2015-11-14 12:45:00

ብዓለ ቍስቋም ኅዳር 5 2008 ዓ.ም. (11/15/2015


ንባባት፡ ብዓለ ቍስቋም፡ 2ቆሮ 8፡1-16፥ 2ዮሓ 1፡9-ፍ፥ ግ.ሓ. 1፡12-15፥ ማቴ 2፡19-ፍ ናይ ዕለቱ ሰንበት ፮ይ ዘጽጌ፡ 1ቆሮ 14፡1-13፥ ያዕ 2፡1-12፥ ግ.ሓ. 13፡13-22፥ ማቴ 22፡1-15።  ምስባክ  1.ዖፍኒ ረከበት ላቲ ቤት፥ ወማዕነቕኒ ኀበ ታነብር እጎሊሃ፥ ምሥዋዒከ እግዚኦ እግዚአ ኃያላን መዝ. 84፡3።     2.ርኢክዎ ለኃጥእ ዐብየ ወተላልዕለ ከመ ዐርዘ ሊባኖስ ውሶበ እገብእ ኀጣእክዎ፥    ኅሠሥኩ ወኢረከብኩ መካኖ መዝ. 37፡35-36.   3. “ዓፀደ ወይን አፍለስከ እምግብጽ፤ ሰደድከ አሕዛበ ወተከልከ ክያሃ፤ወጼሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ”።      “ካብ ግብጺ ወይኒ ጉንዲ አምጻእካ፤ ንአሕዛብ አባሪርካ ንአኣ ተኸልካ አብ ቅድሚአ መገዲ(ቦታ) ጸረግካ (አሰናዶኻ”። መዝ። 80፡8

መዝሙር፡ ወይኒ ዓምበበ ሮማን ፈረየ ኵሎም አእውም በረኻ ፈረዩ፥ ሽትው ተኽሊ ምስ ጥቕሉል ዕንዲዳ፥ ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዓልና፥ ዕምባባታት ፈረዩ ሊሊ ፈረየ፥ ክረምቲ ሓሊፉ በረኸት ደው በለ፥ ምድሪ ብዕምባባታት ተሸለመት፥ ጎይታ ሰንበት ንምሕረት አብአ፥ ሰንበት ንዕረፍትን ንድሕነትን ሰርዓልና።

ዘሎናዮ እዋን ብፍሉይ መወዳእታ ሰንበት ዘዘመነ ጽጌ እዩ። ብብዓለ ቍስቋም ከአ ይዛዝም ስለዚ ንብዓለ ቍስቋም ብዝርኢ ክነስተንትን። እዚ ብዓል መበቆሉ ምስቲ ናይ ቅድስት ስድራ ካብ ቤተልሔም ንግብጺ ዝሃደሙሉ/ዝተሰዱሉ ዝተተሓሓዘ እዩ። ከምቲ መልአኽ ልደት ክርስቶስ ዘበሰረ ከምኡ ኸአ ንድሕነቱ ካብ ቅትለት ሄሮዱስ ንስደት ንዮሴፍ ነጊርዎ። አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ስደት/ፍልሰት ዝነበረ እዩ። ስደት ብቀዳሞት ወለድና አዳምን ሔዋን ካብ ምድረ ገነት እዩ ጀሚሩ። ካብ አምላኾምን ካብቲ ኵሉ ዝነበሮም ጸጋን ክፍለዩ ክርሕቑ መሪጾም ፍሪኡ እዚ ሎሚ እንርእዮ ዘሎና በብእዋኑ አብ ታሪኽ ዝፍጸም ዘሎ እንርእዮ ዘሎና እዩ። ክልተ ዓይነት ስደድ አሎ ፩ያ መንፈሳዊ ስደት ካብ አምላኽ ብምርጫኻ ብዘይ አምላኽ ክትነብር እትመርጾ ከሎኻ ከም ዝሞትካ ንሕግን እምነትን ሓዲካ አብ ርእስኻን አብ ካልእ ግዙፍ ነገራት አሚንካ ምንባር እዚ ዝከፍአን ቀዳማይን ስደት ክንብሎ ንኽእል። ፪ይ ብዝተፈላለየ ጸገም ዝተወለድካሉ ዓደቦኻ ሓዲግካ አብ ዓዲ ጓና ክትነብር ምውሳን እዚ እውን ናቱ ክበድን ምረትን አልኦ። ስደት ብዅሉ ሸነዅ ከቢድን መሪርን እዩ። ታሪኽ ቅዱስ መጽሓፍ ታሪኽ ስደት እዩ እንተ በልና ዝተጋነነ አይኮነን። ሰብ መገዲ አምላኽ ምስ ሓደገ ንግፍዒ ንዓመጽ ይወፍር ሽዑ ንከምኡ ዝበለ ሰብ ክዕምጽ ክዘርፍ ከጥፍእ ይወፍር። ዓመጽ ካሳብ ዘሎ ስደት ምህዳም ክህሉ እዩ። እስራኤላውያን ንግብጺ ንባቢሎን ከምኡ አብ ውሽጢ ዓዶም እንከለዉ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይስደዱ ከም ዝነበሩ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። አብ ታሪኽ ዝኾነት ሃገር ካብ ሰሜን ንደቡብ ካብ ምዕራብ ንምስራቕ ሰባት በብእዋኑ ይስደዱ ከምዝነበሩ ታሪኽ ዝነግሮ ሓቂ እዩ። 

ዘሎናዮ ዘመን ሓደ ካብቲ መለለይኡ ሰባት ምእንቲ ድሕነቶም ኢሎም ካብታ ዝፈትውዋ ዓዶም ከይፈተዉ ክስደዱ ንርኢ። ስደት ክንብል እንከሎና ብዙሕ እዩ እቲ ምኽንያት፥ ፖሎቲካዊ፥ ቍጠባዊ፥ ሃይማኖታዊ፥ ብውግእ ምኽንያት ክኸውን ይክእል እቲ ኾይኑ እቲ ኵሉ ነናቱ ክበድን ጸገምን አልኦ። ሓባራዊ ነገር አብ ኵሉ ዝርአ አብቲ እትስደዶ ዓዲ ጓና ስለ ዝኾንካ ብዙሕ ጊዜ ብካልአይ ደረጃ ኢኻ እትስራዕ መሰል ዝብሃል የብልካን ደቀባት ብፍላይ ብዙሕ ሕጊ ዘይብሎም ከም አብ ሊብያ ሲናይ ከምኡ አብ ብዙሓት ሃገራት አዕራብን ኤስያን ዝግበር ግፍዒ እምበርዶ ባህሪ ሰብ አልኦም ዘብል እዩ። ዝገርም አብ አፍሪቃ ቍጠባዊ ጸገሙ ገዲፍካ አብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘሎ አረአእያ ምስ ካልእ ክወዳደር እንከሎ ዝሓሸ እዩ። ሰብ ነጻነቱ መሰሉ ምስ ሰአነ ዓደብኡ ሕጊ ምስ ጎደለ ሓንቲ ዝገብራ ሰላም ፍትሒ እረኽበሉ እየ አብ ዝበሎ ይስደድ አብ ገለ ኸአ ነቲ ዘሎ ስርዓት ከፍርስ ብረት የልዕል ከምኡ ዓው ኢሉ ይዛረብ።

ሎሚ ሃገርና እንተ ረአና ዳርጋ ካብ ቅድሚ ነጻነት ዝነበረ ስደት ሎሚ በዚሑ እንታይ እዩ እቲ ጠንቍ ኢልና ክንሓትት ግቡእ እዩ። ብዙሓት ፍትሒ ስለ ዘየለ ገለ ኸአ ሕግን ስርዓትን ከምኡ ምሕደራን ስለ ዝጎደለ ሰባት ብፍላይ መንእሰያት ንስደት መሪጾም ይብሉ። ገለ እውን ቍጣባዊ ጸገማት ብቐሊል አብ ዓዲ ጓና ስለ ዝፍታሕ ክፍትኑ ንስደት ይኸዱ ይብሉ ገለ ኸአ ፋሽን ናይ ዘመና ኮይኑ ይብሉ። ሓንቲ ኵሉ ሰብ ዝሰማምዓላ ስደት ሕማቕ እዩ፥ ዓዲ ጓና አይንፈቐን እዩ።

እሞ ሎሚ እዞም አብ ስደት እትርከቡ ከምቲ እትደልይዎዶ ኮይኑ አሎ ወይስ ሕጂውን አይረሃወኵምን። አብ ጉዕዞ ስደት እንከለዉ አብ በረኻታት ዝተረፉ አብ ማእሰርትታት ግብጺ፥ ሊብያ ሱዳን ዘለዉ መን ይቝጸሮም። ዓዲ ጸዓዱ አቲና እናበሉ ህብስተ መና ዝጽበዩ ብዙሓት እዮም አብ ገሊኡ ግን ዝገደደ እዩ ዝጓነፍ ዘሎ፥ ብርእሰ ቅትለት ከምኡ ነነድሕድካ ምቅታል ምጥፍፋእ አብ ዘይትፈልጦ ባህልን እምነትን ጥሒሎም ዒቕ ዝብሉ ውሑዳት አይኮኑን። ልዕሊ ዅሉ ሃይማኖት ባህሊ ክብሪሰብ ጠፊኡ ዝገደደ ንርኢ አሎና። እዚ ክብሃል እንከሎ አብ ስደት ዘለዉ ኵሎም ጸጊምዎም አለዉ ማለት አይ ኮነን ሳላ አብ ስደት ዘለዉ እዮም መብዝሕትኦም ዝሓልፍዎ ዘለዉ እዚ እውን ሓደ ካብቲ ጠንቂ ስደት እዩ።

ሎሚ ነዚ ናይ ቅድስት ስድራ ስደት ክንዝክር እንከሎና ብፍሉይ ንዅሎም ስደተኛታት ብፍላይ ነሕዋትና ብሰንኪ ስደት አብ ከቢድ ጸገም ዝርከቡ ክንጽልየሎም ክንሕግዞም ይግባእ።   

ማቴዎስ ወንጌላዊ ሄረዱስ ንጉሥ ልደት ኢየሱስ ንጉሥ አይሁድ ካብ ሰብአ ሰገል ምስ ሰምዐ ተረቢሹ ይብለና ቀልጢፉ ዝሓሰባ ከመይ ገሩ ከም ዝቐትሎ እዩ። ሰብአ ሰገል ምስ ረኸብዎ ክነግርዎ ዝተጸበዮም ብኻልእ መገዲ ምስ ከዱ ከም ዝጠለምዎ ምስ ፈለጠ አብ ቤተ ልሔምን ከባቢአን ዝነበሩ ካብ ክልተ ዓመት ንታሕቲ ንዝነብሩ ሕጻናት ኵሎም ወተሃደራቱ ልኢኹ ክቕተሉ አዚዙ። ኢየሱስ ሕፃን ግን መልአኽ ንዮሴፍ ብሕልሚ ነዲኡን ሕፃንን ሒዙ ክሃድም ምስ ተነግሮ ዮሴፍ ሒዝዎም ንግብጺ ንስደት ሃዲሙ።

አብዚ ፍሉይ ነገር ክንፈልጦ ዝግብአና ነገር አሎ ምድረ ግብጺ በቲ እዋን ሓደ ካብቲ ሰባት ብዝያዳ ድሕነትን ሰላምን ዝረኽቡሉ እዩ ነሩ። አብ ታሪኽ ብሉይ ኪዳን ከም እነንብቦ አብርሃም ንስደት አብ ግብጺ ከይዱ፥ እስራኤላውያን ደርቂ ከጥቅዖም እንከሎ ዕዳግኦም ካብ ግብጺ እዩ ነሩ፥ ያዕቆብ ምስ ደቁን ጥሪቱን ንምድረ ግብጺ ተሰዲዱ ህዝቡ አብ ግብጺ 450 ዓመት ተቐሚጦም፥ ሙሴ ንእስራኤላውያን ካብ ምድረ ግብጺ መሪሑ ንምድረ ተስፋ ወሲድዎም። አብ ጊዜ ኢየሱስ ብዙሓት እስራኤላውያን አብ ግብጺ ዝቕመጡ ነሮም ቅድስት ስድራ ክትስደት እንከላ አፍልጦ ነርዋ እዩ። አለክሳንድርያ ሓንቲ ካብተን ባህሊ አይሁድ ብብዝሒ ዝርከበን ታሪኻዊ ቅርስታት ዘልአ እያ። ስለዚ ንግብጺ ክስደዱ እንከለዉ አብ ዝፈልጥዎም ከምኡ ድሕነቶም ብዝያዳ ዘረጋገጹሉ ዓዲ እዮም ከይዶም።

ምድረ ግብጺ አብ እዋን ቅድስት ስድራ ዓዲ ፍትሕን ሰላምን ተቐበልቲ ጋሻን ጽጉምን እዮም ነሮም፥ ሮማውያን ክገዝእዎም እንከለዉ ነቲ ዝነበረ ባህሊ አየጥፍእዎን በዚ ኸአ ብዙሓት ዓለታት አብ ግብጺ ይነብሩ ነሮም። ሎሚ ግን ካብተን ዝኸፍአ ሃገራት ጨካን ግፍዒ አብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘውርዳ እያ ኮይና ዘላ። ኵልና ከም እንፈልጦ ክንደይ አሕዋትና ኵሊቶም ክወስዱ አብ በረኻታት ሲናይ ዘይተዘልዘሉ፥ ክንደይ አሽሓት ገንዘብ ዘይከፈሉ እዚ ንታሪኽ ዝግደፍ ግፍዒ ጸሊም ታሪኽ እዩ።

አብ ስደት ቅድስት ስድራ እንተ ረአና አብ ጉዕዞ ዝተፈላለየ ጸገማት ይወርዳ ከምዝነበረ ኵልና ክንግምቶ ንኽእል ጽምኢ ጥመት ልዕሊ ዅሉ ፍርሒ ከምኡ ዕሸል ሕጻን እሞ ሓንቲ ዘይብሎም ንርእሱ ክትርድኦ ከቢድ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ዝመስል አብ ዘመነ ፍልሰታ አብ እንጽልዮ “ንወድዂ አዘክርዮ ነቲ ኵሉ ዝወረደ ግፍዒ ንኹሉ ንብዓትኪ አዘክርዮ. . .” እናበልና ንጽሊ።

ሄረዱስ ታሪኹ ከም ዝነግሮ ብሮማውያን ዝተሾመ ብፍርቂ መወለድ አይሁድ ከምዝነበሮ እዩ። ንሱ ብጭካኔኡን ብኽፍአቱን ፍሉጥ እዩ ነሩ። ክልተ ካብ ደቁ ንስልጣነይ ክግምጥሉ ሓሲቦም ብዝብል ቀቲልዎም። አብ ጊዜ ሞቱ ብጭካኔኡ ዝበኸየሉ ከምዘየሎ ፈሊጡ ብዙሓት ገፊፉ አቕቲሉ አብ ሞቱ ሰብ አብ ሓዘን መታን ክርከብ ካሳብ ክንድዚ እዩ ጨካን ነሩ።

ግን ገለ ጽቡቕ ነገር እውን ነርዎ እዩ ካብቲ ዝፍለጥ አብ ጊዜ ንግስነቱ ጥሜት ምስ ወረደ ነቲ አብ መንግስቱ ዝነበረ ወርቂ ሸይጡ ንህዝቢ መግቢ ገዚእሉ። ነይሁድ ክሳብ አብ ጊዜ ኢየሱስ ዝነበረ ሓደ ካብቶም ዘደንቑ ህንጻታት ዓለም ዝኾነ ቤተ መቕደስ ዝሃነጸ ንሱ እዩ።

ጨካን ሄሮዱስ ልደት ኢየሱስ ምስ ሰምዐ ልቡ ተረቢሹ። መድኃኔ ዓለም ምስ ተወልደ መላእኽቲ መልእኽቲ ሰላም ዘሚሮም፥ ጓሶት ከምኡ ሰብአ ሰገል ነቲ ብአምላኽ ዝተገልጸሎም አሚኖም ህያባቶም ሒዞም ቀሪቦም ሰጊዶምሉ ሄሮዱስ ግን አብ ስልጣነይ ዝወዳደር ተወልዱ ኢሉ ንቕትለቱ ተበጊሱ። አብዚ ኹሉ ዘብጽሖ ፍርሒ እዩ። ንኢየሱስ ክቕበል አይደለየን። ንሱ ንጉሥ ገዛእ ሃገር እነክሎ ፈሪሑ ሰብ አብዚ ዓለም ዝለበሰ ስልጣን ይልበስ ዋሕስ ክኾኖ አይክእልን እዩ።

ሄሮዱስ ዝፋኑ ክሓድግ አይደለየን አብ ዓለም ብዙሓት መንበር ዙፋን ምስ ሓዙ ክሓድጉ ከቢድ እዩ። ዓለማዊ ስልጣን አብ ህርፋንን ክብርን አነ አብዝብል መንፈስ ምስ ወረደ ፍሪኡ ፍርሒ ዘይምትእምማን ኵሉ ቀታሊ ኮይኑ ስለ ዝርአ ሽዑ ንዝኾነ ዓቢ ይኹን ንእሽቶይ ከጥፍኡ ይርአዩ።

አብ ርእስና ክንምለስ “ከምዝፋን ገርና አብ ሕይወትና ከይንሓድጎ ዝኸብደና እንታይ አሎና” ሰብ ዝፈርሕ ሕይወቱ ባዕሉ ዋንአ ኮይኑ ብዘይ አምላኽ ክነብር እንከሎ ጥራሕ እዩ እሞ ፈራሕ ዘሎዅ አብ መነ እየ ዝአምን ዘሎዅ ክንብል ግቡእ እዩ።

ሄሮዱስ ፍርሒ አብ ቅትለት ሕጻናት አውሪድዎ ዝገደደ እቲ ክቐትሎ ዝደለ ሕጻን ሃዲሙ እቶም ሽዑ ዝተቐትሉ ሕጻናት አብ ክንዲ ኢየሱስ ስለ ዝሞቱ ብቤተ ክርስትያን ቀዳሞት ሰማዕታት ተባሂሎም ይፍለጡ። አብ ኃጢአት ዝነብር ሰብ ዓይኑ አይርእይን ሕልንኡ ሓቂ አይርከቦን ድሁል መንፈስ ሒዙ ቀልባዕባዕ እዩ ዝብል። አብ ሕይወቱ ምትእምማን ስለ ዘይብሉ ርኡይ ፍርሒ የርኢ እዚ እዩ ንሄሮዱስ ጸገሙ። አነ ሎሚ ጸገመይ እንታይ እዩ?

ሄሮዱስ ነቲ መደብ አምላኽ ክቕይር ደው ከብል ፈቲኑ እዚ ኸአ ስራሕ ሰይጣን እዩ። ሎሚ ንሕና ስራሕ ኢየሱስ አብ ልብና ክዓቢ ነፍቅዶ? አብ ሰባት ንስራሕ አምላኽ ደው ክነብል ንፍትንዶ? ብዙሓት ብሰንኪ ካልኦት ብዝገብርዎ ካብ አምላኽ ርሒቖም አብ ጸልማት ሕልና ዝነብሩ ውሑዳት አይኮኑን። እዚ ብዘረባ ብግብሪ ብምኽሪ ብሕማቕ አብነት ክኸውን ይኽእል እዩ። እሞ ብዝኾነ ምኽንያት ብአይ ምኽንያት ካብ አምላኽ ዝተዓግተ ሰብ አሎዶ እስከ ንበል።

አምላኽ አይስዓርን እዩ ወላእኳ ክንሽፍት ክንጠልም እንተ ደለና ንመደቡ ክንቅይር አይክአልን እዩ። ሄሮዱስ ንኢየሱስ ከጥፍእ ፈቲኑ እንተኾነ አምላኽ ብመልአኹ ንወዱ አድሒኑ። አብ ርእስና ክንምለስ አብ ጽንኵር እዋናት አብ ኢድ ኢየሱስ ክንሓድጎ ጽቡቕ እዩ። ምሉእ እምነት ገርና ክንጉዓዝ ከሎና አምላኽ ምሳና አሎ። ተጻብኦ ፈተና ድኽመት ክገጥመና ግድን እዩ ሽዑ ብዝያዳ አብ አምላኽ ክንምለስ ይግብአና።

ነዚ ብዓል ክንዝክር እንከሎና አብ ዓለምና ብፍላይ አብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ዓመጽን ስደትን ደው ክነብል ከም ክርስትያን ብክርስትያናዊ መገዲ እንታይ ገርና እንታይከ ክንገብር ይግብአና ኢልና ምስ ነፍስና ክንዛረብ አሎና። ግፍዒ ዓመጽ ሕግን ስርዓትን ክፈርስ እንከሎ ሱቕ ኢልካ ምርአይ አብ ክፍአትን ኃጢአትን ንሰምር አሎና ማለት እዩ።

እንታይ ንግበር? ከም አመንቲ መጀመርያ አብ አምላኽ ንመለስ። እመነትና ከመሎ? ምስ አምላኽ ከመይ ዝበለ ርክብ አሎኒ? ንጽጉማት ክሕግዝ ዝገበርክዎ ነገር አሎኒዶ? አብ መንጎ ህዝብና ሰላም ምትሕቝቓፍ ክነግስ እንታይ አበርክቶ ገረ? እናበልና ምስ ሕልናና ክንዛረብ ይግባእ። ንኻልኦት ምፍራድ ከምዚ ዘይገብሩ ከምዚ ዘይከውን እናበልካ ንስምዒት ሰባት ክትከስብ ዝዝረብ ፍሪኡ ዘረባ ጥራሕ እዩ። ጸገም ክንፈትሕ ኮፍ ኢልና ክንክእል አሎና። ባህልና ምልስ ኢልና እንተ ጠመትና ዝኾነ ጸገም አሕዋት አብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ተአኪቦም ንአምላኽ ሒዞም ወይ አብ ባይቶ ተአኪቦም እዮም ዝረዳድኡን ዝፍትሑን ነሮም። ሎሚ እቲ ዝኸበደ ኮይኑ ዘሎ እምነትን ባህልንን ብተወንጫፊ ባህሊ ጓና ብእንተርነት ዝመጸ ተተኪኡ፥ ባህልን እምነትን ዘይብሉ ህዝቢ ግን ጨው ከምዘይብሉ መግቢ እዩ።

ባይቶ ዓደቦ መበቆል ሰላምን ሕግን ስርዓትን እዩ፥ አብኡ ፍትሒ ይርከብ አብኡ ጽጉም ይርዳእ ዝተዓገበ “እዝግሄር የርእዅም” ዝበለ ሰማዒ አሎ። ዘሎናዮ እዋን ዝሰምዕ ዝእክብ ተሳኢኑ ዘሪጋታት በዚሖምን ከም ደቂ ዛግራ አብ ፈቐዶ ንዋረድ አሎና ስለዚ አብ አምላኽን አብ ስርዓትናን ንመለስ።

ቅድስት ስድራ እዋኑ ምስ በጽሐ እቲ ንሕጻን ክቐጥል ዝደሊ ዝነበረ ምስ ሞተ ንዓዳ ተመሎሳ ንሕናኸ ከመይ እዩ ዕጫና። አብዚ ፍሉይ ሓሳብ ክነእቱ የድሊ። ስደትና ብዝያዳ ዘሳቕየና ዘሎ ካብ አምላኽ ምስዳድና እዩ። አብ አምላኽ ቀሪቡ ኃጢአቱ ዝንሳሕ ተሳኢኑ፥ ሰብ ንኽፍአትን ጥልመትን ናተይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ፥ ብሓጺሩ ከም ቀዳሞት ወለዲ ዳርጋ ብዘይ አምላኽ ይሕሸኒ ኢልና ናትና ደምበ ዝፈጠርና ኮይኑ እዩ ዝርአየካ፥ ስለዚ መጀመርያ ካብዚ ስደት ኢና ክንምለስ ዘሎና። አብ አምላኽና አብ ቤተ ክርስትያና አብ ስድራና አብ ባህልናን እምነትናን ክንምለስ አሎና። ነዚ ተግባራዊ ክንገብር ነፍስ ወከፍና ምስሕልናና ክንዛርብ ክንክእል አሎና። ናይ ካልኦት ድኽመትን ጥልመትን ኃጢአትን ካብ ምርአይ ደው አቢልና መጀመርያ ንርእስና ንርአ።

ሓቅን ፍትሕን ሕግን ክነግስ ብምሉእ ልብና ክንጽዕር አሎና። አብ ዓደቦና ሰላም ክነግስ ሰብ ሃገሩን ባህሉን ከኽብር ሰላም የድልዮ። እፎይ ኢሉ ዝሓድረላ ቤቱ ተድልዮ። ነዚ እንገብር ንሕና ኢና። ክንዛረብ ክንእከብ ክንማኽር የድሊ። ተጓኒጽካ ተጻሊእካ ዝሕለፍ ጉዳይ አይኮነን ። መአዲ ዘተ ክኽፈት ባይቶ ዓዲ ክትከል ይግባእ። ባይቶ ዘይብሉ ዓዲ ፍሪኡ ሕጊ አልቦ ዓመጽ ዝበዝሖ እዩ ዝኸውን ስለዚ ዓድና ዓዲ ባይቶን ሕግስን ስርዓትን ንግበሮ።

ሰብ ሰላም ሕጊ ስርዓት ምስ ሰአነ ዝኾነ እዩ ዝገዝኦ ሰይጣን እውን ይገዝኦ እዩ ስለዚ አብ አምላኽ ንመለስ ንስኻ ኢኻ ፈጣሪና ኢልና ናይ ንስሓ ስርሓ ደጊምና አብ አምላኽናን አብ ገዛና ዝኾነት ቤተ ክርስትያና ንመለስ። ከም ቅድስት ስድራ አብ ዓዳ ዝተመልሰት አብ ቤትና አብ አምላኽና ንመለስ።

ኦ ማርያም አደና ንዅሉ ስደትን መከራን አብ ሕይወትኪ ብእምነት ዘሕለፍኪ ሎሚ ንሕና ስደኛታት ደቅኺ አብዚ ስደት ዝመልኦ ምድራዊ ሕይወትና ብእምነት ሰንከል ከይበልናን ክነብር ከምኡ አብ ወድኺ ዘሎና እምነትን ፍቕርን አዕቢና ንጽጉማት አሕዋትና ብነፍስን ብሥጋን ክንረድእ ጸልይልና ንብላ።

ብሩኽ ብዓለ ቍስቋም

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

 








All the contents on this site are copyrighted ©.