2016-02-02 16:26:00

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን


እቲ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክቡር ተስፋ እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ሃገረ ፊሊፒንስ ሰበኻ ሰቡ ዕለት 24 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ንቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወኪሎም ዝተረኽቡን ብቕድስነቶም ዝተሰምዩ ኣብ ምያንማር ናይ ያንጎን ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ማኡንግ ቦ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጉባኤ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ዘጠቓለለ ዘረባ ብምስማዕ ዘጀመርዎ  መበል 51 ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ዕለት 31 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ብፁዕነቶም ብዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተዛዘመ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ ብፁዕነቶም፦ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤት ዝፍነው መጥቃዕቲ ካብ ሽበራውን ኣቶሚካውን መጥቃዕቲ ኣዚዩ ሓደገይና እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱን ኣመልኪቱ።

ስድራ ቤት ክሕሎን ክነቓቓሕን ክሕብሐብን ይግባእ

እቲ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክቡር ተስፋ እዩ ኣብ ዝብል ናይቲ መበል 51 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ዝተመርሓሉ ኣርእስቲ ኣስዒቦም ብፁዕ ካርዲናል ቦ፦ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ እስያ ጥራሕ ዘይኰነስ ኣብ መላእ ዓለም ኩነቱ ዝዳህሰሰ ምንባሩ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፦ ኣብ ልዕሊ ሕይወትን ሓድነት ስድራ ቤትን ዝፍነው መጥቃዕቲ ናይ ሞት ባህሊ እንክብሉ ገሊጾም ኣብ ዓለም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ንናይ ንሳልሳይ ሽሓዊ ዓለም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብነት እያ ቢሎም፣ ኣብ ማእከል ስድራ ቤት ዝተዘርአ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤትን ሕብረተሰብ ዝጥጥዕ ሕይወት እዩ፣ ስድራ ቤት ቀዳመይቲ ናይ ቀዳማይ ቅዱስ ቁርባን ሥፍራ እያ። ስድራ ቤት ዕለት ብዕለት ህብስቲ ዝቑረሰላ ማእከል ቤተ ክርስቲያን እያ፣ ከምዚ ብምዃና ድማ ክትሕሎን ክትሕብሐብን ክትነቓቓሕን ይግባአ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንሰብኣዊ ዓቢይ ሓደጋ ንስድራ ቤት ዕንወት

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ሰለስተ ዓበይቲ ስግኣት ንስድራ ቤት እንክትንትኑ፦ ኢፍትሓውነትን ኢፍትሓውነት ምህዳርን ኢፍትሓውነት ኤኮኖምን እንክብሉ ይገልጹ፣ እቲ ኣዚዩ ሓደገይና ስግኣት እቲ ንስድራ ቤት ዘዕንው ፈተነ እዩ።

ቅዱስ ቁርባን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘሎ ሓድነት የበርትዕ

ብፁዕ ካርዲናል ቦ እቲ መበል 51 ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ጠቒሶም እቲ ጉባኤ ተምሳል በዓለ ጰራቅሊጦስ እንክብሉ ገሊጾም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኣቡናትን ልኡኻት ምእመናንን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ዘጠራነፈ ምንባሩ ዘኪሮም ናይ ጸጋ እዋን እንክብሉ ሰምዮም። ሕዝቢ ፊሊፒንስብ ኣብ ፊሊፒንስ እትርከብ ቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ዝገበርዎ ኣቀባብላን እንገዳን ብሓቂ ልቢ ብሓጐስ ዝመልእ ምንባሩ ጠቒሶም ንህዝቢ ፒሊፒንስ ልኡካነ ሓሴት እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ኤሺያን ኔው ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግልጎት ሓቢሩ።

ማእከልነት ፊሊፒንስ ንናይ ሳልሳይ ሺሓዊ ዘመን ተልእዀ

ኣብ ሳልሳይ ሺሓዊ ተልእኾ ማእከልነት ፊሊፒንስ ዝገለጹ ብፁዕ ካርዲናል ቦ፦ ፊሊፒንስ ኣብ እስያ እታ ብዙሃን ናይ ካቶሊክ እምነት ሰዓብቲ ዝርከቡላ ሃገር ምዃና ኣዘኻኺሮም ኣብ እስያን ንመላ ዓለምን ብርሃንን ጨውን ክትከውን ዝተጸውዔት እያ። ፊሊፒንስ ተስፋ የድላይ ቤተ ክርስቲያን እውን ከምኡ። ኣባይቲ ስድራ ተስፋ የድልየን ስለዚህ ድኽነትን ስደተን ዘይውሕስነትን ዝኣመሰሉ ብዶሆታት ዝረአየላ ሃገር እውን እንተዀነት ፊሊፒንስ ናይዚ ተስፋ ልእኽቲ እያ። ንመላእ ካቶሊክዊ ዓለም ዓቢይ ዑቕር ሓይሊ እያ ከምዝበሉ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት፦

ፊሊፒንስ ንምሉእነት ስድራ ቤትን መንእሰያትን ናይ ጸጋ መሬት እያ

ኣብ ፊሊፒንስ ዝንበር ስድራ ቤት ምሉእነት ዝዓሰሎን ካብ መላእ ዓለም እታ ሒደት ፍትሕ ዝረአየላ ሃገር እያ። ብዙሓት ሃገራት ሃብቲ ገንዘብ ዘለወን ድኽነት ስድራ ቤት ግን ዘለወን ኰይነን ኣለዋ። ሃብቲ ፊሊፒንስ ኣባይቲ ስድራ ጥራሕ ዘይኰነ ምሉእነት ስድራ ዝተዓደለት እያ። ከምኡ እውን ብዝሒ መንእሰይ ዝተዓደለት ሃገር እያ ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ቅዱስ ቁርባን ምንጭን ብልሒን ውሻጠን ንናይ ሕይወት ጻዕሪ እዩ

ብፁዕ ካርዲናል ቦ ዝለገስዎ ስብከት፦ ቅዱስ ቁርባን ስለ ባህሊ ሕይወት ንዝግበር ጻዕሪ ምንጭን በሪሕ ብልሒ እዩ። ናይ ቅዱስ ቁርባን ቲዮሎጊያ ልኡኻትን ምዃንን ብሓይሊ ናይ ቅዱስ ቁርባን ቲዮሎጊያ ተመሊእና ወትሩ እታ ቀዳማይ ቅዱስ ቁርባን ዝተቐብልናላ ዕለት ዝነበርናዮ መንፈሳዊ ሕይወት ህልው እናገበርና ኣብ ፍቕሪ ቅዱስ ቁርባን ምዕባይ ከምዘድሊ ገሊጾም፣ ቅዱስ ቁርባን እውነተይና ህላዌን ቅዱስ ቁርባን ተልእኾን ኣገልግሎትን እዩ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.