2015-11-26 16:06:00

መላእ ሕዝቢ ኬንያ ናብ ቅዱስነቶም


ሐዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኬንያ መንፈስ መላእ ሕዝቢ የወዓውዕ ኣሎ፣ ኣዚ ድማ ኣብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዝራአይ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ሕዝቢ ኬንያ ዝርአይ ዘሎ መንፈስ ምዃኑ ኣብ ኬንያ ሊቪንግ ሲትይ ናይ እተሰምየ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢት ሊሊያነ ሙጎምቦዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ገሊጸን።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብኬንያ ዝጀመረ ብምዃኑ ንኬንያን ሕዝባን ዓቢይ ጸጋ እዩ፣ እዚ ምብጻሕ ካልአ ክርስቶስ ኣብ ኬንያ እቲ ንሶም ዝነብርዎ ሓሴትን ተራ ሕይወትን ወንጌላዊ ሕይወት ዘነቓቕሕን ነቲ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘጋጥሞ ዘሎ ኰለ መዳያዊ ብድሆታት ንምብዳሕ መርሕ መገዲ እዩ። ምስ ናይ ፖለቲካን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕትን ከምኡ እውን ምስ ዝተፈለዩ ናይ ብሔራትን ባህልን መራሕቲ ክራኸቡ እዮም እዚ ድማ ኩሉ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃን ዓለምን ዘጋጥም ዘሎ ግብረ ሽበራ ዝወልዶ ዓመጽን ቅልውላውን ንምውጋድ ዘተባብዕ እዩ። ቃሎም ብኹሉ ሕዝቢ ተሰማዕነት ክረክብ ተስፋ ንገርብ ኢለን ኣስዒበን ድማ ቃሎም ኣብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ዝሕጸር ዘይኰነስ ኩላውነት ባህርይ ዘለዎ እዩ። ምስቶም ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት እውን ክራኸቡ እዮም፣ ስለዚህ ቃሎም ኣብ ኩሉ ከምዝቃላሕ ርግጸይና እየ ይብላ።

ናብ ድኻታትን ዝተነጸሉን ዝተናዕቁን ኣብቲ ፈራስ መራስ ገዛውቲ ዝነብሩ ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከብ ሕዝቢ ናብቲ ዝቕመጦ ከባቢ ከይዶም ክራኸቡን መጸናንዒ ቃል ክልግሱን እዮም፣ እቲ ዘስምዕዎ ቃል ድማ ቃል ጥራሕ ዘይኰነስ ፍትሕ ዘእውይ እውን እዩ። እቲ ካብ ሰብ ዝኽወል ካብ እግዚኣብሔር ግና ዘይክወል እዩ። ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ክሕለወሎም ድማ ጻውዒት ከቓልሑ እዮም፣ ኣብ መንጐ ሕዝቢ ብደረጃ እቶት ኤኮኖምን መነባብሮም ምግምማዕ ምፍጣር ንገዛእ ርእሱ ውግእ እዩ። እዚ ውግእ’ዚ ብምትሕብባርን ምቅርራብን ምትሕልላይን እዩ ዝውገድ ቅዱስ ኣቦና ድማ ናይዚ ሓቂ’ዚ ሕያው ቃል እዮም፣ ኣፍሪቃ ንቕዱስ ኣቦና እተቕርቦ ዓቢይ ህያብ ሰብኣው ፍቕሪ እዩ፣ እዚ እቲ ዝዓበየ ሰብኣውነት እዩ እንክብላ ዘካይድኦ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.