2016-02-06 15:40:00

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ብጹዕ ወቅዱ ክሪል ፓትርያርክ ሞስኮን ኩላዊት ሩስያን


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝመጻ ዘሎ ሰሙን ዕለት ዓርቢ ዕለት 12 ለካቲት አብ መክሲኮ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ካብ ቫቲካን ከም ዝነቅሉ ክፍለጥ እንከሎ ቅድሚ ንመክሲኮ ከተማ ምኻዶም አብ ሃቫና ርእሰ ከተማ ደሴት ኩባ ጠጠው ከም ዝብሉ ክምልከት ከሎ ናይ መንግስቲ ኩባ መራሕ መንግስቲ ፕረሲዳንት ራውል ካስትሮ ከም ዝቅበልዎምን ብድሕሪኡ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ብጹዕ ወቅዱ ክሪል ፓትርያርክ ሞስኮን ኩላዊት ሩስያን ከም ዝጅመር አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሐበሬታ ሂቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ብጹዕ ወቅዱ ፓትርያርክ ክሪልን ወቅዱስ ናይ ሐባር መግለጺ ከም ዝህቡ አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር አፍሊጦም። ቀባል ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብዝሀብዎ መግለጺ”ዚ መሠረት እዚ አብ ሞንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ክሪልን ዝካየድ ርክብን ብሐባር ዝህብዎ መግለጽን ብጸጋ እግዚአብሔር ዝተረኽበ ኢዩ ።

እዚ ታሪኻዊ ርኽብ ናይ ሃይማኖት አቦታት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሩስያ ምልክት ተስፋ ደለያቲ ሰላምን ሰናይን ንርክብ ክልቲኤን አብያተ ክርስትያናት ንቅድሚት ዘሰጉምን ከም ዝኾነ አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር አባ ፈደሪኮ ላምባርዲ መግለጺ ሂቦም።

እዚ ርክብ”ዚ ብእግዚአብሔር ዝተባረኸ ኽኸውንን ፍረ ከስዕብን አብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ ክርስትያንን ሰብ ጽቡቅ ድላይን ክጽልዩ ክአ አተሐሒዞም አተሐሳሲቦም።

እዚ አብ ሞንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ፓትርያርክ ክሪልን ዝካየድ ርክብ ውጽኢት ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ዲፕሎማስያዊ መስርሕ ውጽኢት ከም ዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል አገንዚቦም። 

ፓትርያርክ ክሪል ኩባ ብወግዒ ክበጽሑ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ሃቫን ክአትዉ ትጽቢት ይግበረልም ከም ዘሎ ይምልከት።

ናይ ሞስኮን ኩላዊት ሩስያን ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ክሪል ፓትርያርክ ካብ ዝስየሙ አብ ላቲን አመሪካ ኩባ ክበጽሑ እዚ ናይ መጀመርያ ግዚኦም ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

ብጹዕ ወቅዱስ ክሪል ፓትርያርክ ሞስኮን ኩላዊት ሩስያን ደሴት ኩባ ብወግዒ ክበጽሑ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ሃቫን ክአትዉ ትጽቢት ይግበረልም ከም ዘሎ ይምልከት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ቁስጢንጢንያ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ባሮሎመዮ ብዛዕባቲ አብ ሞንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ፓትርያርክ ክሪልን ዝካየድ ርክብ ብወግዔ ከም ዝተነግሮምን እዚ ንሐድነት ክርስትያን ንቅድሚት ዝውንጭፍ ሰናይ አጋጣሚ ከም ዝኾነ ጥቂሶም ዝተሰምዖም ሐጎስ ከም ዝገለጹን አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አገንዚቦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.