2016-02-13 16:16:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መክሲኮ ነቲ ናይ ሕዝቢ ናይ ምልዋጥ ዓሚዩቕ ድላይ ዘበራብሩ


ቅዱስ ኣቦና ብናይ መክሲኮ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 2ን ፈረቓን ዕለት 13 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ከተማ መክሲኮ ኣብ ዝርከብ በኒቶ ዅኣረዝ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፋሪት በጺሖም ነርባዕተ ሚእቲ ኪሎ ሜትር ንዝኸውን ርሕቀት ብጳጳሳዊ ክፍቲ መኪና ምስቲ ክቕበሎም ምስ ዝተኣከበ ኣብ ጠርዚ መገዲ ዝነበረ ሕዝቢ ሰላም እናበሉ ናብቲ ዝተመደበሎም ስፍራ ከምዝኸዱ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኣብ መክሲኮ ምስ ዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ክሪስቶፈር ፔረ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፦ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መክኰ ንምቕባል ዝተገብረ ምቕርራብ ሰለስተ ወርሒ ዝወሰደ እዩ፣ ብሓቂ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ርእሰ ከተማ መክሲኰ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ናይ መክሲኮ ዝተፈላለየ ከባቢ ንኽበጽሑ መደብ እውን ስለ ዘለዎም ብፍላይ ድማ ኣብ ቅዱስ ስፍራ ቅድስተ ማሪያም ዘጓዳሉፐ ዝገብርዎ ምብጻሕን ኣብ ሰሜናውን ደቡባውን ከባቢ እውን ዝበጽሑ ብምዃኖም ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ንሰለስተ ወርሒ ዝተገብረ ምቅርራብ ጽዑቕ እዩ ነሩ። ንገዛእ ርእሱ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መልክኣ ምድራዊ መደባቱ ርኢኻ ዝተገብረ ምቅርራብ ኣድካሚ እውን እንተነበረ ስለኡ ምድካም ክብሪ እዩ ኢሎም።

ከም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኰይኖም ኣብ መክሲኮ ኣገልግሎት ኣብ ዝጀመረሉ ኣዋን በቢ ዕለቱ ዘስተውዕልዎ ድላይ እንተነበረ ናይ መክሲኮ ሕዝቢ ድላይ ምልዋጥን ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዘለዎ ሱታፌ ክብ ናይ ምባልን ኣብ ወንጌል ዘለዎ ፍቕርን ኣብ ቅድስቲ ማርያም ዘጓዳሉፐ ውፉይነቱ ብሓቂ ብዘደንቕ መንፈስ ምብራኹ እዩ። ምንጻሕን ምልዋጥን ዘማእከለ ክርስቲያናዊ ሕይወት ይረአይ ኣሎ።

እንነብርሉ ዘሎና ዓመት ናይ ምሕረት ዓመት እዩ ከምዚ ብምዃኑ ድማ ብርግጽ ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም እዮም ኣብ መክሲኮ ዝመጹ፣ ናይ ውሽጢ ሃገር ጸገማት ንምእላይ ምሕረትን ናይ ምሕረት ተመክሮ ምብርባርን ኣድላዪ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ዝብልዎ ሓሳብ እዩ፣ እዚ ሓሳብ’ዚ እውን ኣብ መክሲኮን ምስ ናይ መክሲኮ ጭቡጥ ኩነት ብምእትስሳር ከመሓላልፍዎ እዮም። ሕዝቢ መክሲኮ ምስቲ ጥልቂ መንነታዊ መለለይኡ ዳግመ ብምርኻብ ክነብር መታን ዝተባብዕን ዝመርሕን መገዲ ዝሕብር ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዩ።

ናይ ሃገረ መክሲኮ ሃገራዊ ኩነት ካብ 1992 ዓ.ም. ንነጀው ምስ ቅድስቲ መንበር ተቛሪጹ ዝነበረ ርክብ ዳግም ብምቛምን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሉኣላውነትን ኣብ ማሕበራውን ሰብኣውን መንፈሳውን እተበርክቶ ኣገልግሎት ነጻነትን ተፈላጥነት እናረኸበ መጺኡ እዩ፣ ቤተ ክርስቲያን ክፍሊ ሕብረተሰብ መክሲኮ ምዃና ተረጋጊጹ እዩ። ሓደ ናይ ፖለቲካ ኣካል ካቶልክ ምዃኑን ቤተ ክርስቲያን ዝከታተልን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክቡራት ዋጋታት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ካብ ምፍራሕ ናብ ዘይምፍራሕ ተሰጋጊሩ እዩ። ስለዚህ እግዚኣብሔር ይመስገን ለውጥታት ብትዕግስትን ድጋፍ እግዚኣብሔርን ክብጻሕ ተኻኢሉ ኣሎ ይቕጽል እውን ኣሎ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.