2015-11-26 18:42:00

ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ አብ ናይሮቢ - ፋልማይ ሓውጾተ ኖልዎ አብ አፍሪቃ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ አብ ሰለስተ ሃገራት አፍሪቃ ንዝግበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ንምጅማር ትማሊ ካብ መንበሪኦም ከተማ ቫቲካን ተላዒሎም በቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተን አርብዓን ናብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ፍዩሚችኖ ምስ በጽሑ ምስቶም ከፋንውዎም አብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ናይቲ ከባቢ ጳጳስ ዝኾኑ ናይ ፖርቶሳንታ ሩፊና አቡን ብፁዕ አቡነ ረአሊ ከማኡ እውን ናይ ሲቭልን ወታሃደራትን ኃለፍቲ ሰላም ተባሃሂሎም አብታ ነፋሪት ምስ ደየቡ ከአ ቅድሚ ንውሽጢ ምእታዎም  ኢዶም እናወዛወዙ ሰላምታ ድሕሪ ምቅራቦም ጸላም ቦርሳኦም ሒዞም ነቲ ነዊሕ ምስንዳእ ዝተገብረሉ ናይ መጀመርያ ሓውጾተ ኖልዎ ናይ አህጉር አፍሪቃ ንምጅማር ንከንያ ገጾም ሰዓት ሾመንተ ነቂሎም፣ ድሕሪ ናይ ሸውዓተ ሰዓትን ርብ ዕን በረራን 5.389 ኪሎ ሜትር ጕዕዞን ብሰላም ብናይ ኬንያ ሰዓት አቆጻጽራ ሰዓት ሓሙሽተ ርብዒ ጎደል አብ ጀሞ ከንያታ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ብሰላም በጺሖም፣ እዚ ሓውጾተ ኖልዎ እዚ ንኡጋንዳን ሪፓብሊክ ማእከላይ አፍሪቃን እውን ዘጠቃለለ እንክኸውን ከም ፍቃድ እግዚአብሔር አብ ካተድራል ባንጊ ናይ ማእከላይ አፍሪቃ ሪፓብሊክ ከተማ ናይ ኢዮቤል ምሕረት ቅዱስ ማዕጾ ክኸፍቱ ትጽቢት ይግበር፣

ቅዱስንቶም አብ ከንያ ምስ ረገጹ በቲ ትዊተር ዝበሃል ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙሓን “ሙንጉ አባሪኪ ከንያ! እግዚአብሔር ንከንያ ይባርኽ” ዝብል ሓጺር መልእኽቲ ሰዲዶም፣ ንቅዱስነቶም ሒዛ ዝተጓዕዘት ነፋሪት አልኢታልያ ዘቋረጸቶም ክልል አየር ሃገራት ጣልያንን ግሪኽን ግብጽን ሱዳንን ኢትዮጵያን ብምንባረን ንመራሕቲ እዘን ሃገራት ማለት ንናይ ዓዲ ጣልያን መራሕ መንግሥቲ ሰርጅዮ ማታረላ ንናይ ግሪኽ ፕረሲደንት ፕሮኮፒስ ፓብሎቱሎስ ንናይ ግብጺ ፕረሲድንት ዓብደል ፈታሕ አልሲሲ ንናይ ስዷን ፕረሲደት ዖማር አልበሺርን ናይ ኢትዮጵያ ፕረሲደንት ሙላቱ ተሾመን ከማኡ ከአ ንናይ ከንያ ፕረሲደትን ኡሁሩ ከንያታን ናይ ሰላምታን ሠናይ ምንዮትን ንሕዝብታት ከአ ብልጽግናን ሰላምን ዝምነ ሓዋርያዊ ቡራኬ ዘሰንዮ ተለግራማት ልኢኾም፣ አብ ነፋሪት እናተጓዕዙ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ነቶም ዘሰንይዎም ጋዜጠኛታት በብሓደ ሰላም ድሕሪ ቢሎም እዚ ጕዕዞ እዚ መንፈሳውን ንዋታውን ፍረ ክህልዎ ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ ንሕዝብታት ከንያን ኡጋንዳን ማእከላይ አፍሪቃን ንምርካብ ሕጉስ ምዃኖም ገሊጾም፣ ካብቶም ጋዜጠኛታት ሓደ በቲ ዝውረ ዘሎ ናይ ሽብራን ራዕድን ፍርሂ ዝስመዖም እንተኾይኑ ምስ ሓተቶም ክምስ ቢሎም ካብ ሰባትሲ ጣንጡ እየን ዘሰክፋኒ ክብሉ መሊሾም፣ ናይ ፋቲካን ክፍሊ ኅትመትን ዜናን ኃላፊ አባ ሎምባርዲ ንጋዜጠኛታት አብ ዝሃብዎ መግለጺ ቅዱስነቶም ከምቲ ወትሩ ቅድሚ መገሻ ዝገብርዎ ቅድሚ ትማሊ ምሸት ናብታ ጠበቃ ሮማውያን ዝኾነት እኖና እግዚ እትነ ማርያም ንምምሕጻን አብ ሕምብርቲ ሮማ እትርከብ ባዚሊካ ሳንታ ማርያ ማጆረ ከይዶም ከምዝጸለዩን ነዚ ጕዕዞ እዚ ናብ ሓለዋ እኖና እግዚ እትነ ማርያም ከምዘማዕቈብዎን ገሊጾም፣

ንቅዱስነቶም ብዓቢ ክብርን ሃንቀውታን አብ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ከንያታ ዝጽበዩ ካብ ዝነበሩ ናይ ናይሮቢ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ጆን እንጅወ ብጳጳሳት ከንያ ተሰንዮም እንክኾኑ ምሳኦም ከአ መዘምራንን ምእመናንን ብባህላዊ መዛሙርን ሳዕስ ዒትን ዕልልታን ነበረ፣ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ክሳብ እቲ ወግ ዓዊ ተቅባል ዝግበረሉ ብ እስተት ሃውስ ዝፍለጥ ቤተመንግሥቲ 19 ኪሎ ሜትር እንክኸውን ካብ መላእ ከንያ ንምቅባል ቅዱስነቶም ዝመጹ ካቶሊካውያንን ዘይካቶሊካውያንን አብ ወሰናስን እቲ ጽርግያ ኮይኖም በብይኑ ጭርሖታት ዝሓዘ ጽሑፋትን መዛሙርን ጣቅ ዒትን ዕልልታን ሳዕስዒትን አድሚቆሞ አምስዮም፣

ንምዝኽኻር ዚአክል ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ እዚ ምብጻሕ አፍሪቃ ናይ መጀመርያኦም እንክኸውን አብ ታሪኽ አር እስተ ሊቃነ ጳጳሳትን አፍሪቃን ግን ድሕሪ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካል አይን ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16ን ራብዓይ እዮም፣ መጀመርያ ንአህጉር አፍሪቃ ዝበጽሑ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ እንክኾኑ እዚ ከአ ብ1969 ዓምፈ ቅድሚ አርበዓን ሽድሽተን ዓመት ኮይኑ እዚ ምብጻሕ እዚ መበል ሰላሳን ክልተን እዩ፣ ንከንያ ብዝምልከት ግን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጥራሕ እንክኾኑ ሰለስተ ጊዜ ማለት በ1980 ብ1985 ከማኡ ድማ ብ1995 በጺሖማ ከምዝነበሩ ይዝከር፣

ሃገረ ከንያ ስፍሓታ 580.367 ትርብዒት ኪሎሜትር እንክኸውን ብዝሒ ሕዝባ 42.961.000 እዩ፣ ካብዚኦም ካቶሊካውያን 32.3% እዮም፣ 26 መንበረ ጵጵስናን 38 ጳጳስትን 925 ቍምስናታትን 6.542 ቤትጸሎታትን ይርከብዋል፣ አብ አገልግሎት ዘለው ካህናት 2.744 እንክኾኑ ካብዚኦም 914 ገዳማውያን እዮም፣ 5.505 ደናግልን ውፉያት ደቂ አንስትዮን እንክህልውዋ ብወገን ገዳማውያን ከአ 798 እዮም፣ አርባዕተ ነበርቲ ድያቆናትን 550 ም እመናን ሰበኽቲ ወንጌልን 11.343 መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስን ይርከብዋ፣ ቅዱስነቶም ካብ ጀሞ ከንያታ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ብጳጳሳትን ዝተፈላለዩ ሰበ ሥልጣን መንግሥትን ዲፕሎማሰኛታትን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖትን ተሰንዮም አብቲ አብ ቤተመንግሥቲ ዝተሰናደወሎም ናይ ክብሪ ትሪብዩን ምስ በጽሑ ናይ ቅድስት መንበርን ናይ ኬንያን ሃገራውያን መዝሙራት ምስ ተዘመረ ንክብሮም ዕሥራን ሓደን ግዜ መድፍዕ ተተዀሰ፣ ዝተፈላለየ ወታሃደራዊ ሰልፍታትን ሰላምታን ምስ ቀረበሎም፣

በቲ ተሰሪዑ ዝነበረ መደብ ቅዱስነቶም ምስ ፕረሲደንት ግላዊ ዝርርብ ንክገብሩ አብ ቤተ መንግሥት እንክአትው በዓልቲ ቤቶም ንፕረሲደንት ብክብሪ ተቀበላኦም፤ አብቲ ወርቃዊ መጽሓፍ ናይ በጻሕቲ ቤተመንግሥቲ “ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር ንሪፓብሊክ ኬንያ አብዚሑ ይባርኽ ንኩሎም ደቂ ኬንያ ከአ ሰላምን ታሕጓስን ይጸጉ” እንክብሉ ጽሒፎም ክታሞም  ምስ አንበሩ አብ ግላዊ ዝርርብ አተው፣ ማዕረ ማዕሪኦም ከአ አብ መንጎ ጕጅለ ልኡኽ ቅድስት መንበርን ሃገረ ከንያን ዘተ ተኻዪዱ፣ ጉጅለ ቅድስት መንበር ብፁዓን ካርዲናላት ፓሮሊን ፊሎኒ ታርክሰንን እንጅወን ከማኡ እውን ሊቃነ ጳጳሳት በቹ ባልቮን አንዮሎን ነበሩ፣ ግላዊ ዝርርብ ምስ ተዛዘመ አብቲ ቤት ጽሕፈት ሥድራቤት ፕረሲደንት እውን ተጸንቢሮም ምልውዋጥ ናይ ህያባት ተኻዪዱ፣

ብድሕሪዚ ቅዱስነቶም ቅድሚ ሕጂ ብዝነበሩ ፕረሲደታት ኬንያ ማለት ጀሞ ከንያታ ምስ በዓልቲ ቤቶም ከማኡ እውን ኪባኪን ናይ ሕጂ ፕረሲደንት ሃገረ ኬንያ ኡሁሩ ከንያታን በዓልቲ ቤቶምን ተሰንዮም አብቲ ቦታ አታኽቲ ናይ ቤተ መንግሥቲ ዝተናደወ ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ሰባት ከእንግድ ዝኽእል ሃገርገር ዝበለ ዳስ ብዓቢ ዓጀብን ጣቅዒትን አትዮም፣

ኩሎም በቦታኦም ምስ ሓዙ ፕረሲደንት ኡሁሩ ከንያታ ምውቅ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ አስሚዖም፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.