2016-02-09 16:37:00

ለንደን፦ ኣብ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ 450 ዓመት ብላቲን ቋንቋን ስርዓትን ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ


ገዛእ ርእሳ ኣንግሊካዊት ብዝብል ስም ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈልየት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ 450 ዓመት ንመጀመሪያ ጊዜ ብቋንቋ ላቲን ናይ ላቲን ስርዓተ ቅዳሴ ኣብ ሃምፕቶን ንጉሳዊ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ክዓርግ ምዃኑን ናይቲ ታሪኻዊ መደብ ኣሰናዳእቲ እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝካየድ ዘተን ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ዘነቓቕሑ ዘፍጥረት እተሰምየ ማሕበርን ማሕበር መዘምራን ዘፍጥረትን ከምዝዀኑ ክምልከት እንከሎ፣ ብዛዕባ እዚ መደብ ኣመልኪቶም ናይ ወስትሚንስትር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮላስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት እዚ መደብ እታ ብሕዳሴ እትፍለጥ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተፈልያ ዝተመስረተትሉ መበል 500 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ እዋን ብምዃኑ ናብቲ ቅድሚ ምፍልላይ ዝነበረ ናይ ሓባር ረቛሒ ዘጠቓልሎ ስርዓት ቅዳሴን መዝሙራትን ኣማእኪልካ ምርኻብን ብሓባር ምብዓሉን ንገዛእ ርእሱ እቲ ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ርክብ ዘበራትዕ እዩ።

ቃል ኣምላኽን መንፈሳዊ መዛሙራትን ስርዓት ሊጡርጊያን ናይ ቀዳሞት ዘመናት ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ነቲ ናይ ሓባር ሰረት ዳግም ንምልላይን ኣብቲ ናይ ሓባር ውርሻ ዝዀነ ታሪኽ ብምትኳር ዝግበር ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ስለ ሓድነት ዘተ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ሓደ ዝገብር ውርሻ ምፍቃርን ተዘክሮ ምግባርን ጥራሕ ዘይኰነስ ህልው ዝገበሮ ዕድላት ብመንፈሳዊ ናይ ሓባር ጉዕዞ ድዩ ብናይ ቲዮሎጊያዊ ስነ ምርምርን ብዝካየዱ ርክባት ኣብ መንጐ ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ክፍጠር ኣለዎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.