2015-10-06 16:27:00

ሲኖዶስ፦ ድሕሪ ቀዳማይ ዋዕላ ሲኖዶስ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዚ ዝመርሕዎ ናይ ሲኖዶስ ተጋባእያን ወኪል ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቪንግት ትሮይስን ጠቅላሊ ወሃቢ ቃል ሲኖዶሳዊ ዋዕላ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶን ናይ ሲኖዶስ ፍሉይ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተ መሪሖም ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንፃ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝምጹ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ናይ ዜና ማዕከናት ልኡኻት ጋዜጠይናታት ንዘቕረብዎ ሕቶ መልሲ ብምሃብ ናይ ሲኖዶስ ቀዳማይ ዋዕላ ኣደገፊፎም ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም።

ኣባ ሎምባርዲ ነቶም ናይ ሲኖዶስ ተጋባእያን ወኪል ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቪንግት ትሮይስን ጠቅላሊ ወሃቢ ቃል ሲኖዶሳዊ ዋዕላ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶን ናይ ሲኖዶስ ፍሉይ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተን ምስ ጋዜጠይናታት ኣላልዮም፣ እቲ ሲኖዶስ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝኻየደ ጸሎት ዋዜማን ዕለት 4 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ምስ መላእ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ብሁባሬ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተጀመረ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ቀዳም ከምእዉ እውን ሰንበት ብዘስምዕዎ ስብከትን፣ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ኣብ ናይ ሲኖዶስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተረኺቦም ብዝሰምዕዎ ናይ መኽፈቲ ዘረባ ነቲ ሲኖዶስ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ሂቦም።

ብፁዕ ካርዲናል ቭንግት ትሮይስ

እቲ ሲኖዶስ ኩሉኹም ከምእትፈልጥዎ ድሮ ተኸፊቱ ኣሎ፣ እቲ ሲኖዶስ ድማ ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ዕለት 3 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ከምቲ ስለ እቲ ሲኖዶስ ዘዕረገቶ ጸሎት ዋዜማን ዕለት 4 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ሰንበት ወግዓዊ መኽፈቲ ሲኖዶስ ዘዕረገቶ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ እቲ ሲኖዶስ ኣብ ጸሎት ምዃን ማለት ምዃኑ የነጽር፣ ኣብ ዙሪያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሁባሬን ውህደትን ብሓባር ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ምንባር እዩ፣ ስለዚህ ሲኖዶስ ጸሎትን ጉባኤን ብሓባር ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞን እዩ። እቲ ሲኖዶስ ኵላውነት ዘንጸባርቕ እዩ፣ ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ምስራቕን ምዕራብን ብዕድመ ዝተፈላለዩ ኣበው ሲኖዶስ ዘራኽብ እዩ፣ እዚ ብዙኅነት’ዚ ኣብ ዙሪያ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኵላውነት ዝንበሮ ይኸውን፣ ናይ ሲኖዶስ ኣበው ንእግዚኣብሔር ገዛእ ርእሶም ከፊቶም ብጸሎትን ኣስተንትኖ ብቃል ኣምላኽን ብኣኡ ዝምርሑ እያቶም፣ ንናይ ዘተ ኣገባብ ክፉታት እያቶም ኢሎም።

ብፁዕ ካርዲናል ኤርዶ

ቅድሚ እቲ ናይ ሲኖዶስ ዘተ ምብጋሱ ዝቐርበ ሰነድ ናይቲ ናይ ሲኖዶስ መርሕ ዘነድ ከይዲ ዕዮን ስዒቦም ናይ ዝመጹ ርእይቶታት ብጠቕላላ ጽማሬ ሓሳብ እዩ፣ ስለምንታይ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ውሽጢ ኣብ ዓለም ብዙሕ ኩነታት ኣጋጥሙ እዩ።  ስለዚህ እቲ ሰነድ ናይዚ ዅሉ ጽማሬ እዩ ኢሎም።

ብቐዳምነት ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ኣብ ቅዋመታት ዘይምእማንን ከምኡ ድማ ኣብ ቅዋመ መርዓ እውን። እዚ ድማ ስነ ሰብኣዊ ሕቶ እዩ። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ስትራስበርግ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ውልቃውነት ንኣይነትን ዓበይቲ ሓደጋ ንዘርኢ ሰብ እዩ ንዝበልዎ ሓሳብ ዘድምዕ እዩ። ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍ ኣብ መንጐ ክርስቲያን ኣባይቲ ስድራን ኣብ ቁምስናታትን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበራትን ዝንበር እዩ። ግብረ ኣሰንዮ ጓሶት ንመጓሰ፣ ንስድራ ቤትን ነቶም ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ሰብ ሓዳርን ክድግፉ ዘኽእሎ ብስሚዒትን ስነ ልቦናን ብሱላት ኰይኖም ክርከቡን፣ ኣብዚ መዳይ ክሕነጹን፣ ምትሕብባር ኣብ መንጐ ኣባይቲ ስድራ ማሕበረሰብ ክተባባዕን ክጸንዕን ይድግፍ፣ ስለዚህ እቲ ንሕብረተሰብ ዝድግፍ ናይ ሕብረተሰብ ማእከል ዝኾነ ዝስድራ ቤት ክሳብ ክንደይ ክድገፍ ከምዝግብኦ ንምስትውዓሉ ዝድርኽ እዩ ኢሎም

ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ

ቅድም ቀዳድም እንታይነት ናይቲ ሲኖዶስ ሸቶ ወይ ድማ ሸቶታት ናይቲ ሲኖዶስ ክዛረብ እደሊ፣ እዚ ድማ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቃላትን ሕይወትን ከም ዝምስክሮ ንሱ ድማ ናይ ስድራ ቤታዊ ወንጌልን እዚ ማለት ቤተሰብ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ማእከል ዝብል እዩ፣ ኩላትና ከምእንፈልጦ ስድራ ቤት ኣብዚ እዋን’ዚ ብብዝሒ ቅልውላው ዝተጠቕዔ እዩ፣ ብዘይ ቃል ኪዳን ከም ሰብኣይን ሰበይትን ምንባርን ብምስጢረ ተኺሊል ቃል ኪዳን ስኣስሩ ሰብ ሓዳር ዋሕድን ዝተጠቕዔ እዩ፣ ስለዚህ እቲ ቤተሰባዊ ወንጌል ነዚ ዘማእከለ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሕብር እዩ። ከምዚ ካብ ኰነ ድማ ግልጽነትን ቅንዕናን ወሳኒ እዩ፣ ኣብ ሲኖዶስ እውን ክህሉ ዝግብኦ ባህርይ እዩ፣ ስለምታይ እቲ ሲኖዶስ ናይ ኣባይቲ ስድራን ስቓይን መከራን ቅልውላውን ዘቃልሕ ክኸውን ስለ ዘለዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ዘርኢ ሰብን ዘለዎ ሓላፍነት ዘጉልሕ እዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ መጋበሪያ መንፈስ ቅዱስ ምዃን ዝንብሮ ኢዩ።  እዚ ድማ ጸሎት ኣገባብ ዝገብርን፣ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ወንጌላዊ ትሕትና፣ ኣብ ቅድሚ ዓለም ትብዓታ ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውነት ዝንበሮ እዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.