2016-01-14 16:33:00

ጋና፦ ካብ ጓንታናሞ ዝመጹ ጅሃዳውያን


ምስ ኣልቃይዳ ርክብ ዝነበሮም ካብ ጓንታናሞ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ናጻ ዝተለቁ ኣባላት ጅሃዳውያን ናብ ዝመጽሉ ሃገር ክለኣኹ ዝብል ውሳኔ መሰረት ክኸውን እንከሎ፣ ናጻ ዝተለቁ ክልተ ደቂ ጋና ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ጉዳይ ኣብታ ሃገር ዝተፈላለየ ርእይቶ ይወሃቦ ከምዘሎን ብዙሓት እውን ዘለዎም ፍርሒ ማለት ንናይ ሃገር ጸጥታን ድሕነትን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ሓደጋ ክዀኑ ዝከኣል እዩ ብዝብል ጥርጠራ ተቓውሞኦም የስምዑ ከምዘለዉ ናይ ጋና መራኸቢ ቡዝሓን እንክሕብራ፣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣማእኪሉ ናይ ጋና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ፦

እቶም ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናጻ ዝተለቁ ካብ ቤት ማእሰርቲ ጓንታናሞ ተለቒቖም ናብ ጋና ብዛዕባ ዝተመልሱ ጅሃዳውያን ደገፍቲ ዓልቃይዳ ካብቲ ተኸሲሶምሉ ዝነበረ ገብረ ሽበራ ናጻ እንክብል ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ብይን መሰረት ከምቶም ናብ ሃገሮም ዘይተመልሱ ብግብረ ሽበራ ተኸሲሶም ዝነበሩ ካልእቶ ደቂ የመንን ሱዕዲ ዓረብን እቶም ጋናውያን እውን ተመሳሳሊ ውሳኔ እዩ ክወሃቦም ዝግብኦ። እቶም ጋናውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱን ንኸይምለሱን ናይታ ሃገር ሕዝባዊ ባይቶ ኣይተዛተየሉን፣ ጋና ወትሩ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክፍቲ ሃገር እያ እቶም ኣሸበርቲ ግና ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣይኰኑን። ሰዓቶም ሓልዮም ዝፍንጀሩ ቦምብታት እያቶም፣ መንግስቲ ክነጽጎም ይግብኦ ኔሩ ከምዝበሉ ናይ ጋና ዜና ማዕከናት ይሕብራ።

ስግኣት ሽበራ ቦኮ ሓራም

እቶም ክልተ ተወለድቲ ጋና ኣብ ሃገሮም ምስቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ምስ ዝሰመየ ዓለም ዘናውጽ ዘሎ ጉጅለ ኣሸበርቲ ዘተኣሳሰረ ቦኮ ሓራም ጉጅለ ኣሸበርቲ ርክባት ፈጢሮም ሃገርን ሕዝብን ንሓደጋ ከቃዋልዑ ዝከኣል ምዃኑ ዝገለጹ ናይ ጋና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣስዒቦም፣ መግስቲ ዶቦት ሃገር ካብ ቦኮ ሓራምን ተመሳሳሊ ኣሸበርቲ ክከላኸልን ሓለዋ ዶብ ከሐይልን፣ እቶም ኣሸበርቲ መጥቃዕቲ ንኸይፍጽሙ ቀዲምካ ናይ ምጥንቃቕ ውሳኔ ከተግብር ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ዜና ማዕከናት ጋና የመልክታ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.