2015-09-01 15:24:00

ብፁዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ፦ እውነተይና ተንከባኻቢ ተፈጥሮ ምዃን


ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ምእመናን ምስ አሕዋቶም ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓቢሮም ዕለት 1 መስከረም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝኣወጅዎ ዓለም ሓቆፍ ጸሎት ስለ ተፈጥሮ ሰብ ናይ ተፈጥሮ እውነተይና ዓቃቢ ናይ ምዃን ጸዋዕታኡ ከኽብርን ክነብርን ዝሃብዎ ምዕዳን መሰረት ገይሩ ክሓብር ዕለት 31 ነሓሰ 2015 ዓ.ም. ብናይ ፍቕሪ ብሓቂ ድርገት ኣቢሉ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

 

ናይ ኤውሮጳ ማሕበረ ክርስቲያን ትግሃት ኣብ ክንክን ተፈጥሮ

ናይ ኤውሮጳ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ውህደት ጉባኤ ኣብ ባዚለያ ኣብ 1989ን ከምኡ እውን ኣብ 1997 ዓ.ም. ኣብ ግራዝን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ናይ ኤውሮጳ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ሕንጸት ሰላምን ፍትሕን ክንክን ተፈጥሮን ሕርኵት ጻዕሪ ከካይድ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩን፦ እዚ ጻውዒትን ሓላፍነትን’ዚ ድማ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ሲቢዩ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ውህደት ጉባኤ ኣብ ዘካይዶ ሳልሳይ ዓውደ ጉባኤ እውን ከምዘቃልሖን፣ ካብ ዕለት 1 መስክረም ክሳብ ዕለት 4 ጥቅምቲ ስለ ክንክን ተፈጥሮን ኩሉ ኣብ ምኽባር ተፈጥሮ ክተግህ ክጽልን ተቐባልነት ዘለዎ ሕይወትን ክንክን ተፈጥሮ ብዘማእከለ ኣነባብራ ነቲ ዝኽሰት ዘሎ ብከላ ተፈጥሮ ኣብ ምውጋድ ንኽትጋህ ዝተፈላለዩ ባህላውን መንፈሳውን መደባት ክካይዱ ከምዘተሓሳሰበን ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የዘኻኽር።

ውካሰ ኣብ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና

እቲ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ብምኽንያት ዕለት ሓደ መስከረም ዓለም ሓቆፍ ጸሎት ስለ ተፈጥሮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣብታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተወከሰ ክኸውን እንከሎ፣ ብፍላይ ተፈጥሮ ክትርድኦ እትኽእል ካብቲ ኣቦ ዅሉ ዝኾከ ናይ እግዚኣብሔር ክፉት ኢድ ዝምንጭው ንኵላዊ ውህደት ብዝጽውዕ ፍቕሪ ዝተዀልዔ እዩ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ብምጥቃስ ካብዚ ቅዉም ሓሳብ’ዚ ተበጊሱ ኩሉ እታ መዓልቲ ጸሎት ስለ ተፈጥሮ ከኽብርን ኣብ ጸሎት ክተግህን ኣተሓሳሲቡ እግዚኣብሔር ኵሉ ፍጥረት ሰብ ኣውነተይና ናይ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዓቃቢ ክኸውን ይዕድም ዝብል ቃል ዘጠቓልል ከምዝዀነ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.