2015-10-06 16:20:00

ሲኖዶስ፦ ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ: ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓቂ መስካሪት ምሕረት እግዚኣብሔር


ጠቕላሊ መደበይና ሓፈሻዊ መበል 14 ጉባኤ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳቲ ዲኖዶስ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ንጐሆ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ትሽዓተ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዘስምዕዎ ዘረባ ተበጊሱ ቀጺሎም ጠቅላሊ ወሃቢ ቃል ሲኖዶሳዊ ዋዕላ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ብድሆታትን ጸዋዕታን ተልእኾን ስድራ ቤት ብዝብሉ ሰለስተ ንኡሳን ኣርእስታት ዝተኸፈለ ዘረባ መበገሲ ሲኖዶስ ከምዘቕረቡን፣ እቲ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ነቶም ኣብ ጽንኩር ኩነት ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ሓቂ ምሕረት እግዚኣብሔር ዘሰንዮም ምዃኑ ዘድምዕን ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ደገፍን ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ምኽባር ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምንባሩ  ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።

ማሕበራዊ ኢፍትሓውነትን ስደትን ድኽነትን ዓመጽን ንስድራ ቤት ብድሆታት እያቶም

ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ብድሆታት ስድራ ቤት ኣዚዩ ብዙሕ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ኣተኵሮኡም ድማ ስደትን ማሕበራዊ ኢፍትሓውነትን ዘይምዕሩይ ክፍሊት ደሞዝን ኣብዚ ድማ ብዙሓት ናይ ንግድ ትካላት ብሓላፍነት ተሓተቲ ከምዝኾኑ ገሊጾም፣ ንድልያ ስራሕ ካብ ቦታ ቦታ ንምቅስቓስን ዋሕዲ ወላድን ብዙሕ ጊዜ ጽንሲ ክሰዳ ዘስገድድ ኣብ ልዕሊ ደቂ ንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን፣ ኣስገዳድ ግብረ ኣምክኖን፣ ብዝዀነ ይዅን መገዲ ውላድ ምርካብ ዝብል ብስነ ምርምር ዝተደገፈ ማሕጸንን ጾታዊ ዋህዮን ምክራይን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ኣንቢሮም መንግስታዊ ቅዋሜታትን ተነቀፍቲ፣ ወዲ ሰብ ድማ ቆራጽ ውሳኔ ምንባር ዘፍርሖን እዚ ማለት ድማ ውልቃዊ ድልየቱ ኣብ ህልዉ ኩነት ከም እውነተይናን ናይ ግሊ መሰሉ ገይሩ ኣብ ምንባር ዝተሓጸረ ኰይኑ ኣሎ።

ዶብ መርዓን ስድራ ቤትን ዘደናግር ውልቃውነት

እናሰፍሔን እናዓበየን ዝኸይድ ዘሎ ውልቃውነትን መስረታውያን ቅዋሜ ንኣብነት፣ ዶባት መርዓን ስድራ ቤት ዘደናግር ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ኣህላኺ ሕብረተሰብ ድማ ጾታዊ ስምዒት ካብ ሱታፌ ኣብ ምፍጣር ብምእላይ ሰብኣዊ ሕይወትን ውላድነትን ዝዋደድን ዘይዋደድን ክኸውን ይገብሮ።

ዘይሕከኽ ነባርነት መርዓ ኣርዑት ዘይኰነስ ጸጋ እዩ

መርዓን ስድራ ቤትን ንናይ ሰብኣዊ ዕብየት መተካእታ ዘይብሉ ተእኽእሎ ዘወፍዩ እያቶም። መርዓ ጽኑዕን ዘይሕኽን እዩ ካብ ዝብል ባህርይ ናይ ስድራ ቤት ጸዋዕታ ይምንጭው፣ ስለዚህ መርዓ ዘይሕከኽ ምዃኑ ኣርዑት ዘይኰነስ ጸጋ እዩ። መርዓን ስድራ ቤትን ሰብ ብአርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ምዃኑ ብፍሉይነት ዝገልጾ እዩ፣ ስለዚህ እቲ ኣብ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍልልይ ንሱታፌን ወላድነትን እዩ።

ስድራ ቤት ንናይ ሓባር ጥቅሚ ዝሓንጽ  ኣብ ሕብረሰብ ናይ ሕይወት መሰረት እዩ

ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ፦ መርዓን ስድራ ቤትን ከም ናይ ሕይወትን ፍቕርን ማሕበርሰብን ዘለዎም ክብሪ ምንቕቓሕ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ መንጐ ክልተ ክርስቲያን ብምስጢረ ተኽሊል ዝጸንዕ ስድራ ቤት ዘቤታዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሕብረተሰብ ናይ ሕይወት መሰረትን ንናይ ሓባር ጥቅሚ ዝሓንጽ ቤት ትምህርቲ እዩ ኢሎም።

ኣገዳስነት ሕንጸት ውሉደ ክህነት ኣብ ኣሰንዮ ስድራ ቤት

ኣብዚ እዋን’ዚ እንታይ እዩ ተልእኾ ስድራ ቤት? ቅድም ቀዳድም ናብ ጸዋዕታ ተኺሊ ዘምርሑ ሕንጸት፣ እዚ ድማ መርዓ ደጋዊ ተግባርን ናይ ስምዒት ጉዳይን ከምዘይኰነን መንፈሳውን ቤተ ክርስቲያናውን ባህርይ እውን ዘለዎ ብምዃኑ ካህናት ንመርዓ ዝተጸውዑን ስድር ቤትን ስምዒታውን ስነ ልቦናውን ብስለት ዘለዎም ኰይኖም ስድራ ቤት ከሰንዮ ብቖዓት ዘለዎም ክዀኑ ይግባእ። ስለዚህ ኣብዚ መዳይ ዓሚዩቕ ሕንጸት ክረኽቡ ይግባእ።

ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ንእዋናዊ ከይዲ ዓለምን ለውጥታቱን ቋንቋታቱን ግምት ዝህብ ነቲ ብኽርስቶስ ዝተገልጸ ሓቂ ብቑዕን እሙንን ዝዀነ እዋናዊ ኣስተምህሮ ክርስቶስን ምስክርነትን ንብፁዓን ጳጳሳት ካህናትን ኣገልገልቲ ቃል ኣምላኽን ዓቢይ ብድሆ እዩ ኢሎም።

ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ስድራ ቤት ጭቡጥ ኩነት ምቅላሕ

ካብቲ ናይ ስድራ ቤት ተልእኾ ክንየው እውን ምስቲ ወግዓዊ ኣምር ስድራ ቤት ምስቲ ብክርስትና ወይ ድማ ምስቲ ባህርያዊ ትርጉሙ ዘይራኸብ ኰይኑ ምስ ዝቃልሓሉ በርገሳዊ ቅዋማት ምትሕብባርን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ እቲ ናይ ስድራ ቤት ጭቡጥ ይግባይነት ኣብ ሕብረተሰብ ግቡእ መሰረት ዘለዎ ምዃኑ የረጋግጽ። ብፁዕነቶም ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ድማ  ማሕበረ ክርስቲያን ነቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡን ብስእነት ስራሕ ዝጥቅዑን ናይ ሕክምናን ካልኦት መሰላውን ክብራውን ሰብኣዊ ኣገልግሎት ምርካብ ብዝተፈላለየ ኩነት ንዝተነፍጐምን ዓቕሚ ንዘይብሎም ኣባይቲ ስድራ ቤት ኣብ ደገፎም ዘውዕሎ ናይ ኤኮኖሚ ቅዋሜታት ከቑውም ይግብኦ ኢሎም።

ዝቖሰለት ስድራ፦ ምሕረትን እንገዳን ኣብ ሕቂ ግና

ናይ ቤተ ክርስቲያን ተነቃፍን ልዑል ጻዕሪ ዝሓትት ተልእኾ እዚ ድማ እቲ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምውሃድን ተወሃሂዶም ክንበሩ ምድጋፍን ዝብል፣ ምሕረትን እንገዳን ግና ኣብ ሓቂ እዩ። እቲ ዓቢይ ግብረ ምሕረት ሓቂ ብፍቕሪ ምንጋር እዩ፣ እዚ ካብ ድንጋጼ ክንየው ከነብል ዘብቅዕ እዩ። ስለምንታይ እቲ መሓሪ ፍቕሪ ዝማርኽን ዘዋህድን ዝልውጥን ሓፍ ዘብልን ንምልዋጥ ዝዕድም ስለ ዝዀነ እዩ።

መገዲ ኑዛዜ (ጣዕሳ)ን ደፋእታዉ ሕጊ    

እቲ መገዲ ኑዛዜን ደፋእታዊ ሕጊ ነቶም ተፋቲሖም ዳግም ቃል ኪዳን ዝኣሰሩ ዝምልከት እዩ። ምንም ዓይነት ዕንቅፋት ብዘይ ምፍጣርን መሰናኽል ብዘይ ምዃንን ናብ ምስጢረ ንስሓን ቅዱስ ቁርባንን ብሱታፌ ክሓብሩ ምድጋፍ እዩ። ፍትሕ ንገዛእ ርእሱ እወታዊ ኣይኰነን ቢሎም ምስ እዚ እተሓሒዞም ድሕሪ ፍትሕ ዝንበር ኣብነታዊ ሕይወት እውን ክህሉ ዝከኣል እዩ። ምእንቲ’ዚ እዩ ድማ ደፋእታዊ ሕግታትን ናይ ሕሊና ሕንጸት ክህሉ ይግባእ ዘብል።

ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ንዘለዎም ኣቃልቦ ዝገብር ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ

ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ንዘለዎም ብዘይ ኣድልዎን ኢፍትሓውነትን ብጥንቃቔን ኣኽብሮትን ምእንጋድ የድሊ፣ እዚ ግና ሓደኣዊ ጾታዊ ምዝማድ ምስቲ እግዚኣብሔር ኣብ መርዓን ስድራ ቤትን ዘለዎ መደብ ዘደናግር ክኸውን የብሉን።

ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዝዕቀብ ዘይሕከኽ ክብሪ እዩ፣ ጽንሲ ምንጻልን ጥዑም ሞትን ኣይፋል

ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ ናይ ግብረ ሰናይ መደባታ ኣቢላ ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ዝዕቀብ ዘይሕከኽ ክብሪ እዩ ትብልን፣ ጽንሲ ምንጻልን ጥዑም ሞትን ኣይፋል ዝብል ኣመለኻኽታ ተቃልሕ፣ ግዳም ሓደርን ዘኽታማትን ህሙማንን ብምእላይን ኣብ ጽንኩር ሽግር ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ እውን ብምእላይ እተቃልሖን ሕይወት ብዝዀነ ይዅን ምድራዊ ሃብቲ ዘይግመት ክብሪ ምዃኑ ትምስክር።

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣባይቲ ስድራ ዘኽታማት ብምንባይ

ኣብዚ ናይ ሞት ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ናይ ሕይወት ባህሊ ምንቕቓሕ ዘለዎ ኣገዳስነት ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ሓቢሮም፣ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ሰብኣዊ ሕይወት እተሰምየ ዓዋዲ መልኽቲ ኣሞርኵይዞም ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ባህርያዊ ናይ ምውላድ ኣገባብ ምስዓብን ባህርያዊ ኣገባብ ምጥቃምን መሰረት ክኽበር ዝብልን ኣብዚ መዳይ ሕንጸት ምቕራብን፣ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ምእላይ ዘኽታማት ምትብባዕ ከምዘድሊ ሓቢሮም። እዚ ድማ ናይ ሕይወት ዘይሕከኽ ክብሪ ይምስክር።

ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት መስካሪት

ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ ዘስምዕዎ ዘረባ ስድራ ቤት ናይ ሰብኣውን ውላድን ሃይማኖታዊ ሕንጸት ሓላፍነት ከምዘለዎን። እዚ እውን ዘይሕከኽ ሓላፍነት ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ቤተ ክርስቲያን ክትልወጥን ብዝበለጸ ሕያውን ብዙሓት ሰባት እትሓቁፍ ማሕበርሰብ ክትኸውንን ናይቲ ዓቢይ ምሕረት እግዚኣብሔር ምስክር ክትኸውን ኣተባቢዖም ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.