2015-11-14 17:14:00

ዓውደ ጉባኤ ካቶሊካዊ ስነ ትምህርቲ፦ መንነት ሕቶ ደኣ እምበር ምኽንያት ግርጭት ኣይኰነን


ዝምባለ ርእሰ ምክልኻል ብዘወግድ ንመጻኢ ዝኣመተ ዳግማይ ሕስቦት መንነት ክርስትናን እሙን ምስክርነት ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ነቲ ካብ ዕለት 18 ሕዳር ክሳብ ዕለት 21 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ንኽካይድ ዝተወሰነ ናይ ካቶሊካዊ ስነ ትምህርቲ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ዕለት 13 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተውሃበ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ሓቢሮም።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዛዕባ ስነ መዕበያን ከምኡ ኣውን ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ሕጊ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዛዕባ ስነ ካቶሊካዊ ስነ መዕበያ ዝምልከት Ex Corde Ecclesiae-ካብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን” ብዝብል ኣርእስቲ እተሰምየ ብዛዕባ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዝሃብዎ መምርሓዊ ውሳኔ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምኽንያት ዝካየድ ምዃኑ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኦንዳርዛ ኣስዒቦም፦

ብድሆታት ንካቶሊካዊ ስነ መዕበያ (ስነ ሕንጸት)

ካብ 62 ሃገራት ዝተዋጽኤ 149 ኣብ ብድሆታት ንካቶሊካዊ ሕንጸት ኣማእኪሉ ዝቐረበ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ኣኼባ መካየድ ሰነድ፣ ተማላኢ ስነ አምዕበያ፣ ሕንጸት እምነት፣ ኣልቦ ሃይማኖታዊ ባህሊ ኅብረኣውነትን ዘተን ምስክርነት ኣብቲ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ስንኩፍ ዝዀነሉ ቦታ ዝዕንቅፍን ጸረ ቅቡልነት እውን እንተዀነ ሓቂ ናይ ምንጋር ትብዓት ደጋዊ ክፍለ ከተማታትን ህልውናን ድኻታታን ዘጠቓልል ሕንጸት ከም ኣገልግሎት ክስትውዓልን መንነት ብመሃዝነት ተግባርን ዝብሉ ሓሳባት ዘጠቓለለ ልዑል ሕንጸት ንምርኻብን ንምትሕብባርን እተሰምየ ኣቢያተ ትምህርቲ ዋና ኣመሓዳርን ሮማ ኣብ ዝርከብ ሉምሳ መንበረ ጥበብ ፕሮፈሰር ኢታሎ ፊዮሪኒ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣበኪሮም፦ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ መንነት ዝምልከት መንነት ሕቶ ደኣ እምበር ምኽንያት ግርጭት ከምዘይኰነ ዘነጽር ልልያ ኣሎ ከምዝበሉ ሓቢሮም።

ዘተ ርእሰ መንነት ብዘይምኽሓድ

ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ናይ ገዛእ ርእሰን መንነት ከይከሓዳ ክዝትያትን ክነጻጸራን ንኣብነት ምስቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝመሓላለፍ ዘሎ ትምህርቲ ብዛዕባ ስነ ስምዒታዊ ጾታ ብኸመይ መገዲ ክቐርብ ኣለዎ? ንእወታዊ ኣተሓሳስብ ምቕባልን ፍቕሪ ብምምስካር ፈላላይ መናድቕ ክዓንው ምድጋፍ ተኣማንነት ዘውህብ እዩ፣ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ ዕቃቤ መንነት ካብ ግጭትን ምርሕሓቅን ዝድርኽ ብምዃኑ እዚ ዓይነት ዕቃቤ መንነት ክውገድ ከምዘለዎ ኣብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ካቶሊካዊ ሕንጸት ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ጁሰፐ ቨርሳልዲ ከምዝገለጺ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኦንዳርዛ ኣመልኪቶም።

ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣቢያተ ትምህርቲ ካቲሊካውያን

ድኅረ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክሳብ ሕጂ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ትምህርቲ ናብ 95 ሚእታዊ ክብ ክምዝበላን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ 500 ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ተቛማትን 1350 መናብርተ ጥበብን ብጠቕላላ 1860 ከምዝዀና ናይ ካቶሊክዊ ትምህርቲ ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ቪቸንዞ ዛኒ ከምዝገለጹ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኦንዳርዛ ኣስዒቦም፦

ዕለት 21 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ተጋባእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ክራኸቡ እዮም

እቲ ዕለት 21 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ዝዛዘም ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃበረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተጋባእያን ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቦምን መሪሕ ቃል ከምዝልገሰሎምን ቅዱስ ኣቦና ናይ ካቶሊካዊ ስነ መዕበያ ጉዳይ ዝኸታተል ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ተቛሞ ካብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን እተሰምየ ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ውሳኔ ደጋፊ  ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ስደተይናታት መዕቆብን ንድኻታት መደብ ሕንጸት ዘቕርብ ማሕበር ዕለት 28 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ከምዘቖሙ ዝዝከር ምዃኑ ኣመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.