2015-10-03 15:44:00

ብፁዕ ካርዲናል ኦለት፦ ሓልዮት ነቶም ኣብ ስቓይ ንዝክረቡ ማሕበረ ክርስቲያን


ጳጳሳዊ ናይ ላቲን ኣመሪካ ጉዳይ ሓልዮ ድርገት ስለ እቶም ኣብ ዓለም ኣደዳ ዓመጽን ኣድልዎን ኰይኖም ንዝርከቡ ማሕበረ ክርስቲያንን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተፈላለዩ ናይ ደገፍን ቅርበትን ተበግስቶታት ኽነቓቓሕ ናይቲ ጳጳሳዊ ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት ናብ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣበ መናብርት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ነታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እትርከብ ኣደዳ ስደትን መከራን ኰይና ንዘላ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ደገፍ ክተግሁን ስለእቲ ዝሳቐ ዘሎ ማሕበረ ክርስቲያን ምጽዋእ ክእከብን ብፍላይ ድማ ስለ እታ እትሳቐን ስለ እቲ ዝሳቐን ማሕበረ ክርስቲያን ሓሳብ ዝገበረ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት መደብ ክካየድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ እቲ ብፁዕ ካርዲናል ኦለት ዘቕረብዎ ጻውዒት ነቲ ኣብ ስቓይን መከራን ስደትን ዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያንን ኣቢያተ ክርስትያንን ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ሶሪያን ዒራቕን ንዝተፈላለየ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ተቓሊዑ ንዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ኩለ መዳያዊ ደገፍ ክቐርብ ንዘመሓላለፍዎ ናይ ሓደራ ጻውዒት ስዒቢ ዝቐረበ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፣ ብፁዕነቶም ኣብቲ ንብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ላቲን ኣመሪካ ኣብ ብሔራውን ዓለም ለኻውን መድረኻት ስለ ምኽባር ናይ ሃይማኖት መሰልን ክብርን ኣብ ሶሪያን ኢራቕን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብሓፈሻኡ ኣብ መላእ ዓለምን ክረጋገጽ መንግስታቶም ክተግሁን ኣብዚ መዳይ ክዓዩን ጎስጓስ ካካይዱን ጻውዒት እውን ከቕርቡ ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ምግለጺ ሓቢሩ።

ስለ እቶም ዝሳቐዩን ንስደትን መከራን ዝተዳርጉን ዝዳረጉን ዘለዉ ማሕበረ ክርስቲያን ሶሪያ ኢራቕን ማእከላይ ምብርቕን መላእ ዓለምን ሓሳብ ዝገበረ ኵላዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዐርግን ኣብቲ ስርዓት ቅዳሴ ዝእከብ ምጽዋት ድማ ስለ እቶም ዝሳቐዩ ኣብ ሶሪያን ኢራቕን ማእከላይ ምብራቕን ዝርከብ ማሕብረ ክርስቲያን ደገፍ ክውዕል ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቀድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም. እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣወጅዎ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ምስ ዝጅመረሉ ዕለት ተተሓሒዙ ኣብ መላእ ላቲን ኣመሪካ ሃገራት እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝልገስ ምጽዋት ኣብ ሶሪያን ኢራቅን ንዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያ ሓገዝ ዝወሃብ ክኸውን ብፁዕ ካርዲናል ኦለት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘተሓሳሰቡን እቲ ሓገዝ በቲ ጳጳሳዊ ድርገት ኣቢሉ ንማሕበረ ክርስቲያን ሶሪያን ኢራቕን ከከም ኣድላይነቱን ግቡእነቱን ዝበጽሕ ምዃኑ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.