2015-11-22 16:29:00

ሕያዋይ ካህን ም እመናኑ የፍቅር፣ አፍቃሪ እምበር ፈጺሙ ደረቅ ክኸውን የብሉን! ር.ሊ.ጳ


አብዚ ዓመት እዚ መብዛሕትኡ ናይ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ሰነዳት መበል ሓምሳ ዓመት ዝበዓለሉ ግዝያት ምዃኑ ዝዝከር ኮይኑ ንሥነ መዕበያ ካህናት ዝምልከታ ኦፕታታም ቶትዩስን ፕረስብይተሮሩም ኦርዲኒስን ናይ ዝብላ ሰነዳት መበል ሓምሳ ዓመት ንምዝካር ንካህናት እትኃሊ ማኅበር ቅድስት ቤተክርስትያን ሰፊሕ ጉባኤ ከምዘካየደት ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ፣

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ንተሳተፍቲ ናይዚ ጉባኤ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረቡሉ ግዜ “ካህን ማለት ሓደ ደረቅ ሠራሕተኛ ጕስነት ዘይኮነስ ወትሩ አብ ጐኑ ም እመናኑ ኮይኑ ከም ሓውን አቦን ኩሉ ዝቀርብዎን ናይ ሓጐስ ወንጌል ሓዋርያን ክኸውን አለዎ” እንክብሉ ካህናት አብነት ክርስቶስ ብምቅባል ሩኅሩኃትን መፍቀርትን ክኾኑ እምበር አብ ደረቅ ሕጊ ተጸጊዖም ክደርቁ ከምዘይብሎም አዘኻኺሮም፣

ካህን ብሥራት ወንጌል ክእውጅ ካብ ዝጀመረላ አምሳል ወንጌላዊ ታሕጓስ እምበር ካልእ ክኸውን አይክእልን፣ ምናልባት ካብዚ ሸተት ቢሉ ጥቅሚ ክደሊ ሃነፍነፍ እንተበለ እዚ ናይ ልኡከ ክርስቶስ ባህርይ ከምዘይኮነ ብ አጋኡ ክርዳእ የድሊ፣ ብሃውሪ ዝበቈለ ቃንጥሻ አይኮንኩምን፣ ጸዋዕታኹም አለልዩ፣ ካህን ካብ ሰባት ተመሪጹ ናብ ሰባት ዝለአኽ እዩ፣

“ካህን አብ ሃዋህው ደቂሰባት ዝውለድ ሰብ ኮይኑ ሰብአውን መንፈሳውን መዕበያ ካባኡ ይረክብ፣ ካህናት እውን ታሪኽ አለዎም፣ አብ መዓልቲ ክህነቶም አብቲ መንበረ ታቦት ዝበቁሉ ቃንጣሻ አይኮኑን፣ አብ ሓደ ዕጽው ኩነት ዝተኰስኰሱ ካህናት ከይትጽበዩ፣ ሥነ መዕበያ ካህን አብ ሥድራቤት ይጅምር እምነትን ተመኵሮን ሥድራቤት መባእታ እዩ፣ ሕያዋይ ካህንከስ አብ ማኅበረሰባዊ አከባቢ ዝዓበየ ኮይኑ ምሉእ ሰብ አውነት ዝለበሰ እዩ፣ ካህነት ብጸገማቶምን ውስንነቶምን ንምእመናን ተጽ ዕኖ ከይኮኑ እኳ ደአ ብኩሉ ኩሉ ውፉያት ክኾኑ የድሊ፣ ሰላማዊ ካህን ህዱእ ካህን ወላ አብ ጽንኩር ኩነታትውን ጣዕሚ እግዚአብሔር ብምስትምቃር ቅሳነትን ሰላምን ክዘርእ ይኽእል፣ ካህን ሕዙን ክኸውን ሓራቅ ክኸውን ዓጺቅ ጠባይ ክርኢ እንከሎ ንገዛእ ር እሱስ ይኹን ንም እመናኑ ጸገም እዩ በጃኹም በዚ ጠባያት እዚ ገርኩም ንም እመናን ካብ ምግራፍ ተቈጠቡ፣” እንክብሉ ምስ ተማሕጸኑ፣ እዚ ከአ ብመሠረቱ ካብ ሥድራቤት ጀሚርካ አብ ዘርአ ክህነታት እውን ከይተረፈ መሠረታዊ ኵስኰሳን ሥነ መዕበያን ከምዘድሊ አዘኻኺሮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.