2015-10-01 15:23:00

ብፁዕ ኣቡነ ቸሊ፦ ስልጣናዊ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ መራኸቢ ቡዙሃን ኣብ መርበብ ሓበሬታ


ርክብ ወይ ድማ ምርኻብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ክፍሊ ንጥፈታታ ዘይኮነስ እንታይነት ሕይወታ ምዃኑ ጳጳሳዊ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊ ዕለት 30 መስከረም 2015 ዓ.ም. ውጥን ባራሊ እተሰምየ ናይ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዛዕባ መራኽቢ ብዙሃን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክቐርብ ምዃኑ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣዳራሽ ብዛዕባ እቲ መደብ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

እዚ መደብ ዝርጋሔ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ መርበብ ሓበሬታ በቶም ካብ 1908 ዓ.ም. ክሳብ 2001 ዓ.ም. ዝነበሩ ናይ ስነ መራኸቢ ብዙሃን ሊቅ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኤንሪኮ ባራሊ ስም ዝጽዋዕ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ቸሊ ገሊጾም፣ ምስ ቤት ማሕተም ቫቲካንን ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ሳሊዛውያን ናይ ስነ መራኸቢ ብዙሓን ክፍሊ መጽናዕቲ መምሃራን ኣባ ፍራንኮ ለቨርን ኣባ ፓውሎ ስፓራቺን ናይቲ መደብ ሓለፍቲ ብምትሕብባር ዝተዳለወ ውጥን እዩ ከምዝበሉ ማሶቲ ኣፍሊጠን።

ብፁዕ ኣቡነ ቸሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፦ ቤተ ክርስቲያን ወትሩ በቢ እዋኑ ምስቲ እናተቐያየረ ዝኸይድ ናይ ስነ መራኺቢ ብዙሃን ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ እናተላለየትን ብቐረባ ኣናጽንዔት ነዚ ናይ ስነ ኣሃዛዊ ባህሊ ብምጥቃም ከምቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሓድሽ ቋንቋ ኣብ ሕሳበን ምንባርን ማሕታ ኣለዎ፣ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ንናይ እምነት ቀልብን ኣገላልጻን ምጥቃሙ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ቲዮሎጊያ ርክብ ወይ ድማ ምርኻብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ክፍሊ ንጥፈታታ ዘይኮነስ እንታይነት ሕይወታ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም። ስለዚህ ናብ ዓለም ኩሉ ኪዱ ወንጌል ድማ ኣበስሩ ንዝብል ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን መጋበሪያ እዩ ከምዝበሉ ማሶቲ ገሊጸን።

ኣባ ለቨር ብወገኖም እቲ ስልጣናዊ ትምህርቲ ኣርእስቲ ሊቃነ ጳጳሳት ዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን www.chiesaecomunicazione.com  ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝድረስ መረብ ሓበሬታ ዝቐርብ ምዃኑ ኣብቲ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መገልጺ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እንከረድኡ ኣባ ስፓራቺ ድማ ኵሉ ምስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ዛዕባ መራኸቢ ብዙሃን ዘላልይን ኣብዚ መዳይ ፍሉይ መጽናዕቲ ንዝገብሩ እውን ዝድግፍ እዩ ከምዝበሉ ማሶቲ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.