2016-02-06 15:24:00

፫ ሰንበት ዘአስተርእዮ ጥሪ 29 2008 ዓ.ም. (2/7/2016)


ንባባት፡ ፩ቆሮ 12:31-13፥ ይሁ 1፡14-ፍ፥ ግ.ሓ. 13፡44-14: 4፥ ሉቃ. 2፡21-30። ስብከት፡“ትሴብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔር፥ ወሰብሕዮ ለአምላክኪ ጽዮን፥ እስመ አጽንዓ መናግስተ ኆኀትኪ።” “ኦ ኢየሩሳሌም ንእግዚአብሔር አመስግንዮ፥ ኦ ጽዮን ንአምላኽኪ ወድስዮ፥ ከመይ ንሱ ንመሃርሃር መዓጹኺ ዜጽንዕ፥ ንህዝብኺ ዚባርኾም እዩ”(መዝ.147፡12)።

ሕይወት ደቂ ሰብ ምስ አምላኽ ክነብር ክሰምዕ እዩ ተፈጢሩ። ቃል አምላኽ ሕይወት ዝህብ ስለ ዝኾነ ክፍሊ ሕይወትና ገርናዮ ክነብር ክንጽዕር አሎና። ብሰንኪ ኃጢአት ንቃል አምላኽ ከይንሰምዕ ዝዓግት ኃይሊ አሎ ስለዚ ዘዘኻኽር ዝነግር የድልየና። አብ ቀዳሞት ዘመናት ብነብያቱ ብአበው ገሩ አብ ዳሕረዋይ ዘመን ከአ ብኢየሱስ ክርስቶስ ወዱ ከማና ሥጋና ለቢሱ ተዛሪቡና ሎሚ ብቤተ ክርስትያኑ ይዛረበና አሎ። እንተ ሰማዕና ኢና ንአምላኽ ክንልአኽ እንኽእል ስለዚ ስንድዋት እንኾነሉ ፍሉይ ጊዜ ክንረክብ አሎና። ስላሴ ንመን ክንልእኽ ኢና ይብሉ አለዉ። ካብ ነፍሲ ወከፍና መልሲ ይጽበዩ አለዉ።  

ሰብ መልእኽቲ አምላኽ ከብጽሕን ክቕበልን እዋኑ እዩ። አብዚ ቅዱስ ዓመት “ምሕረት” ንቃል አምላኽ ሰሚዕና እንተ ኸአልና ጥርሕ ኢና አብ መአዲ ምሕረት ክንአቱ እንኽእል።

ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ክልተ ነገር የቕርበልና። ፩ይ ዝኾነ ቃል አምላኽ ዘበስር ተቛውሞ ከም ዝገጥሞ። አብ መጸዋዕታ ኤርምያስ ነብይ 1፡4-19 ዘሎ እንተ አንበብና አምላኽ ከም ዝሓረዮን ዝገጥሞ ተቛውሞን ነንብብ። ብዙሓት ሰበኽቲ ወንጌል አብ ተልእኮኦም ዝተፈላለየ ተቋውሞ ገጦምዎም በዚ ምኽንያት ከአ ብዙሓት ብሰማዕትነት መይቶም። እዚ ንሰበኽቲ ወንጌል ይኹን እምበር ንነፍሲ ወከፍና ንቃል አምላኽ ክነብሮን ክንሰብኮን ከሎና ክገጥም ዝኽእል እዩ። ካህናትን ደናግልን ከምኡ መእመናን ቃል አምላኽ ክሰብኩ ከለዉ ዝተፈላለየ ዕንቅፋትን ተጻብኦን ይገጥሞም እዩ። ካብ አምላኽ ዝረሓቐ ልቢ ቃል አምላኽ ክሰምዕ እንከሎ ሕልንኡ ዕረፍቲ ስለ ዝኸልኦ ነቲ ቃል አምላኽ ዘስምዕ ዘሎ ሕርቃኑ ዘይምቕሳኑ ኩሉ አብኡ ከውጽኦ ይደሊ፥ ስለዚ ቃል አምላኽ አብ እንምስክረሉ እዋን ተቓውሞን ውርደትን እንተ ገጠመና ክገርመና የብሉን እኳ ድአ በርቲዕና ክንሰብኽ አሎና ንሱ እዩ ንልቢ አብ ቅንዕናን ሓቅን ዝመልስ።

እግዚአብሔር ንኤርምያስ “ተንሥእ ሕቜኻ ተዓጠቕ እቲ አነ ዝእዝዘካ ንገሮም አነ አብ ቅድሚኦም ምስ ቀረብካ ፈራህ ከይገብረካስ ሕጂ ኸሎ ግና አይትፍራህ። እንሆ አብታ ምድሪ ዘለዉ ኹሎም. . . ክቃወሙኻ እዮም አነ ግን ሎሚ ኸም ዝተዓርደት ከተማን ከም ዓንዲ ሓፂንን ከም ቀጽሪ አስራዝን ገረካ አሎኹ” (ኤር 1፡17-18) ኢልዎ።

አምላኽ ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና ነዘን ቃላት እዩ ዝብለና። “አይትፍራህ ምኽንያቱ ሰባት ንአካይዳኻ ወይ ንእምነትካ ክቋወሙኻ/ኺ እዮም፥ ብአንጻሩ ንስኻ ጽናዕ፥ ኪዋግኡኻ እዮም ግናኸ ምእንቲ ኽሕልወካ አነ ምሳኻ እየሞ አይክስዕሩኻን እዮም፥ አነ እግዚአብሔር ተዛሪበ አሎኹ” (ኤር 1፡19) ይብለና።

ቅ. ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ረድኡ “ነቲ ዝተነግረካ ናይ ትንቢት ቃላት ተመሥሪተ እዚ ትእዛዝ እዚ አማዕቍበካ አሎኹ፥ ነቲ ዝተነግረካ ቓል አጽኒዕካ ኃዞ ተቢዕካውን ተዋጋእ” (1ጢሞ 1፡18) ይብሎ። ቃል አምላኽ ክትነግር ወይ ክትሰብኽ ምስ አምላኽ ፍሉይ ክርብ ክህልወካ የድሊ። ንኹልና ልኡኻት ቃል አምላኽ ትብዓት ለቢስና ንድላይ አምላኽ ክንወፍር እዚ እዩ ኃይልናን ጸግዕናን ስለዚ ጳውሎስ ደጊሙ “ነዚ ነገራት እዚ አዝዝን ምሃርን” (1ጢሞ 4፡11) ይብለና። 

ሓደ ካብቲ ዝገጥመና ከቢድ ፈተናታት ንገለ ነገራት አቕሊልና ንወስዶም ማለት አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ዕንወት እናአምጽኡልና ከም ሓንቲ ዘኮይና ንወስዶም ግን ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ አጥፊእና አብ ጸልማት ከም እንነብር ይግብሩና፥ ወይ ከአ አብ እምነትና ነቲ ንአሽቱ ነገራት ምሳና ዝሰማማዕ ጥራሕ ንወስድ እሞ ጽቡቕ ዘሎና ገርና ንሓስብ። እንተ ኾነ አምላኽ እዚ አይ ኮነን ዝብለና አብኡ ምሉእ እምነት ገርና ዝክአለና ክንገብር፥ አብ ቃላቱ እሙናት ክንከውን ምኽንያቱ አብ መገዲ ሕይወት ዝመርሓና እዚ ጥራሕ እዩ። ነዚ መገዲ እንተ ሓዝና አብ ምልአት ሕይወት አብ ዝኾነ ካልእ ክንረኽቦ ዘይንኽእል የብጽሓና። ነቲ ንሱ ዘምህሮ መገዲ ክንሕዝ ቀሊል አይኮነን ግን ካብ ኹሉ ዝበለጸ እዩ።

ክርስቶስ ካብ መጀመርያ ትምህርቱ ተቛውሞ ረኺቡ። አብ ናይ ሎሚ ወንጌል እቶም ህዝቢ ካብ አፉ ብዝወጽእ ዝነበረ ቃል ከድንቝን ክግረሙን ጸኒሖም ድሕሪ ሓጺር ጊዜ ግን ክቐትልዎ ክድልዩ ንርኢ። አብ ሓደ እዋን ሓዋርያት ኵሉ ሰብ ክርእየካን ክሰምዕካን ይደሊ አሎ ምስ በልዎ “ ንዑናይ ናብዘን ከባቢ ዘለዋ ኻልኦት ዓድታትውን ንኺድ (ማር 1፡38) ከም ዝበሎም ነንብብ። ንሱ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ይፈልጥ እዩ ስለዚ ዝና ይርከብ አይርከብ አይግድሶን እዩ፥ ነቲ ሰማያዊ አብኡ ዝልአኾ ክፍጽም ጥራሕ እዩ ዝደሊ ነሩ። አብዚ እንምሃሮ ንድላይ አምላኽ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ሰሪዕና ክንክእል ንዝኾነ ካብ አምላኽን ቅዱስ ሕይወትን ከይንመርሕ ዝዕንቅፈና ነገራት አስተውዒልና ክነብር ከም ዘሎና።

ነዚ ኹሉ ክንሓስብ ከሎና ጎይታ ክብለና ዝደልዮ ነገራት አሎና። እሙናት ኮና ክነብር ይጽውዓና አሎ። ብዝሕና መንፈዓትና ቦታና አብ ሕብረተሰብ ከምኡ ዝኾነ ተቛውሞ ይግጠመና ብዘየገድስ እሙናት ኮና ሕይወትና ክንመርሕ የድልየና። ብርግጽ አምላኽ ሓደ ከሕድገና ዘይኽእል ነጻነት ሂቡና እዩ፥ ንትምህርቱ ክንቅበሎ ክነጽጎ ካባና እዩ እንተኾነ ብዝኾነ ምኽንያት ካብ ትምህርቲ ጎይታ ዝበልጽ ክንረክብ አይንኽእልን ኢና። ግዝያዊ ዓወት ወይ ምቾት ከየታልለና ምስትውዓል የድልየና።

ዘመና ዛሕሊ እምነት አጥቂዕዎ ሰብ አብ ግዙፍን ዓለማውን ሕይወት ጥራሕ አትኲሩ ንአምላኽ ዳርጋ ጽናሕ ክምለሰካ እየ ዝበለ እዩ ዝመስል ዘሎ። ብርግጽ ጽቡቕ ናብራ ክንመርሕ እንከሎና አንጻር አምላኽ አይ ኮነን እቲ ጸገም አምላኽ ዘይተሓወሶ ሕይወት አብ ህርፋን ትዕቢት ንአይ ይጥዓመኒ ጥራሕ ዝተመርኮሰ ሕይወት ምልአት የብሉን እኳ ደአ ሰላም አይንረክብን አብ ዝገደደ ክፍአትን ኃጢአትን ክንአቱ አፍደገ ይኸፍት ስለዚ ክነስተውዕል ይግብአና።

፪ይ ሓሳብ ናይ ሎሚ ወንጌል ዘስተምህረና “ክነፍቅር ዝተጸዋዕና/ዝተሓረና ኢና”። ካብዚ ዝዓቢ ነገር ከአ የለን። ቅ. ጳውሎስ ፍቕሪ ዓቃል፥ ለዋህ፥ አይትቐንእን፥ አይትጅሃርን አይትዕበን. . . እናበለ ትርጉም ፍቕሪ ይነግረና። ነዚ ክንገብርን ክነብሮን እዩ ዝድለ ዘሎ። ከምዚ ክንገብር ከሎና ነቶም አብ ከባቢና ዘለዉ ብእንገብሮ ዝለዓለ ካብቲ ብቃልን ክንብሎም እንኽእል ክንገብር ኢና። አብ መጀመርያ ክርስትያን ውሑዳትን ከምኡ ብዓይኒ ጽልኢ ዝርአዩ እዮም ነሮም እንተ ኾነ በቲ አብኦም ዝርአ ዝነበረ ፍቕርን ሓልዮትን ካልኦት ክስዕብዎምን ክአምንዎምን ጀሚሮም። ተፋቐርቲ ዝብል ስም ተዋሂብዎም። ሕይወቶም ንብዙሓት አብ ክርስቶስ ከምዝአምኑ ገርዎም ከምኡ ከም ዝቕይሩ ገርዎም።

ሎሚ ሰባት አባና እንታይ ይርእዩ? እዚ አብ ርክብናን እንጉዓዞ ሕይወት ከም እንአቱ ይገብረና። ገለ ሰብ አሎ ብኻልኦት ንፉዕ ለባም ጥዑይ ክብሃሉ ዝጽዕር፥ ንኦም ዝግድሶም ዝነብርዎ ሕይወት ዘይኮነ ካልኦት ብአይ እንታይ ይብሉ አብዝብል ይነብሩ እዚ ኸአ ሕይወቶም ዘይኮነ ካልእ ሕይወት እዮም ዝነብሩ። ብሰባት ክትንአድ ብዙሓት ክፈትዉልካ ልብኻን ቀልብኻን አብ ናእዳን መን ከማይን አብ ዝብል ክንወፍር ከሎና ሓሳዊ ሕይወት ኢና እንነብር ስለዚ ንሕይወተይ መን እዩ ዝመርሖ ዘሎ ክንብል ግቡእ እዩ።

ሰብ ክንእደና ወይ ንሕና ዝበለናዮ ጥራሕ ክሰምዐና ዘይኮነ ንሕና እውን ክንሰምዕ ክንክእል አሎና ብፍላይ ንጉድለትናን ግብርናን ክነቕፉና ከለዉ ትዕግስቲ ገርና ክንሰምዕ ይግብአና። ገለ ክንንአድ እምበር ዝኾነ ወቐሳ ወይ ፍርዲ ክንሰምዕ አይውሓጠልናን እዩ። አብ ገለ ጊዜ ነቶም ሓቂ ዝዛረቡ ክነጥቅዖም ክነጸልሞም ንጓየ፥ ንሓቂ እንቕበላ ንጥቕምና ክትከውን እንከላ ጥራሕ ኢና። አብዚ ሕይወት ኢየሱስ መድሕና እንተ ረአና ጽቡቕ ክገብረሎም እንከሎ ይፈትውዎ ነሮም ንሕይወቶም ዝጠቕም ጉድለቶም ክነግሮም ከሎ ግን ሓዲጎሞ ይኸዱ ነሮም። ንሕና ምሰ አየነቶም ኢና። ከም ሰማዕትን ሰበኽቲ ቃል አምላኽ መጠን ዓቕምና ምስተወድአ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ መልስና?

ሓቀኛ ሕይወትና ክነብር ከሎና አባና ሰላም ቅሳነት ርትዕን ፍቕርን ብሓደ ሰሚረን እየን ዝነብራ፥ ሽዑ ዝረአየና ሰብ የኽብረና ወረ ገለ እዋንስ እከለ/እከሊት አሎ/ላ እናበልና ንፍረሕ እሞ ንጥንቀቕ ነቲ ሰብ አብ ቅድሚኡ ዝኾነ ሕማቕ ከይንገብር ንፈርሕ። ሓቀኛ ሰብ ብዙሕ ጊዜ አይፍቶን እዩ። ዓለም እውን ሓሳውን ዘጠፋፍእን እያ እትፈቱ እዚ ግን ግዝያውን ዘይርጉእን ሕይወት ከም እንነብር እዩ ዝገብረና። ንሓቂ ንፍቕርን ፍትሕን ደፊርና አብ ሕይወትና ክነብሮ አሎና።

ማርቲን ሉተር ዝተባህለ ጸሊም አመሪካዊ ምእንቲ ማዕርነትን መሰል ደቂ ሰብ ዝጣበቕ ዝነበረ ሕይወቱ ብቅትለት ዝሓለፈ አብ ሓደ ዘስምዖ ዘረባ ከምዚ ኢሉ፡ “ነቶም አዝዮም ዝጸልኡና ከምዚ ንብሎም፥ ነቲ ክንዋረድን ክንሳቐይን እትገብርዎ ዓቕምኹም በቲ ንስቓይ ክንዕገስ ብእንገብሮ ነመዛዝኖ፥ ንግዙፋዊ ሓይልኹም ብመንፈሳዊ ሓይልና ንገጥሞ፥ ክንሳቐ ዝኽአለኩም ኵሉ ድለትኩም ግበሩ ንሕና ግን ቀጺልና ክንፍቅረኩም ኢና፥ አብ ቤት ማእሰርቲ ደርብዩና ወላ አብዚ እውን ክነፍቅረኩም ኢና. . . ነቶም ጨካናት ገፋዕቲ ልኡኻትኩም አብ ማሕበራትና ፍርቂ ለይቲ ክወቕዑና ስደድዎም አይሙታት አይ ስሩራት ክገብሩና እዮም እንተ ኾነ ነፍቅረኩም ኢና። ግን እምንቶና ሓንቲ መዓልቲ ነጻነት ክንጭብጥ ክንዕወት ኢና፥ ንርእስና ጥራሕ ዘይኮነ ንአካትኩም እውን። ሕልናኹምን ልብኹምን ክትንክፈኩም ንጠርዓልኩም አሎና አብ ጉዕዞ ቃልስና ክንዕወት ኢና” (Martin Luther King, Strength to Love).

ምስጢር አብ ከምዚ ዝበለ ሕይወት ከም እትነብር ዝገብር ሕይወትና ብምልኡ አብ አምላኽ ክንገብር ከሎና እዩ ምኽንያቱ ምስ አምላኽ ርክብ ክህልወና እንከሎ ጥራሕ ኢና ምስቶም አብ ከባቢና እናአፍቀርና፥ ነቶም ካባና ብሓሳብን ርድኢትን ዝተፈልዩ ወይ ዝቋወሙና እናተጸዋወርና  ክነብር እንኽእል። በዚ ምኽንያት እዩ ሰንበት ሰንበት አብ ቤተ ክርስትያን ቃል አምላኽ ክንሰምዕ እንመጽእ እሞ እንታይ ከምዝብለና እንሰምዕ። ከምኡ ቅ. ቍርባን ክንቅበል ኵሉ ጊዜ ንመጽእ ምኽንያቱ ንክርስትያናዊ ሕይወትና ብመገድናን ብዘሎና ዓቕምን ጥራሕ ክነብሮ እንተ ፈተና ቀልጢፍና ክንወድቕ ኢና። ክርስቶስ ካብኡ ተፈሊና አብ ዓቕምናን ክእለትናን ጥራሕ መሰረት ገርና ክነብር አይደልየናን እዩ። ኃይልናን ብርታዐናን ምስ ኢየሱስ መምህርና ክንጉዓዝ ከሎና ጥራሕ እዩ።

አብ መጨረሻ ሰለስተ ነገራት ጥራሕ እየን ዝነብራ እምነት ተስፋ ፍቕሪ ካብ ዚአተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ (፩ቆሮ 13፡13)።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ 








All the contents on this site are copyrighted ©.