2016-02-06 16:33:00

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን፦ ምትሕብባርን ናይ ሓባር ጻዕርን


ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 1 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ዝጀመርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ስሎቨኒያ ዕለት 4 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብቲ ካብ ሶሪያን ዒራቕን ዝመጹ ዶቦቫ ዝርከብ ስደተይናታትን ተምዛበልትን ዝእንገድሉ ማእከል ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶምን ነቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብቲ ማእከል ኣገልግሎት ንዝህቡን ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላምታን ቡራኬን ብምቕራ ከምዝዛዘሙ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ መእለዪ ስደተይናታት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ምእላይ ስደተይናታትን ዘኽታማትን ኣብ ስሎቨኒያ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ጨንፈር ዝተዋፈረሉ ምዃኑ ዘኪሮም፣ ክርስትና ካብ ምትሕብባር ዝብገስን ነቲ ኣብ እዋንና ተኸሲቱ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታት ንምፍታሕ ካብ ምትሕብባርን ምቅርራብን ዝብገስ ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎት ወሳኒ እዩ፣ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሓባር ጻዕሪ ዝጠልብ ኩነት እውን እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣፍሊጡ።

ርክብ ምስ ናይ ስሎቨኒያ ናይ መንግስትን ፖለቲካን ኣካላት

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣኦኒሸ ምስ እተሰምየ ናይ ስሎቨኒያ ካቶሊካዊ መደብር ራዲዮ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ምስ ናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላት ዘካይድዎ ርክብን ዘተን ጠቒሶም ብፍላይ ብዛዕባ መንፈሳዊ ክንክን ንኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ነዚ ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ፍሉዩ ጳጳሳዊ ስርዓት ንምቛምን ብዛዕባኡን ብዛዕባ ኣቢያተ ትምህርቲ ካቶሊካውያን ኣብ ስሎቨኒያን ኣብ ክፍሊት ግብሪ ጉብእነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስሎቨኒያን ኣብ ዝብል ነጥብታት ኣማእኪሎም ከምዝዘተዩን ሓቢሮም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስሎቨኒያ ክህሉ ዝከኣል እዩ ቢሎም ስለዚህ ናይ ስሎቨኒያ መራሔ መንግስቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቅድስቲ መንበር ምስ ቅዱስ ኣቦና ተራኺቦም ንቕዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ዕድመ እዩ፣ ኰይኑ ግና ክሳብ ሕጂ ዝርዝራዊ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስሎቨኒያ የሎን ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.