2015-09-19 16:16:00

ብፁዕ ኣቡነ ኣውዛ፦ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓሚዩቕ ኣሰር ሓዲጉ ዝሓልፍ ኩነት እዩ


ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳታ ብፁዕ ኣቡነ በርናርዲቶ ኣዙዝ ኣብ ኩባን ቀጺሉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝካይድ ዓስራይ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ካብ ዘጠቓልሎም መደባት ሓደ መደብ ምብጻሕ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መበል 70 ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ክሳብ ጥቅምቲ 1 ኣብ ዘካይድ ኣብ ዘሎ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ምብጻሕ ዘጠቓልል ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ኣዙዝ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣዘኻኺሮም እቲ ምብጻሕን ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ዘስምዕዎ ዘረብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን በቶም ኣባላት ተጋባእያን ኣቢሉ ድማ ኣብ መላእ ሃገራት ዓለም ዓሚዪቕ ኣሰር ሓዲጎም ከምዝሓልፉ ዝተረጋገጸ እዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዘካይድዎ ዝዀነ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ታሪኻዊ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቶም ድኅረ 2015 ዓ.ም. ተቐባልነት ዘለዎ መደብ ልምዓት ዛዕባ ንኽዝትዩ ኣብ ሕቡራት መንግስታታ ዓለም ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘካይዱ ዘለዎ ናይ መላእ ዓለም ሃገራት መራሕቲ መንግስታትን ሚንስትራትን ዘረባ ከስምዑ እዮም። እቲ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንኽቕበልን ዘረባኦም ንኽሰምዕን እቲ ሰዓት ትሽዓተ ብናይ ኒው ዮርክ ሰዓት ኣቆጻጽራ ንኽካይዶ ተበዲቡ ዝነበረ ኣኼባ ንሰዓት ዓሰርተ ሓደ ከምእትመሓላለፈ እውን ገሊጾም ቅዱስነቶም ንምእንግዳድ ብዙሕ መዓልታዊ መደባት ክቕየር ገይሩ እዩ ኢሎም።

እቲ ኣብ ፊላደልፊያ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤትን ከምኡ እውን እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ብብዙሓት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት እውን ዓቢይ ትኵረት ዝግበረሉ ናይ ሕብረተሰብ ሕመረት ዝኾነ ስድራ ቤት ዘማእከለ እዩ። ብሕቡራት መንግስታት ዓለም እውን ስድራ ቤት ናይ ምዕባለ ቀንዲ ተዋሳኢ ዝብል ኣፍልጦ ዝተዋህቦ እዩ። መላእ ሃገራት ዓለም ዛዕባ ስድራ ቤት ግዳሴ ከተባብዓ ዝድርኽ ታሪኻዊ ኩነት እዩ።

ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዓለም ዝረአይ ድኽነት ንምጉዳልን ንምጥፋእን ዝድግፍ ዝሓንጸጾ መደብ ልምዓት ቅዱስ ኣቦና ብዝተፈላለዩ መልእኽትታቶም ኣስተምህሮታቶም ኣቢሎም ቅኑዕን እውነተይናን ምሉእ ልምዓት እንታይ ማለት ምዃኑን ከመይ ግብራዊ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሮም። መልእኽቶም ድማ ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንሰብ ጽቡቕ ድላይን እዩ፣ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ድማ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ተዓዲሉና ኣሎ። እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓሚዩቕን ሰፊሕን መቕልሓ ረኺቡ እዩ። ምሉእ ልምዓትን ብድሆታት ምሉእ ልምዓትን እተነጽር እውን እያ። ክንክን ስነ ምህዳር ምስ ድኽነት ዝተተሓሓዘ እዩ። ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ውግእን ግጭትን ብፍላይ ድማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ሁከት ንምውጋድ ሕጹጽ ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ። ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተረኺቦም ዘስምዕዎ ዘረባ ዓቢይ ትጽቢት ተነቢሩሉ ኣሎ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.