2016-02-09 16:32:00

ጳጳሳዊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሓልዮ ድርገት


እቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ዝቖመ ጳጳሳዊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሓልዮ ድርገት ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ሮማ ኣኼባ ከምዘካየደ እንክምልከት፣ ኣብ ዓለም ስለ እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽን ናይ ዝተፈላለዩ ዓመጻት ኣደዳ ዝዀኑ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት መዓልቲ ጸሎት ክቐውምን ዓለም ለኻዊ ናይ ንስሓ ስርዓተ ሊጡርጊያ ክፍጸምን ዝብል ሓሳብ ንቕዱስ ኣቦና ከቕርቡ ምዃኖም እቲ ድርገት ድሕሪ እቲ ዘካይዶ ጉባኤ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግልጺ ኣፍሊጡ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብቐጥታ ነቶም ኣደዳ ዓመጽ ዝዀኑ ክምልሹ

እቲ ጳጳሳዊ ድርገት ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላትን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ መራሕቲ ነቶም ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ዚጋታት ዝምልሱን ጽን ዝብሉን ክዀኑ መታን እዚ ሓሳብ’ዚ ከም ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ክቃላሕ እውን ንቕዱስነቶም ሓሳብ ከቕርብ ምዃኑ ዝሓበረ ናይቲ ድርገት ናይ ጉባኤ ፍጻሜ ሰነድ ኣስዒቡ እቲ ድርገት ኣብ ሽድሽተ ንኣሽቱ ጉጅለ ተከፋፊሉ ኣብቲ ዘካየዶን ብናይ ሓባር ኣኼባ ኣብ ዝዛዘሞ ጉባኤ ናይ ስነ ሕጻናት ጉዳይ ሊቃውንቲ ከምእተሳተፉ እውን ገሊጹ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርዲ ዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽን ካልእ ዝተፈላለየ ዓመጽን ጉዳይ ዘጻርይን ዝምልከትን ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርዳዊ ጉባኤ ግልጽነት ዝዓሰሎ መታን ክኸውን ካልኦት ተሓባባርቲ ከሳትፍ ይግብኦ ዝብል ሓሳብ ብምቕራብ ስል ሓልዮት ትሕቲ ዕድመ ዝምልከትን ኣብ ዓለም ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ክሕሎ ዘተባብዕን ኣብዚ መዳይ ልምድታት ንምልውዋጥ ዝድግፍ ናይ ገዛእ ርእሱ መርበብ ሓበሬታ ክድረስ እውን ሓሳብ ከምዝቐረበ ሓቢሩ።

ስለ ክንክን ትሕቲ ዕድመ እቲ ድርገት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ጉባኤ ከካይድ

ኣብ ዝሓለፈ እዋን እቲ ጳጳሳዊ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሓልዮ ድርገት ኣብ ኣውስትራሊያን ፊሊፒንስ ሰላማዊ ውቅያኖስ ደሴታትን ኣብ ኒውዚላንድን ስኮዚያን ፖላንድን ኮስታ ሪካን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስታ ኣብ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያዊ መራሕቲ ብምርኻብን ምስ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርታት ብሓባር ኣብ ሓልዮ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ዘተኰረ ርእሰ ጉዳይ ኣኼባታት ከምዘካየደ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንምቕራብ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ፣ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ድማ ኣብተን ሃገራት ነፍሲ ወከፍ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽሪ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ሓልዮ ድርገት ክቐውም ከምዝደገፈን፣ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ እቲ ጳጳሳዊ ድርገት ኣብ ጋናን ታንዛኒያን ምስ ናይተን ሃገራት ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽሪ ኣኼባ ከካድይ ከምዝዀነን ገለ ገለ ኣባላት ናይቲ ጳጳሳዊ ድርገት ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየድ ናይ እንግሊዝይና ቋንቋ ተጠቀምቲ ሃገራት ዓውደ ጉባኤ ክሳተፉ ከምዝዀኑን ኣብ 2017 ዓ.ም. ናይ እስያ ጳጳሳዊ ፈደራላዊ ኣባይቲ ምኽሪ ኣብ ሓልዮ ትሕቲ ዕድመ ዘተኰረ ዓውደ ጉባኤ ክካይድ መራሃ ግብሪ ከምዝወጠነ ካብቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ምቛም ኣብ ስነ ሓልዮ ትሕቲ ዕድመ ዘተኰረ ሓድሽ ክፍለ ትምህርቲ

ኣብ ወርሒ መስከረም 2016 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ሓልዮ ትሕቲ ዕድመ ድርገት ኣብ ዘካይዶ ኣኼባኡ ኣብ ካቶሊካውያን ኣባይተ ትምህርቲ ሓልዮ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ክብ ንምባልን ስለ ክንንን ምኽባርን ናይ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣማእኪሉ ዝወሃብ ኣገልግሎት ንምብራታዕን ብስነ ምርምር ዝተደገፈ ምክትታል ዘለዎ ብቑዕ መታን ክኸውን ኣብዚ መዳይ ዘማእከለ ፍሉዩ ክፍሊ መጽናዕትን ትምህርትን ኣብ ግረጎሪያና ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ከምዝቖመን ካብ ኣርባዕተ ክፍለ ዓለማት ማለት ካብ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ኣመሪካን እስያን ዝተዋጽኡ ልኡኻት ኣብቲ ክፍለ ትምህርቲ ክሳተፉ ከምዝዀኑን ካብ ላቲን ኣመሪካን እንግልጣርን ወይልስን ዝተዋጽኡ ናይ ትሕቲ ዕድመ መጽናዕቲ ሊቃውንቲ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዝህብሉ መደብ ምዃኑ እቲ ድርገት ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መገልጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.