2015-10-06 17:48:00

ሲኖዶስ አበው ጳጳሳት!


ንሓደ ዓመት ምስ መመላእታ ካብቲ ዓሚ ብቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝተጸወዔ ፍሉይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ክሳብ አብ ዋዜማኡ ብዙሕ ዘዛረብን ዘከራኸረን ካብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ይኹን ካብ ደገ ነቀፍትን ደገፍትን ብዙሕ ዝበተዛረቡሉን ዝጸሓፉሉን መደበኛ መበል ዓሠርተው አርባዕተ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝሓለፈ ቀዳም ብጸሎተ ዋዜማን ማኅሌትን ሰንበት ከአ ቅዱስነቶም ዝመርሕዎ ምስ ኩሎም አበው ቤተክርስትያንን ውሉደክህነትን ምእመናንን ዝተሳተፍዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብዕሊ እንክኽፈት ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ሰዓት ትሽዓተ ከአ አብቲ ንሲኖዶስ ተባሂሉ ብፍሉይ ቅዲ አብ ውሽጢ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ አደራሽ ዝተዋደደ ክፍሊ ብጸሎት መዝሙረ ዳዊት ናይ ዘሠለስቱ ሰዓት ምድጋምን ምዕዳን ቅዱስ አቦናን ተኸፊቱ፣

አብዚ ሲኖዶስዚ 270 አበው ሲኖዶስ እንክሳተፉ ካብዚኦም 45 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍሉይ ዕድመ ዝገበሩሎም ጳጳሳት እዮም፣ ብጆግራፊካዊ አቀማምጣ ክፍላተ ዓለምና እንክትምልከቶ ከአ 54 ካብ አፍሪቃ 64 ካብ አሜሪካታት ማለት ካናዳ ሰሜን አሜሪካን ደቡብ አሜርካን 36 ካብ ኤስያ 107 ካብ ኤውሮጳ 9 ካብ ኦሽያንያ እዮም፣ ብመዓርግ ክህነት እንክመልከት ከአ 74 ካርዲናላት 181 ሊቃነ ጳጳሳት ጳጳሳትን ፓትርያርክታትን 13 ገዳማውያን 2 ቆሞሳት ከምኡውን 18 ጽምዲ ስድራቤት ምስ ሓደ ሕጻን ከም ተዓዘብትን መስከትን እንክኾኑ 24 በሰልን ሊቃውንትን ከአ ነቲ ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ቤት ሲኖዶስ ዝሕግዙ እዮም፣ ካብ ሃገራትና እውን ካብ ኢትዮጵያ ብፁዕ እምብፁዓን ካርዲናል ብርሃነኢየሱስ ሱራፌልን ብፁዕ አቡነ ጸጋዬ ቀነኔን ካብ ኤርትራ ከአ ብፁዕ ሊቀጳጳስ አቡነ መንግሥተአብ ተስፋማርያም ይሳተፉ አለው፣

ቅዱስነቶም ከም ሓፈሻዊ መምርሕን መእተውን ሲኖዶስ አብ ዝሃብዎ ቃል፤ ንኩሎም በብ መዓርጎም ሰላምታ ድሕሪ ምቅራቦምን ነቲ ዓሚ ዝ አወጅዎ ፍሉይ ሲኖዶስ ስዒቡ ድሕሪ ሰፊሕ ሥራሕ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብዝቀረበ መርሓ ግብር ብኢንስትሩመንቱም ላቦሪስ ዝፍለጥ መዛተዪ ሰነድ እዚ መበል ዓሠርተ አርባዕተ መደበኛ ሲኖዶስ ጳጳሳት ይጅመር ከምዘሎ ምስ ገለጹ ሲኖዶስ እንክበሃል ማንም ጉባኤ ወይ ፓርላመንት ኮይኑ ብእንካ ሃባ ዝኸይድ ከምዘይኮነ ትኽክለኛ ትርጉሙ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣ “ከዘኻኽሮ ዝደልዮ ሲኖዶስ እንካ ሃባ ትብለሉ ጉባኤ ወይ መዛተዩ ወይውን ሓደ ፓርላማ አይኮነን፣ ሲኖዶስ ሓደ መግለጺ ቤተክርስትያን ኮይኑ እዚ ንክውንነት ብ ዓይኒ እምነትን ብልቢ እግዚአብሔርን ር ኢኻ ንምኽ አል ብተአማንነት ንመዝገበ እምነታ እትምርምረሉ ተተሓሒዛ እትጐዓዘሉ እዩ፣ እዚ መዝገበ ሃይማኖት እዚ ከአ እትዕቅቦን እትሕልዎን መኻን ቤተመዘክር ዘይኮነ ሕያው ምንጪ ኮይኑ ንጽምአ አርውያ ንምንጪ ሕይወት ንዝኾነ ነዚ ሕያው መዝገብ ሕይወት ንክተበራርህ ዝሕግዝ እዩ፣ እዚ ከአ መንፈስ ቅዱስ ንዘብረሃልካን ንዝሃበካ መምርሕን ጽን ቢልካ ልብኻ ከፊትካ ብምስማዕ እዩ ዝግበር፣ ነዚ ንምግባር ከአ ናይ ሓዋርያዊ አገልግሎ ትብዓትን አብ ወንጌል ዝተምሥረተ ትሕትናን ፍጹም እምነት ዘሰንዮ ጸሎትን ልብኻ ንመንፈስ ቅዱስ ብምርሓውን እዩ ዝፍጸም፤ እንክብሉ መንፈስ ሲኖዶስ ምስ ገለጹ አተሓሒዞም ከአ “ሲኖዶስ ክግበር እንክእውጅ ብሲኖዶሳዊ መንፈስን ብኅብረትን ኃቢርና ንክንስጉም እዚ ከአ ናይ ቤተክርስትያንናን ሥድራቤትናን ሠናይ ነገርን ድሕነት ነፍሳት አብ ልባትና ብምቅማጥ እዩ፣ ነዙይ ንምግባር ናይ ሓዋርያዊ አገልግሎት ጕስነታው ትብዓት የድሊ እንክብል አበው ብዘለዎም ፍልጠትን ተመኩሮን ንአገልግሎቶምን እምነትን ብዝምልከት ነቲ ሓቂ ብትብዓት ክገልጹ ትሑዛት እዮም፣ ሲኖዶስ እንክበሃልከስ ነንበይንኻ ምጕዓዝ ዘይኮነስ አብ ሕጽኒ እቲ ንሕና ጓሶቱን አገልግልቱን ዝኾና ቅዱስ ሕዝቢ እግዚአብሔ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ዝግበር ናይ ኃባር ግስጋሴ እዩ፣ በዚ ከአ ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ናይ መንፈስ ቅዱስ ሥራሕ እተስተማቅረሉ ፍሉይ ቦታን ግዜን እዩ፣ መንፈስ ቅዱስ አብ ሲኖዶስ ብአፍ እቶም ብእግዚአብሔር ክምርሑ ዝደልዩ ገቢሩ ይዛረብ፣ እዚ ከአ ነቶም ፈላጣትን ዓበይቲ ኢና በሃልትን ዝስወር ንሕጻናትን ናአሽቱን ዝግለጽ እግዚአብሔር እዩ ዝገብሮ፣ እቲ ንሕግን ሰንበትን ዝፈጠረ ግን ሰብ ንሕግን ንሰንበትን ዘይኮነስ በንጻሩ ዝተዛረበን ነተን 99 አብ ገዛ ዘለዋ አባጊዕ ሓዲጉ ነታ ሓንቲ ዝጠፍኤት ንምንዳይ ዝወፍር ካብ ፍለጠትናን ሓሳባትናን ንላዕሊ ዝኾነ እግዚአብሔር እዩ ዝብሎ ዘሎ፣ ስለዚኸስ ንመንፈስ ቅዱስ ልብና ብምኽፋት ብዘይ ፍርሓት ብናይ ሓዋርያዊ አገልግሎት ትብ ዓትን ትሕትና ወንጌልን ናይ ዓሚቍ እምነት ጸሎትን ዕጥቅኹም ብምግባር አብ ውሽጢ ልቢ ሰባት ዘሎ ሓቀኛ ብርሃን አጸልሚቱ ብግዝያዊ ንእሽቶ ብርሃን ንምትካእ ብዝፍትኑ ናይ ዓለም ስምዒታት ከይትታትለሉ ብምጥንቃን ከማኡ እውን ብዙኅ ጽቡቅን ሓነጽትን ሓሳባትን እኳ ይሃልዎም እምበር ከም ከውሒ ብዝደረቀ ልቦም ገቢሮም ንሰባት ካብ እግዚአብሒር ካብ ዘርሕቁ ተሓለው፤ እምነት ክርስትናኹም መአከቢን ቤት መዘከርን ናይ ትምህርቲ ሃይማኖትን ዝኽርታትኩምን ዘይኮነስ በዘን ላዕሊ ዝበልናየን ትብዓትን ትሕትናን ጸሎትን ተሰኒኹም ነታ ዘላ ተጕ ንኽተብልዋ ከይተዋላወሉ ሓደራ፣ እዚ ናይ ሓዋርያዊ አገልግሎት ጕስነታዊ ትብዓት! እቲ ወንጌላዊ ትሕትና ዝበልናዮ ኸአ አጻቢዕትኻ ንሓውኻ ንምፍራድ ካብ ምውጻእ ንክትረድኦ አእዳውካ ምዝርጋሕ እንክኾን መንፈስ ቅዱስ ክመርሓና እንተዘየፍቂድናሉ እንገብሮም ውሳኔታትን ለበዋታትን እነመሓላልፎ አዋጃትን መመላኽዕን ንረአዩለይ ስም ዑለይ ኮይኖም ብዘይ ፍረ ክተርፉ እዮም፣ እንተደአ ብሓቂ ልብኹም ን እግዚአብሔር ከፊትክምዎን እቲ መድሓኒ ዝኾኑ ድምጹ ንምስማዕ ጽን እንተዘይቢልኩምን ቃላትኩም ዘይረብሑን ምንም ዋጋ ዘይብሎም ክኾኑ እዮም፣ መንፈስ ቅዱስ ክመርሓና እንተዘያፍቂድና ውሳኔታትና ክንዲ ንወንጌል ሓፍ ዘብሉን ዝሰብኩን ክሽፍንዎን ክሓብዎን እዮም” እንክብሉ ሓደራ ምስ በሉ ነፍሲወከፎም ንክውንነት እዚ ሲኖዶስ እዚ ብዘበርከትዎ ብምምስጋንን ነቶም አብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ጋዜጠኛታት ነዚ ኩነታት እዚ ብ ዓቢ ትኵረት ምክትታሎም ብምምስጋንን ነቲ አብ መኽፈቲ ቃሎም ዝበልዎ ““ከዘኻኽሮ ዝደልዮ ሲኖዶስ እንካ ሃባ ትብለሉ ጉባኤ ወይ መዛተዩ ወይውን ሓደ ፓርላማ አይኮነን፣ ሲኖዶስ ሓደ መግለጺ ቤተክርስትያን ኮይኑ እዚ ንክውንነት ብ ዓይኒ እምነትን ብልቢ እግዚአብሔርን ርኢኻ ንምኽ አል ብተአማንነት ንመዝገበ እምነታ እትምርምረሉ ተተሓሒዛ እትጐዓዘሉ እዩ፣ እዚ መዝገበ ሃይማኖት እዚ ከአ እትዕቅቦን እትሕልዎን መኻን ቤተመዘክር ዘይኮነ ሕያው ምንጪ ኮይኑ ንጽምአ አርውያ ንምንጪ ሕይወት ንዝኾነ ነዚ ሕያው መዝገብ ሕይወት ንክተበራርህ ዝሕግዝ እዩ፣ እዚ ከአ መንፈስ ቅዱስ ንዘብረሃልካን ንዝሃበካ መምርሕን ጽን ቢልካ ልብኻ ከፊትካ ብምስማዕ እዩ ዝግበር፣ ነዚ ንምግባር ከአ ናይ ሓዋርያዊ አገልግሎ ትብዓትን አብ ወንጌል ዝተምሥረተ ትሕትናን ፍጹም እምነት ዘሰንዮ ጸሎትን ልብኻ ንመንፈስ ቅዱስ ብምርሓውን እዩ ዝፍጸም” እንክብሉ ቃሎም ደምዲሞም፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.