2016-02-02 16:18:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ትሑት ምዃን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ልሙድ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዕለት 1 ለካቲት 2016 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፦ ትሕትና መገዲ ቅድስና ምዃኑ ኣብ ዘብርህ ሓሳብ ኣማእኪሎም፣ ብላቲን ስርዓት ናይ ዕለቱ ካብ መጽሓፈ ሳሙኤል ካልእ ምዕ. 15 ካብ ፍቕዲ 13 ክሳብ 14ን ፍቕዲ 30ን ምዕራፍ 16 ካብ ፍቕዲ 5 ክሳብ 13ን ከምኡ እውን ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ 20 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ጭቡጥ ኵነት ታሪኽ ንጉስ ዳዊት እናጠቐሱ። ዳዊት ኣብ ጐይታ እምነቱ ኣንቢሩ ውርደት ብእሽታ ይቕበል፣ እግዚአብሔር ሓጢኣት ዝምሕር እውን እንተዀነ ምግባረ ብልሽውና ዘስዓቦ መቝሰልቲ ንምሕዋይ ኣሸጋሪ እዩ ቢሎም፦ ንጉስ ዳዊት ናብ ምግባረ ብልሽውና እንከምርሕ እግዚኣብሔር ብልኡኹ ነቢይ ናታን ኣቢሉ ነቲ ዝፈጸሞ ግብረ እከይ የብርሃሉ፣ ዳዊት ሓጢኣተይና እንተዀነ ትሑት ብምዃኑ ቅዱስ እዩ ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።

ምግባረ ብልሽውና ዘስዕቦ መቍሰልቲ ንምሕዋይ አሸጋሪ እዩ

ዳዊት ሓጢኣተይና እምበር ምግባረ ብልሽውና ኣይፍጽምን፣ ምግባረ ብልሽውና ዝፍጽም ዛዕባ ምግባረ ብልሽውናኡ ኣየስተውዕልን ። ልቢ ሓደ ኣብ ምግባረ ብልሽውና ዝተኣልከ ሰብ ናይ ምልዋጥ ጸጋ የድልዮ። ዳዊት ልዑል ልቢ ዝነበሮ ብምዃኑ ዝፈጸሞ ግብረ እከይ የስተውዕል፣ ነቢይ ናታን ንዳዊት “ዝፍፈጸምካዮ ዝምውና ንምኽዋል ሕይወት ንጹሕ ሰብ ንሞት ዳሪግካ” እታ ሴፍ ድማ ካብ ቤትካ ኣይክትርሕቕን እያ። እግዚኣብሔር ሓጢኣት ዝምሕር ኣቦ እዩ፣ ዳዊት እቲ ብምግባረ ብልሽውና ዝተአልከ ልቡ ክልወጥ ይፈቅድ፣ ብዝተለወጠ ልቢ እንተዘይኰይኑ ቁስሊ ምግባረ ብልሽውና ንምሕዋይ ኣሸጋሪ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ዓለም እንርእዮ ዘሎና ጭቡጥ ጉዳይ እዩ።

ዳዊት ኣብ ምግባረ ብልሽውና ድሮ ዝተኣልከን ምስ ወዱ ኣቤሴሎም ፊት ንፊት ይራኸብ፣ ነቶም ናቱ ዝዀኑ ድማ ኣኪቡ ካብታ ከተማ ንምውጻእ ይመርጽ፣ ናብ ኣርካ ይምለስ፣ ንድሕሪት ምንስሓብ እንተዘይኰነ ገዛእ ርእሱ ንኽከላኸል ስም እግዚኣብሔር ብኸንቱ ኣይጥቀምን፣ ህዝቡ ንኸድሕን ንድሕሪት ይምለስ፣ ይልወጥ ይንሳሕ እወ እዚ እዩ መገዲ ቅድስና። ናይ ምልዋጥ ጎዳና።

ዳዊት ኣብ እግዚኣብሔር ይውከፍ በዚ መገዲ’ዚ ኣቢሉ ድማ ካብ ሓጢኣት ናብ ቅድስትና የብል

ዳዊት እናነበዔን ገጹ ከዊሉ ነታ ከተማ ሓዲጉ ይወጽእ፣ ኣብ መገዲ ዝረአዮ ድማ የዋርዶ ነበረ። ሺምዒ የዋርዶን ይረግሞን። እግዚኣብሔር ነዚ ዅሉ ጭንቀተይ ርእዩ እቲ መርገም ናብ ጽቡቐይ ዶ ይልወጠለይ ይኸውን ይብል። ዳዊት ካብቲ ኩሉ ሓጢኣቱ ናብ ዑቕባ እግዚኣብሔርን ኣብ እግዚኣብሔር ናብ ምእማን ይምለስ።

ብዙሕ ግዜ ንሕና እውን ገለ ገለ ሰባት ኣብ ልዕሌና ሕማቕ እንክዛረቡ ገዛእ ርእስና ንክንከላኸል ሓፍ ሓፍ ንብል፣ ወይ ከኣ ከም ሺምዒ ወዲ ገራ ሕማቕ መልሲ ንህብ ንራገም።

ክርስቲያን ናይ ትሕትና ጸጋ ይሃልዎ

ትሕትና ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ከም ዳዊት ገዛእ ርእስኻ ንምውራድ ትሑት ምዃን ማለት እዩ። ገዛእ ርእስኻ ብዘይምውራድ ትሕትና የልቦን፣ ኣብ ሕይወትካ ገዛእ ርእስካ ምውራድ እንተዘይትፈልጥ ኰይንካ ክትሕት ዘይከኣል እዩ።

ኣብ መወዳእታ ዳዊት ገዛእ ርእሱ የዋርድ በዚ መገዲ’ዚ ኣቢሉ ድማ ናብ ቅድስና የምርሕ፣ እግዚኣብሔር ብመገዲ ገዛእ ርእሲ ምውራድ ንወዱ ክሳብ ኣብ መስቀል ኣዋሪዱ ንደቁን ቤተ ክርስቲያኑን ቅድስና ዓደለ። ወልደ እግዚኣብሔር ትሕትና ናብ ቅድስትና ዝመርሕ መገዲ ምዃኑ ብቓልን ሕይወትን መስኪሩልና እዩ። ዳዊት በቲ ናይ ትሕትና ተግባር ኣቢሉ ትሕትና ኢየሱስ ተነቢዩ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ስብከት፦ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንን ንኹላትናን ናይ ትሕትና ጸጋ ይዓድለና፣ ገዛእ ርእስኻ ብዘይምውራድ ትሕትና ክንበር ከምዘይከኣል እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ንኽንርዳእ ይደግፈና እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ጂሶቲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.