃብዎ ኣስተዋጽኦ ዘጠቓልል ዓዋዲ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድላይ ንሱ ድማ እቲ ናይ ሓባር ቤትና ዝዀነ ከባብን ተፈጥሮን ክንከናኸን ዘለዎ ኣገዳስነት ንኣካባቢ ምክንኻን ዝምልከት ጥራሕ ዘይኰነስ፣ እቲ ንድኻታት ማዕርነት ምርግጋጽ ካብ ዝብል ባህርያዊ ሻቕሎትን ናይ መላእ ሕብረተሰብ ጻዕርን ከምኡ እውን ውሳጣዊ ሓጎስን ሰላምን ካብ ዝብል ክብሪ ዘይፍለ ፍትሒ ዝብል መምዘኒ ዘለዎ ማለት ንምሉእ እውነተይና ስነ ምህዳር ዘተባብዕ እዩ።

ሕጹጽ ኣጋዳስነት ሰብኣዊ ስነ ምህዳር

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ዘረባታትን ስብከታትን ኣስተምህሮታትን ደጋጊሞም ብፍላይ ድማ ዕለት 5 ሰነ 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ሮቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እቲ እንነብሮ ዘሎና እዋናዊ ቅልውላው ኣብ ከባቢ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝረአይ ምዃኑ ዘስመሩሉ ሓሳብ፣ ኣዚዩ ዘገድሶም ምዃኑ እንክሕበር፣ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ፣ ምእንቲ’ዚ ሰብኣዊ ስነ ምህዳር ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ ክበሃል እንከሎ እቲ ሓደጋ ንማለቱ ዘይኰነስ ዓሚዩቕ እዩ። ምእንቲ’ዚ ኤኮኖሚያዊ ሕቶ ዝምልከት ሓደገይና ቅልውላው ዘይኰነስ ስነ ምግባርን ስነ ሰብኣውን ምዃኑ ተንቲኖምዎ እዮም።

ክንክን ሓላዊ ዘይግበረሉ ሕይወት

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝዕብልል ዘሎ ኤኰኖሚ እቲ ስነ ምግባር ዝጐድሎ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ምንቅስቓስ እዩ፣ እዚ ድማ ሊሚ እቲ ዝእዝዝ ሰብ ዘይኰነስ ገንዘብ ምዃኑ እዩ ዘመልክት፣ እግዚኣብሔር ፍጥረት ሰብ ንመሬት ክዕቅብ ደኣ እምበር ገንዘብ ክዕቅብ ኣይኰነን ዝኣዘዞ፣ እቲ ሓቂ እዚ እንከሎ ልሚ ብዙሓት ኣንሕና እውን ንናይ መኽሰብን ሃልክን ንናይ ተጠቂምካ ምድርባይ ዝብል ንኻልእ ከም ውዳቕ ዝርኢ ባህሊ ጣዖት ግዙኣት ዝዀንና ኢና እንመስል።

ድኻን ኣካለ ጐዶሎን ብሕማም ዝተጠቕዔ እውን ይዅን ዝተጸንሰ ገና ኣብ ማሕጸን ዘሎን ገና ዕሸል ውላድን ኣረጋውያንን ጥቕሚ ዘይብሎም እንክብል ዓለም ዝሓስቦም፣ ብሓለፋ ሕይወት ኣብ ዝዀነ ይዅን ደረጃን ኩነት ይሃሉ ሰብኣዊ ሕይወትን ሰብን ብቐዳምነት ክኽበርን ክዕቀብን ዘለዎ ክቡር ዋጋ እዩ።

ስለ ናይ ዓለም መጻኢ ዘተ

ቅዱስ ኣቦና ናይ ምትሕብባርን ምርኻብን ባህሊ ብምንቕቓሕ ተፈጥሮ ንምኽባርን ምዕቃብን ዝብል ጸዋዕታ ብብቕዓትን ብዓቢይ ኣተኵሮ ክኽበር ይዕድሙ፣ እዚ ሓሳብ’ዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ብሰፊሑ መላእ ዘርኢ ሰብ ዘተሓባብር ተቐባልነትን ምሉእነትን ዘለዎ መደብ ልምዓት እቲ መጻኢ ዓለም ብኸመይ ንሓንጾ ከምዘሎናን እቲ እንስዕቦ ዘሎና ከይዲ ክቕየር ከምዝኽእል ብናይ ሓባር ዘተ እናተረዳዳእና ንምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ተንቲኖምዎ እዮም። ፈጣሪ ካብቲ ናይ ፍቕሪ መደቡ ኣየንሳሕብን እዩ። ኣብ ምፍጣር ንኣና ዘይጠዓስ ምዃኑ ገሊጾም። ነዚ ሓሳብ መሰረት ገይሮም ኩሉ ኣብ ቅድሚ ፍጥረትን ተፈጥሮን ውሁድ ናይ ሕይወት ኣገባብ ክስዕብ ዕለት 1 መስከረም ዓለም ሓቆፍ ጸሎት ስለ ፍጥረት ክፍጸም ወሲኖም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 26 ነሐሰ 2015 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ መላእ ሰበኻታትን ቁምስናታትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ዕለት 1 መስከረም ኣብ ዝበዓል ዓለም ለኻዊ ጸሎት ስለ ተፍጥሮ ብዝተፈላለዩ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ክነብርዎ ከምዘተሓሳስቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ገሊጸን፣ ኣተሓሒዘን ምስ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባላት ኣሕዋትናን ኣሓኣትናን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ሓቢርና እቲ መላእ ዘርኢ ሰብ ዝነብሮ ዘሎ ቅልውላው ስነ ምህዳር ንምብዳህ ኣስተዋጽኦ ከነበርክት ጻውዒት ከምዘቕረቡ የዘኻኽራ።








All the contents on this site are copyrighted ©.