2015-10-01 15:20:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ሓወልቲ ምስሊ ቅድስቲ ሪታ ባሪኾም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እቲ ልሙድ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ኢጣሊያ ካሺያን እታ ቅድስቲ ሪታ ዝተወለደትላ ከተማ ሮካፖረናን ኣብ ዘራኽብ መገዲ ዝቐውም ካብ ሊባኖስ ብዝመጸ እምነ በረድ ዝተቐርጸ ቁመቱ 6 ሜትሮን ክብደቱ 30 ቶን ሓወልድቲ ቅዱስቲ ሪታ ባሪኾም “ናይ ቅድስቲ ሪታ ብርቱዕ ሓይሊ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘንጸባርቕ ሰብኣውን መንፈሳውን ፍሉይ ተመክሮ ዳግም ምንባብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሰብኣውን መንፈሳውን ዕብየት ዝሓንጽ እዩ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሉካ ኮላዲ ሓቢሮም።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ናይ ካሺያ ምኽትል ከንቲባ ማሪዮ ደ ካሮሊስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፦ እቲ ኣዚዩ ዘደንቕ ኣብ ሊባኖስ ንቅድስቲ ሪታ ዝንበር ኣኽበሮት ብኸምዚ ዓይነት መገዲ ክምስከር ምርአዩ እዩ። ብፍላይ ድማ እቲ ገዳም ማሮናውያን ዘንጸባርቖን ዝነብሮን ኣኽብሮ ንቕድስቲ ሪታ ኣባ ቻርበል ብዙሕ ጊዜ ኣብቲ ብቕድስቲ ሪታ ዝጽዋዕ ቅዱስ ስፍራ እናተመላለሱ ዝመስከርዎ መንፍሳውነት ዘጉልሕ እዩ ኢሎም።

ነቲ ሓወልቲ ዝቐረጹ ተወላዲ ሊባኖስ ናየፍ ኣልዋን ክዀኑ እንከለዉ፣ እዚ ድማ ከምቲ ቅድም ዝበልዎ ኣብ ሊባኖስ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትነብሮ ኣኽብሮት ንቕድስቲ ሪታ ዘረጋግጾ ምዃኑ ሓቢሮም። ቀጺለን ድማ ኣብ ካሺያ ማሕበር መናንያን ቅድስቲ ሪታ እመ እምኒየት እናቴ ናታሊና ተደስኪኒ ብወገነን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት፦ ቅድስቲ ሪታ ቅድስቲ ሕዝብን ናይ ሕዝብን እያ፣ እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ሪታ ዘለዎም ኣኽብሮት ዝምስክሮ እዩ። ቅድስቲ ሪታ ከም ኣደ ስድራን ደሓር ድማ ከም መበለትን ቀጺላ ብውፉይ ገዳማዊ ሕይወታን ዝነበረቶ መንፈሳውን ሰብኣውን ሕይወት ንኹሉ ኣብነት እያ። ቅዱስቲ ሪታ ናይ ሰላምን ምሕረትን ቅድስቲ ተባሂላ እያ እትግለጽ፣ እዚ ድማ ብተቐባልነትን ብሓልዮትን ትዕግስትን ዘንጸባረቐቶ ተመክሮ ሰብኣውን መንፈሳውን ሕይወት እዩ።

ኣብ መንጐ ኣባላት ስድራ ቤትን ሰብኣይን ሰበይትን ወለድን ውላድን ዝፍጠር ዘይምርድዳእ ብኣማላድነት ቅድስቲ ሪታ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ይረአይ። ኣብ መንጐ ኣባይቲ ስድራ ሰላም ክዓስል ሕይወት ቅድስት ሪታ ኣብነት እዩ ኢለን፣ ምስ እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝጸንዔ ዕርቅን ሰላም ክዓስል ዘተን ምትሕልላይን ብፍላይ ድማ ብልቢ እግዚኣብሔር ከነፍቅር እንከለና እግዚኣብሔር ዘእንግዱን ዝምሕሩን ከምእንኸውን ብቃልን ሕይወትን ቅድስቲ ሪታ ተረጋግጸልና ኣማላድነትና ድማ ነዚ የብቅዓና እንክብላ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.