2016-02-04 16:43:00

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ውፉያን ናይ ርክብ ሰባት እያቶም


ዕለት 30 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. ዝተጀመረ ናይ ውፉይ ሕይወት ዓመት ዕለት 2 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ አስተርእዮ ዘእግዚእነ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ፓ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተዛዘመ እንክሕበር፣ ቅዱስነቶም፦ ኣባላት ውፉይ ሕይወት ናይ ርክብን ዓቀብቲ ኣግርሞትን ናይ ተመስገንን ምስጋናን ሓጐስ ዝነብሩ ይኹኑ ዝብል ስልጣናዊ ምዕዶ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ናይ ውፉይ ሕይወት ዓመት ብዘደንቕ ውዕዉዕ መንፈስ ከምተነብረን ሕጂ ድማ ከምቲ እንበንሮ ዘሎና ናይ ፍቕሪ ዓቢይ ምስጢር ዝዀነ ናብ ምሕረት ኢዮቤላዊ ቅዱስ ዓመት ማይ ባሕሪ ዝውሕዝ ማይ ኰይኑ ከምዝንበርን ኢየሱስ ሓደ ከምቶም ኩሎም ዝውለዱ ሕጻናት እውን እንተነብረ ፍልዩ እዩ ኔሩ። ናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ለውሃትን ኣምጺኡልና እዩ። ኢየሱስ ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ወጅሂ እዩ። ናይ እግዚኣብሔር ኣግርሞት የህልወናን፣ ኣባላት ውፉይ ሕይወት ናይ ርክብን ናይ እግዚኣብሔር ቅርበት ጭቡጥን ነቢያዊ ትእምንርቲ ንኽዀኑ ዝተጸውዑ እያቶም ከምዝበሉ ሎሞናኰ ገሊጾም።

ኵሉ ዓይነት ኣግባብ ውፉይ ሕይወት ዝተፈላለያ ማሕበራት ውፉይ ሕይወት ከከም መለለይኡ ናይ ሎሚ ሰብ ብፍላይ ድማ ናይ ድኻታትን ዕሩቓትን ተስፋን ሓሴትን ስቓይን ጭንቀት ሓዘንን ብምክፋል ነባሪ ግብረ ተልእዀ ንኽነብሩ ዝተጸውዑ እያቶም።

ኢየሱስ ንዅሉ ነገር ዝሕድስ ሕዳሴ እዩ፣ ብእውነት ምስ ኢየሱስ ዝራኸብ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ከምቲ ምስ ኢየሱስ ቅድሚ ምርኻቡ ኣብ ዝነበሮ ሕይወት ዝተርፍ ኣይክኸውንን እዩ። ካልኦት ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዝከኣል ምዃኑ ዘረጋግጸሎም ብቓልን ሕይወትን ዝምስክርን፣ ካብቲ ኣብ ገዛእ ርእስና ክንዕጸው ዝድርኸና ርእሰ ውከሳ ብምእላይ ናይ ርክብ ባህሊ ዘነቓቕሕ ይኸውን ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኰ ኣስዒቦም፦ ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕለቱ በዓለ ኣስተርእዮ ዘእግዚእነ ጠቒሶም ዮሴፍን ማርያምን ስለ ውላዶም ኢየሱስ ዝበሃል ብዝነበረ ኩሉ ኣዚዩም ይግረሙ ነበሩ። ንሕና ክርስቲያንን ውፉያንን ናይዚ ኣግርሞት’ዚ ዓቀብቲ ንኽንከውን ዝተጸዋዕና ኢና ከምዝበሉ ሓቢሮም።

እቲ ኣግርሞት በቢ ዕለቱ ክሕደስ ይግብኦ፣ ልማዳዊ ምንባር ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት  ከፍርሓና ኣለዎ። ወይለና ኣብ ልማዳዊ መንፈሳውነት እንነብር እንተድኣ ኰይንና። እቲ ንኽንነብሮ ዝተጸዋዕናዮ መስረትቲ ማሕበራት ውፉይ ሕይወት ዘጸገውዎ መንፈሳዊ ዕላማ ኣብ ረቒቕ ሰረት እምነት ብምቕያር ኣልቦ ሕይወት ከይንገብሮ ንጠንቀቕ። እቲ መንፈሳዊ ዕላማ ኣብ ብልቃጥ ተዓጽዩ ዝሕተም ቤተ መዘክራዊ ቅሪት ኣይኰነን። መስረትቲ ማሕበራት ውፉይ ሕይወት ብመንፈስ ቅዱስ ተነቓቒሖም ብዕለታዊ ናብራ ከይተሰናበዱ ኣብ ናይ ሕዝቢ መከራ ገዛእ ርእሶም ኣእትዮም ምስ ሕዝቢ ከይኖም ምስ ኩሉ ኩሉ ኰይኖም ኣብ ጐዳና ደጋዊ ክፍለ ከተማታትናን ህልውናን መልክኣ ምድሪ ዝተጓዕዙ እያቶም፣ ኣብ ቅድሚ መሰናኽላትን ብናይ ካልኦት ዘይምርዳእን ከይተሰናበዱ ዝተጓዕዙ እያቶም ስለምንታይ እቲ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዝውሕዞ ኣግርሞት ኣብ ልቦም ስለ ዝዓቀቡ። ጸጋ ወንጌል ኣይገርሑን ንናይ ገዛእ ርእሶም ዕማም ኣየውዓሉን ከም ዮሴፍን ማርያምን ኣብ ቤተ መቕደስ ዝፈጸምዎን ዝነበርዎን ተመክሮ ኢየሱስ ንኻልኦት ንምቕራብ ብርቱዕ ናፍቖትን ሃረርታን ዝነበሮም ንጐይታ ቀናእተይናታት እያቶም፣ ደው ኣይበሉን እቲ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ዝዕድሎ ኣግርሞት ዝዓቀቡ እያቶም ከምዝበሉ ሎሞናኰ ገሊጾም። ሎሚ እውን ንሕና ነቢያውን ተባዕን ምርጫ ንኽንፍጽም ተጸዊዕና ኢና፣ ምስ ኢየሱስ ምርኻብን ጸጋ ጸዋዕታ ሕይወት ንምንባሩ ነስተውዕል ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲና ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ምስ ደስተይና ውጅሂ ምስ ዘለዎም ምናልባት እውን ደሓር ክሳብ ኣብ እርጋኖም ከም ስምኦንን ሓናን ብልምኣት የዕይንተይ ኩሉ ርእየን እየን እሞ ብምባል ምሉእ ሓጎስ ዝነበሩ ኣመስገንቲ ዝዀኑ ኣባላት ውፉይ ሕይወት ምርኻብ ክንደይ ደስ የብልን ይብልን። እዚ ሓሳብ’ዚ ነቲ ዝተነብረን ዝዛዘም ዘሎ ናይ ውፉይ ሕይወት ጽማሬ እዩ። ስለዚህ እቲ ወትሩ ብዘይምቁራጽ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ ህያባቱ ኣቢሉ ነዘነቓቕሓ መንፈስ ቅዱስ ምስጋና። እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኰ ኣስዒቦም ድሕሪ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና እታ ጸዋዕታ ዝሰማዕናላ ዕለት ሓደራ ኣይንረስዕ፣ ናይ ጸዋዕታ ኣግርሞት ምዝካር የድሊ እንክብሉ ምዒዶም፣ ናይ ውፉይ ሕይወት እንታይነትን ሕመረትን ጸሎት እዩ። ጽባሕ ብተስፋ ብምስትውዓል ሎሚ ብሓሴት ንበሩ፣ እቲ ናይ ተወፋይነት ዕዮ ንቕድሚት ክቕጽል መታን ጐይታ ሓደስቲ ጽውዓት ክልእኽ ንለምኖ ከምዝበሉ ሎሞናኰ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.