2015-09-27 10:50:00

ሰንበት ዘሕንጸታ 16 መስከረም 2008 ዓ.ም. (9/27/2015)


ምስባክ፡ እቤ አዐቅብ አፉየ ከመ ኢይስሓት በልሳንየ፥ ወአንበርኩ ዐቃቤ ለአፉየ፥ ሶበ ይትቃወሙኒ ኃጥአን በቅድሜየ። መዝ፡ 39፡1።

 

መዝሙር፡ ሰንበት አብ 16 መስከረም እንተ ወዓለ ዝዝመር “ዘሕንጸታ” ተባሂሉ ዝፈልጥ ይዝመር። “ንቤተ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ሃነጽዋን ሠረትዋን፥ ብኢድ ካህናት ዝተሃንጸት፥ ብአፍ ብጳጳሳት ዝተቐደሰት፥ አብ ጊዜ ሕማማቱ ካብ ዝፈሰሰ ማይ ዝተዓቀበት/ዝተሓለወት ንሰማይ አቐዲሙ ፈጠሮ አብ ምድሪ ድንኳን ዝተኸለ፥ አቦ ዝቐደሳ ማሕደሩ ገበራ”። እናበልና ንዝምር እዚ ኸአ አምላኽ ባዕሉ ሃናጺአን ዋንአን ምዃኑ እናገለጸ ኩሎም አብአ ዝሰርሑ ልኡኻት አምላኽ እዮም።

አብ ዋዜማ ዘመድኃኔ ዓለም ነዚ ዝመሳሰል “ዘበእንቲአሃ ለቤተ ክርስትያን ተጸፋዕከ በውስተ ዓውድ ከመ ትቀድሳ በደምከ ክቡር፥ ዘበእንቲአሃ ዝግሓታተ መዋቅሕት ጾረ ወተዓገሰ ምራቀ ሩኩሰ እንዘ አልቦ ዘአበሰ አምላክ ዲበ ዕፀ መስቀል ተሰቅለ” እናበልና ንጽሊ። ክርስቶስ ምእንቲ ቤተ ክርስትያኑ ኵሉ ሕማማትን ውርደትን ሞትን ተቐቢሉ። ምእንቲ ክትቅደስ ሕይወቱ ብምልኡ ከምዘሕለፈ እሞ ነዚ ወዲ አምላኽ ዝገበረልና አለሊና ክንቅደስ ንኻልኦት ከአ አብ ቅድስና ክነብሩ ክንሕግዝ ዘዘኻክር ጸሎት እዩ።

አብ ታሪኽ እስራኤላውያን “ጽዮን” ዝለዓለ ቦታ ትሕዝ፥ ተሳለምዋ ሕቖፍዋ ልብኹም አብአ ግበርዎ ምኽንያቱ ብስሙ ዝተሓነጸት እያ” ኢሎም የኽብርዋን ዋልታ ድሕነቶም ገሮም ይርእይዋ። አብ ሓዲስ ኪዳን እዚ ንቤተ ክርስትያን የመልክት። “ቤተ ክርስትያን ብስሙ ዝተሓንጸት ብደሙ ዝተቐደሰት ብዕጸ መስቀሉ ኸአ ዝተሓለወት አብኣ ኪዱ ምኽንያቱ አብአ ሓይሊ አምላኽ አሎ” (ዕዝል ናይ ሰንበቱ) እናበለ ናይ ቤተ ክርስትያን ሓቀኛ ትርጉም ንርኢ።

አብ ታሪኽ እስራኤላውያን ሓደ ካብቲ ፍሉይ አድህቦ ዝውሃቦ ዝነበረ ቤት አምላኽ ምህናጽ እዩ። ንጉሥ ዳዊት አብ 2ሳሙ 7፡2 ከም እነንብቦ “አነ ብጽሕዲ አብ ዝተሠርሐ ቤት እነብር አሎዅ ታቦት አምላኽ ግና ብዓለባ አብ ዝተሠርሐ ድንኳን ተቐሚጡ አሎ” እናበለ ንአምላኽ ዝግባእ ቤት ፍሉይ ክስራሕ ከምዘለዎ ንነብይ ናታን ተዛሪብዎ። ንጉሥ ሰሎሞን ሓደ ከብቲ ዝገበሮ ቤተ መቕደስ አምላኽ ምስራሕ እዩ፥ ንዘመናት ቤተ መቕደስ አምላኽ ማእከል ታሪኾምን መንነቶም ኮይኑ ነሩ። ባቢሎናውያን ብ586 አቢሉ ንኢየሩሳሌም ምስ ሰዓርዋ ንቤተ መቕደስ አፍሪሶሞ ንእስራኤላውያን ንምርኮ ወሲዶሞም ድሕሪ 70 ዓመት አቢሉ ኸአ ካብ ምርኮ ተመሊሶም ቀዳማይ ነገር ክሰርሕዎ ዝደለዩ ቤተ መቕደስ እዩ እንተ ኾነ ገለ ተጻብኦታት ካብ ሳምራውያን ከምኡ ብዙሓት አብ ናይ ግሊ ገዛውቶም ምስራሕ ስለ ዝዘነበሉ ብነብይ ሓጌ ገሩ ንቤት አምላኽ ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑ ተነጊርዎም። “አቱም ህዝበይ ቤተይ ዓንያ ኸላስ ንስኻትኩም አብ ዝተሰለመ አባይቲ ኽትነብሩዶ ይግብአኩም እዩ” (ሓጌ 1፡5) እናበለ አምላኽ ቤቱ ክስራሕ ከምዝደሊ ነጊሩ።

ቤተ መቕደስ አምላኽ እምብአር ካብ መጀመርያ ክቡርን ማእከል ኵሉ ሕይወቶምን እዩ ነሩ። አብኡ ንአምላኽ ይሰምዑ ይዛረቡ ከምኡ መስዋዕቲ የዕርጉ ምሕረት አምላኽ ይረኽቡ በዚ ንቤት አምላኽ ብዓቢ አኽብሮትን ጥንቃቔን ይሕዝዎ ነሮም። ቤተ መቕደስ አምላኽ ዝቕመጠሉ ፍሉይ ቤት እዩ፥ “ቤት አምላኽ” እዩ (ማር 2፡26)። ብ70 ዓ.ም. ሮማውያን ንኢየሩሳሌም ምስ አዕነውዋ ሽዑ ቤተ መቕደስ ምስ ፈረሰ ብዳግም አይተሃንጽን ክስብ እዚ እዋን እውን ቤተ መቕደስ የብሎምን በዚ ኸአ መስዋዕቲ አየቕርቡን አለዉ።

ህላዌን ጽባቐ ቤተ መቅደስ አብ ብሉይ ኪዳን ምስቲ ናይ ህዝቢ ሕይወትን ተግባራትን ዝተተሓሓዘ እዩ፥ መጠን መራኸቢ ምስ አምላኽ ዝገበርዎ ቅዱስን ፍሉይ ቦታን እዩ ነሩ። ካብኡ ዓልዮም አብ ኃጢአትን አምላኾ ጣኦታትን ምስ ዘምበሉ ግን አምላኽ ይቐጽዖም ንስደት ይኸዱ ከምኡ ብጸላእቶም ይስዓሩ ነሮም። ኵሉ ጊዜ አብ አምላኽ ከም ዝተመልሱ ዝገልጽ አብ ቤተ መቕደስ ተመሊሶም ክጽልዩን መስዋዕቲ ከዕርጉ እንከለዉ አምላኽ ምስኦም ይኸውን ነሩ።

ርድኢት ቤተ መቕደስ አብ ሓዲስ ኪዳን፡

ቤተ መቕደስ አብ ሓዲስ ኪዳን ብፍላይ አብ ትምህርቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንሓዳስ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስን ንኹሎም አመንቲ ከምዘመልክት እዩ ዝግለጽ። ክርስቶስ ሓደ መዓልቲ ነቶም አብ ቤተ መቕደስ ክሸጡን ክልውጡን ዝጸንሕዎ “ቤተይ ቤተ ጸሎት ይስመ ንስኻትኩም ግን ብዓቲ ጎሓሉት ገርክምዎ” (ማቴ 21፡12-13) እናበለ አብ ቤተ መቕደስ ክህሉ ዝግብኦ ክብርን ክግበር ዘለዎ ነገራትን አስተምሂሩ። ቤተ መቕደስ መልክዑ ክቕይር እንከሎ ንአምላኽ የሕዝን። ክርስቶስ አብ ምድራዊ ሕይወቱ ኩሉ ጊዜ አብ ቤተ መቕደስ ከይዱ ይጽልን የስተምህርን ከምዝነበረ ወንጌል ይነግረና።

ሓደ መዓልቲ ጽባቔ ቤተ መቕደስ ርእዮም ብዛዕብኡ ምስ ሓተትዎ “ነዚ ቤተ መቕደስ እዚ አፍርስዎ አነ ኸአ ብሰለስተ መዓልቲ ከልዕሎ እየ” (ዮሓ 2፡19) እናበለ ሓቀኛ ትርጉም ቤተ መቕደስ ነጊርዎም። ካብ ሕጂ ንድኃር ቤተ መቕደስ ባዕሉ ክርስቶስ ከምዝኾነ እሞ ወዲ ሰብ ምስ እዚ ሓዲስ ቤተ መቕደስ ጽኑዕ ርክብ ክገብር ከምዝግብኦ ከትስትምህር ንርኢ።

አብ ትምህርቲ ቅዱስ ጳውሎስን ካልኦት ጸሓፍቲ ሓዲስ ክዳን እዚ ቤተ መቕደስ አምላኽ ዝብል ንልቢ ሰብ ከም ዘመልክት እሞ ልቢ ደቂ ሰብ ኵሉ ጊዜ ነጺሑ ክርከብ ከም ዝግባእ ንርኢ። ጳውሎስ ሓዋርያ ልዕሊ ኩሉ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ክዛረብ እንከሎ “ቤተ መቕደስ መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮ” እዩ ይብል። መንፈስ አምላኽ ዝኃድሮ (1ቆሮ 3፡16) እዩ። አብ ርድኢት አይሁድ ፍሉጥ ነገር እንተሎ መንፈስ አምላኽ አብ ቤተ መቕደስ እዩ ዝርከብ ስለዚ ሰባት ንአምላኽ ክልምኑን ክንስሑን ክነጽሑን አብ ቤተ መቕደስ ይመጹ። 

አብ 1ቆሮንጦስ ንሎሚ ዝተነበና ብፍሉይ ብዛዕባ አምላኽ ሃኒጺ ከምዝኾነ ንሕና ኸአ ህንጻ አምላኽ ከምዝኾና ይዛረብ። “ንሕና መዓይይቲ አምላኽ ኢና፥ ንስኻትኩም ከአ ግራት አምላኽ ኢኹም፥ ሕንጻ አምላኽ ኢኹም” (3፡9) እናአበለ ይገልጽ። ጳውሎስ ብዛዕባ ህንጻ ክዛረብ እንከሎ ብዛዕቶም አብ ምህናጽ ዝሳተፉ ይዛረብ እዚ ኸአ አብ ምህናጻ ማሕበር ዝዋስኡ እዩ ዝዛረብ። ኵልና አምንቲ ክርስቶስ አብ ሕናጻ ቤት አምላኽ ክንሳተፍ ክርስትያናዊ ሓላፍነትና እዩ።

አብ ምህናጽ ቤት አምላኽ ባዕሉ አምላኽ እዩ እቲ ቀንዲ ሃናጻይ። ንቤት አምላኽ ክንሃንጽ ጸጋ አምላኽ የድልየና። እዚ ኸአ ነቶም አብ ቆሮንጦስ ዝርከቡ ዝነበሩ ክርስትያን፥ ሎሚ ኸአ ንነፍስወከፍና ዝምልከት እዩ (1ቆሮ 3፡68)። ጳውሎስ ብዛዕባ ህንጻ ቤት አምላኽ ክዛረብ እንከሎ በቲ ካብ አምላኽ ዝተዋህቦ ጸጋ ይጀምር። ኵሉ ጳውሎስ ዝገብሮ ብአምላኽ ዝተዋህቦ ህያብ እዩ። ቀንዲ ተልእኮኡ መሰረት ምንባር እዩ። ጳውሎስ ንተልእኮኡ ካብ ናይ ካልኦት ተልእኮ ፈልዩ ይርእዮ ግን አብ ነነድሕዱ ዝማላእ ተልእኮ እምበር ዝገራጮ ተልእኮ ከምዘይኮነ ይገልጽ። ነፍስወከፍ ዝተፈላለየ ህያባት አለዎ እዚ ኸአ ንዕብየት ቤት አምላኽ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን እዩ።

ቤተ ክርስትያን አብ ኵሉ ክትበጽሕ ናይ ነፍስወከፍ አባል ተስትፎን ጻዕርን የድልያ። ንዕብየት ቤተ ክርስትያን ክንሰርሕ ድላይ አምላኽ እዩ። ክርስቶስ ንሓዋርያቱ “ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ ንብዘሎ ፍጥረት ከአ ወንጌል ስበኹ” (ማር 16፡15) ክብሎም እንከሎ ንኹሎም አመንቱ አብ ዕብየትን ስፍሓትን ቤተ ክርስትያን ክወፍሩ ልኢኹ።

እዚ ህንጻ ቤተ ክርስትያን እንብሎ ሕይወት ነፍሲወከፍና ከምዝኾነ ጳውሎስ ደጋጊሙ ይዛረብ “ቤተ መቕደስ አምላኽ አባኹም ኃዲሩ ምህላውንዶ አይትፈልጡን ኢኹም፥ ሓደኳ ነታ ቤት መቕደስ አምላኽ እንተ አፍረሰ፥ አምላኽ ኬፍርሶ እዩ፥ ቤት መቕደስ እዚውን ንስኻትኩም ኢኹም” (1ቆሮ 3፡16-17)። ነፍስወከፍና ጸጋ አምላኽ ክንቅበል ከሎና ማኅደሩ ንኸውን ምስኡ ሓደ ንኸውን እዚ ሓደነትና “ቅዱሳን” የብለና። አብዚ ዓለም ግን ነዚ ሓድነት ምስ አምላኽ ዘሎና ብብዙሕ መገዲ ክነጥፍኦ ንኽእል። ኃጢአት ክነገብር ከሎና ንቦታ አምላኽ ብኻልእ ክንትክኦ ከሎና፥ ልብና ዋንኡ መን ምዃኑ ስሒትና ንጸጋም ክንወፍር ከሎና ማኅደር መንፈስ ቅዱስ ምዃና ነጥፍእ። ንሕና ንቦታ አምላኽ ብኻልእ ክንትክኦ ከሎና አባና ጸጋ የለን ስለዚ ንአምላኽ ቦትኡ ወይ ንናትና ድለት ባዕልና ዋናታት ርእስና ኮና ንርእስና ነምልኽ ወይ ከአ ብኻልእ ነገራት ከም ሃብቲ ፍሉይ ክእለት ዓቕምን ኃይልን ንአምላኽ በቲ ዘሎና ንትክኦ።

ሰብ አብ ዓለም ንቦታ እቲ ዘፍቅሮ አምላኽ ክትክእ እንከሎ ንሞት ንጥፍአት ንትጭካኔ ንክሕደት ተተሓሒዝዎ አሎ ማለት እዩ። ንቦታ አምላኽ ወይ ብናትና ክፍአትን ሕመቕን ወይ ክአ ብኻልእ ዝመጸና ከይትሓዝ ከይደኸምና ክንሕሉ አሎና። ጸሎት ተጋድሎ ትዕግስትን ልቦናን ክንሰንቕ ይግብአና። ከምቲ ሓደ ወተሃደር ብጸላኢ ከይማረኽ ክይቅተል ተጠንቂቍ ዝሕሉ ከምኡ ኸአ ንማኅደር አምላኽ ዝኾነ ልብና ዝጻብኡ ጸላአቲ ከይማሩኹና ነቒሕና አብ ሓለዋ ርእስና ክንጽመድ አሎና።

ከመይ ገረ ቤት አምላኽ ክሃንጽ እኽእል።

ቤት አምላኽ ክንብል እንከሎና ከምቲ ቅድም ዝተባህለ ንሕና አመንቲ ኢና፥ ቤተ ክርስትያን እቲ ህንጸት ንአና እዩ ዝምልከት። ሓደ ሰብ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክኸውን እንታይ ክገብር አለዎ?

ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርዖ ምፍላጥ፡ አብ ሕይወት ቀዳምነት ዝህቦ እንታይ እዩ። ብዙሕ ጊዜ ቀዳምነት ዝውሃቦ ናታትና ግዙፋዊ ድለት እዩ ማለት ንብረት ሃብቲ ዝአመሰሉ መጀመርያ ንሰርዖም። እዚ ግን አየዓውተናን እዩ መጀመርያ ክንሰርዖ ዝግብአና አምላኽ እዩ። አብ ሕይወተይ አምላኽ ልዕሊ ኩሉ ሰሪዐ ምስ ከአልኩ ጥራሕ እየ ንቤት አምላኽ እሃንጽ አሎኹ ክብል ዝኽእል።
ንቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ከፍቅር አለዎ። እምነት መሰረት ሕይወት እዩ ዝአምን ንእምነቱ እንተፍቅሮ ጥራሕ እዩ ዝነብሮ ስለዚ ምሉእ አፍልጦ እምነትና ክህልወና ናይግድን እዩ። ንዘፈልጥካዮ ኢኻ እተፍቅር ዘይትፈልጦ አይተፍቅሮን ኢኻ። ክትፈልጥ ንዝውሃበካ ሓበረታን መምርሕን ምስዓብ የድሊ። ንቤተ ክርስትያን ክነፍቅራ ክንከላኸለላ ክንልአኻ ክንሰምዓ እንከሎና ጥራሕ እዩ ፍቕርና ክንገልጽ እንኽእል።
ተላኢኽካ ምኽአል። ንመልእኽቲ ቤተ ክርስትያን እነብጽሕ ንሕና ኢና። ትምህርትን መምርሕን ቤተ ክርስትያን ዝትግበር ንሕና ክነብሮ ክነግሮ እንከሎና እዩ ስለዚ ንቤተ ክርስትያን ክንልአኽ ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና።

ክርስቶስ ምስ ቤተ ክርስትያኑ ኩሉ ጊዜ አሎ።

ንጴጥሮስ ሓዋርያ ሓላፍነት ክህቦ እንከሎ “ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ አብ ልዕሊ እዚ ከውሒ እዚ ድማ ቤተ ክርስትያነይ ክሓንጻ እየ፥ ደጌታት ሲኦል ድማ አይክኅትልዋን እዮም” (ማቴ 16፡18) ኢልዎ። ኵሉ ጊዜ ምስ ቤተ ክርስትያኑ አሎ። ንሕና ህዝቡ ኢና ስለዚ ናቱ ስለ ዝኾና ናይ ካልእ ከይንኸውን ሓድነት ፍቕሪ ሰላም አብ መንጎና ክነንግስ ይግብአና። ደቂ ሓደ አምላኽ ካብ ኮና አብ መንጎና ዝኾነ ፍልልይ ጽልኢ ክፍአት ክህሉ አይግባእን። ቤተ ክርስትያና ቤት ሰላምን ሓድነትን ቤት ሓገዝ ቤት ጽጉም ዝርእህወላ ኃጥእ ዝንስሓላ ገርና ክንሕዛ ናይ ነፍሲወከፍና ተልእኮ እዩ እሞ ሎሚ እውን መብጽዓና ሓዲስና ናይ ክርስቶስ ንኹን፥ ቤተ መቕደስ አምላኽ ዝኾነ ልብና አንጺሕና ንሓዞ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.