2015-11-17 16:19:00

ፓሪስ፦ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ኣብ ኖትረ ዳም ካቴድራል ስለ እቶም ኣደዳ ግብረ ሽበራ


ዕለት 15 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ኖትረ ዳም ስለ እቶም ዕለት 13 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ብዘስካሕክሕ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ንጹሓን ዜጋታት መንግስቲ ፈረንሳ ብዝኣወጀ ብሔራዊ መዓልቲ ሓዘን ምኽንያት ናይ ፓሪስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንድረ ቪንግት ትሮይስ ዝሰርዕዎ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ከምዝዓረገ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ቅድሚ እቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይታ ካቴድራል ደወል ንቐጻሊ 15 ደቓይቕ ከምእተደወለን ኣብቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ፈረንሳ ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበርን ናይ ሕዝባዊ ባይቶ ኣቦ መንበርን ናይ ከተማ ፓሪስ ከንቲባ ኣነ ሂዳልጎን ናይ ፈረንሳ ነበር ርአሰ ብሔር ቫለርይ ጂስካርድ ደስታኢንግን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወኪሎም ድማ ኣብ ፈረንሳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ቨንቱራ ከምእተሳተፉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፦

ካርዲናል ቪንግት ትሮይስ፦ እቶም ግብረ ሽበራ ዝፈጸሙ ፈረንሳውያን ደቃትና ስለምታይ ጂሃድነት ዝመረጹ

ኣብ ፈረንሳ ዝተወልዱን ኣብ ፈረንሳ ዝዓበዩን ባህላን ሕንጸታን ዘዕበዮም ክነሶም ከመይ ቢሉ እዩ እቲ ሓቅነት ዘይብሉ ካሊፋት ዝሓርዩን እንታይ እዩ ነቲ ጉጉይ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ዘሕርዮም፣ እቲ ሕቅነት ዘይብሉ ኣረመን ካሊፋት ዝነዝሖ ናይ ዓመጽ ግብረ ገብን ማሕበራዊ ዓመጽ ጎስጓሳቱ ሓሪኻ ክሳብ ሕይወትካ ነዚ እከይ ግብረ ገብ ዝዀነ ዕላማ ምስዋዕ ዝድርኽ እንታይ እዩ? ብርግጽ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ዝለ ዘጸግሞም ዝብል ሕዉኽ ቀሊል መልሲ ዋቕዕ ኣልቦ እዩ። ምእንቲ’ዚ ፈረንሳውያን ካብ ከርሲ ፈረንሳ ዝወጹ ክነሶም ነቲ ጉጉይ ዕላማ ክሳብ ሕይወት ምስዋዕ ዝድርኾም ምርጫ እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ዘማእከለ ምስትዓል ዝተመልኦ መልሲ የድሊ። ብዙሕ እዋን እዚ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ክኽሰት እንከሎ ኵላትና ናይ ረፓብሊካዊት ፈረንሳ ክብራት ዋጋታ ዝበሃሉ ብትረት ነቃልሕ ኰይኑ ግና እቶም ክቡራት ዋጋታት ቢልና እነረጋግጾም እንታይ ዓይነት ክቡራት ዋጋታት ምዃኖም ገዛእ ርእስና ንሕተት ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

መንግስቲ ነቲ ዘሎ ህልዉ ኵነታት ዓቢይ ግምት ብምሃብ ጽኑዕ ናይ ጸጥታን ሓለዋን መስርሕ ይኽተል ኣሎ፣ ኣብ መላእ ፈረንሳ ዝትግበር ናይ ሓደጋ እዋን ሕጊ ኣዋጅ የተግብር ኣሎ፣ ካቴድራልን ከምኡ እውን ኣቢያተ መዘክራት ክዕጸዉ ተገይሩ ኣሎ፣ ብሓቂ ዕለት 13 ሕዳር 2015 ዓ.ም. መላእ ፈረንሳን ዘናወጸ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ እዩ፣ ኣብ ዓለም እውን ዓቢይ ርእሰ ጉዳይ ኰይኑ ኣሎ። እቲ ኣብቲ ካቴድራል ዘተኣኻኸበና ብዛዕባ እዚ ንምዝራብ ዘይኰነስ ነቶም ብግብረ ሽበራ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ክንዝክርን ስለኦም ክንጽልን ናይ ሕዙናት ስድራ ቤት ስቓይ ተኻፈልቲ ምዃንና ንምምስካር እዩ ዝበሉ ብፁዕነቶም ነቶም ከቢድን ፎኪስን ማህሰይቲ ዝወረዶም ድማ እግዚኣብሔር ቅልጡፍ ፍወሲ ክጽግዎም ንጸሊ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.