2015-09-10 16:26:00

ኬንያ፦ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ውፉዩ ሕይወት ኣብ ኣፍሪቃ


“ውፉይ ሕይወት ትማሊ ሎምን ጽባሕን ኣብ ኣፍሪቃ” ዘርእስቱ ሰለስተ ምዕራፋት ዘለዎ ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ካህናትን ገዳማውያንን ሓልዮ ድርገት ምስ ታንጋዛ መንበረ ጥበብን ናይ መንፈሳውያንን ገዳማውያን ደናግል ማሕበርን ከምኡ እውን ኣብ ኬንያ ምስ መላእ ናይ መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ኣሕሉቕ ማሕበር ብምትሕብባር ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 26 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ኬንያ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ክካይድ ምዃኑ ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ካናኣ ኣተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝ ናይ ክብሪ ዕዱም

እቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ናይ ውፉይ ሕይወትን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕበራት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ክቡር ዕዱም ብፁዕ ካርዲናል ዥዋው ብራዝ ደ ኣቪዝ ብዝዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝኽፈት ምዃኑ ዝገለጸ ካናአ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ብፁዕነቶም ምስ ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ኣብ ኬንያ ናይ መንፈሳዊ ማሕበራትን ገዳማትን ኣሕሉቕ ክራኸቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ናይ ዘተ መድረኽ ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 25 መስከረም 2015 ዓ.ም.

እቲ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 23 መስከረም ኣብ ናይ ምስራቕ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳርሽ ብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝ ብዘስምዕዎ ዘረባ ተጀሚሩ ወንጌላዊ ሕይወት ልኡካነ ወንጌል ኣብ ኣፍሪቃን ብስለት መንፈሳዊ መርሆ ብድሆ ንናይ ኣፍሪቃ ውፉይ ሕይወትን፣ ኣብ ምስራቕ ኣፍሪቃ ህሉው ኩነትን ጻዕርን ተኽእሎታትን ዝተዋደደ ሕንጸት ውፉይ ሕይወትን፣ ርክብ ኣብ መንጐ ብፁዓን ጳጳሳትን ውፉይ ሕይወት ኣባላትን፣ ናይ ውፉይ ሕይወት ነቢያዊ ጠባይ ብዝብሉ ንኡሳን እርእስታት ተመሪሑ ክሳብ ዕለት 25 መስከረም 2015 ዓ.ም. ዝቕጽል ምዃኑ ዝሓበረ ካናኣ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣተሓሒዙ፣ ውፉይ ሕይወት ኣብ ኩነታት ኣፍሪቃን ናይ ትሕቲ ዕድመን ተነቀፍቲ ዜጋታት ሓለዋ ኣማእኪሉ ብዝቐርብ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ሓሳብ ጽማሬ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ብሓፈሻኡ ዝመርሕ ምዃኑን እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ታንጋዛ መንበረ ጥበብ ብብፁዕ ካርዲናል ብራዝ ደ ኣቪዝ ተመሪሑ ብዝካየድ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ቡራኬ ቅዱስ ቁርባንን መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም ምዃኑ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.