2016-02-20 17:39:00

መራኸቢ ቢንቶታት ዘይኮነስ ፈላላዪ መናድቅ ዚሃንጽ ክርስትያን ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ መክሲኮ ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ፈጺሞም ናብ መንበሮም ንሮማ ብነፋሪት ክምለሱ ከለው ምስቶም ከሰንይዎምን ፍጻሜታት ናብ መላእ ዓለም ክዝርግሑን ሓቢሮሞም ዝተጓዕዙ ጋዜጠኛታት ኣብ ጒዕዞ እንከለው ሰላም ኣብ ዝተባሃሃሉሉን ዝተመሳገኑልን ጊዜ ሕቶታቶም እንክምልሱ “መራኸቢ ቢንቶታት ዘይኮነስ ፈላላዪ መናድቅ ዚሃንጽ ክርስትያን ኣይኮነን!” ብማለት ስደኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ንምዕጋት ገሊኤን ሃገራት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ንዶባተን ንምዕጻው ዝሃንጻኦ ዘለዋ መናድቅ ኢክርስትያናዊ ምዃኑ ኣብሪሆም፣

ኣብዚ ብብዙሕ መዳያቱ ፍልይ ዝበለ ሓውጾተ ኖልዎ ካብ ታሪኻዊ ምኽታም ሓድነት ኦርቶዶክስ ሩስያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ጀሚርካ ብዙሕ ሕቶታት እዩ ቀሪቡ፣ ቅዱስነቶም ከኣ ንኩሉ ሕቶታት መሊሾም ነቶም ነዚ ሓውጾተ ኖልዎ ዘወሃሃዱን ካብ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጀሚሮም ንነዊሕ ግዜ ሓዋርያዊ ጒዕዞታት ጳጳሳት ዘዋድዱን ዶክተር ኣልበርቶ ጋስፓሪ እዚ ናይ መክሲኮ ናይ መጨረሻኦም ምዃኑ ብምሕባር ፍሉይ ምስጋና ኣቅሪቦምሎም፣

ካብቲ ንሓያለይ ዕንቅፋታት ቤተክርስትያን ዓብሊሉ ካብ ዝርከብ ሓደ ‘ኣቡን ናይ ሓንቲ ሰበኻ ገበን ንዝፈጸመ ካህን እናፈለጠ ካብ ቊምስና ናብ ቊምስና ምቅያር ገበን ኣብ ርእሲ ገበንዶ ኣይኮነን’ ዝብል ሕቶ እንክኸውን፣ ቅዱስነቶም ከኣ ‘እወ ርግጽ ገበን እዩ፣ ከምኡ ዝገበረ ዘይሓላፍነታዊ ስራሕ ፈጺሙ፣ ዝሓሸ ክገብራ ዝኽእል ካብ ስልጣኑ ብፍቃዱ ምልቃቅ እዩ’ እንክብሉ ገበን ንዝፈጸመ ካህን ከም መቅጻዕቲ ናብ ካልእ ቊምስና ምቅያር ምናዳ ናይ ሕጻናት ዓመጽ ንዝፈጸሙ ነቶም ግዳይ ዘይጥፍእ በሰላ ብምጣር እናሓደረ ዝጒዳእ ቊስሊ ምዃኑ ኣብሪሆም፣ ነዝን ካልእ ንቤተክርስትያን ዘመራስሑን ጉዳያት ብዝምልከት ቀቅድሚ ሞት ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ እምነት ጒዳይ ናይ እትሓሊ ማህበር ሓላፊ ዝነበሩ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ጽጹይ መጽናዕቲ ከምዝገበሩን ቤተክርስትያን ካብዚ ርስሓትዚ ክትጸሪ ኣለዋ ቢሎም ነሮም፣ ድሕሪ ሞት ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከኣ ር.ሊ.ጳ ተመሪጾም ቀዳምነት ሂቦም ዝሰርሑሉ እዚ ጉዳይዚ ነበረ፣ ነዚ ማዕጾ እዚ ንምኽፋት ብዘርኣይዎ ትብዓት ንልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣድናቆቶም ድሕሪ ምግላጽ ሕጂ ዝግበር ዘለዎ ምጽራይ እውን መቀጸልታ ናይዚ ከምዝኾነ እቲ ስራሕ ብዕቱብነት ምእንቲ ክስረሓሉ ከኣ ንእምነት ናይ እትሓሊ ማሕበር ሳልሳይ ዋና ጸሓፊ ሸምና፣ እዛ ተሸፊና ዝነበረት ድስቲ ከምትኽፈት ንዝገበረ ኣምላኽ ድሕሪ ምምስጋን ኣጸቢቃ ክትክፈት ዘለዎም ሃረርታ እውን ኣይሓብኡን፣ እዚ ዕንቅፋትዚ ክሳብ ክንደይ ከምዘጒሃዮምን ክብደቱን ንምግላጽ ከኣ ‘ንሓደ ሕጻን ናብ ጐይታ ከብጽሕ ሓደራ ዝተዋህቦን ነዚ ምሒሉ ዝተቀብኤን ካህን ባዕሉ ክበልዖ ከሎ እዚ ስራሕ ሰይጣን እዩ፣ ነቲ ሕጻን ከኣ የዕንዎ’ እንብሉ ገሊጾም፣

ቀጺላ ዝቀረበትሎም ሕቶ ኣብ ኒሕኒሕ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ንሰልፊ ሪፓብሊካውያን ክውክል ዝወዳደር ዘሎ ትራምፕ ንጒዕዞ ር.ሊ.ጳ ኣብ መክሲኮ ኣመልኪቱ ‘ብዛዕባ ስደተኛታት ናይ ፖሎቲካ ሰብ ይኾኑ ኣለው፣ ካብቲ ዓዲ ንዝውሕዙ ስደተኛታት ንምዕጋት መንደቅ ክንሃንጽ ኢና’ ቢሉ እሞ እንታይ ትብሉ ምስ በልዎም ቅዱስነቶም፣ ‘መጀመርያ ትራምፕ እንታይ ከምዝበለ ምጽራይ የድሊ፣ ብሓቅዶ ከምኡ ቢሉ፣ ብዛዕባ ናይ ፖሎቲካ ሰብ ምዃን ብጥንቲ ኣርስጣጥልስ ዝበሃል ፈላስፋ ወዲሰብ ፖሎቲካዊ እንስሳ ኢየ ቢሉ ነበረ፣ ብኻልእ ወገን ከኣ ‘መራኸቢ ቢንቶታት ዘይኮነስ ፈላላዪ መናድቅ ዚሃንጽ ክርስትያን ኣይኮነን!” ቢሎም፣

ዝሰዓበ ሕቶ ብዛዕባ ምስ ናይ ሞስኮን መላእ ሩስያን ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ቄርሎስ ኣብ ዝተፈራረሙሉ ሰነድ ብዛዕባ ግሪኻውያን ካቶሊክ ኣብ ዝምልከት ነጥቢ ምስ ተዋህዶ ክተዓረቁን እቲ ኣብ መበል 16 ክፍለዘመን ዝተፈጸመ ፍልልይ ክኸውን ኣይነበሮን ሕጂ ከኣ ክዕረቁ ንጽውዕ ዝብል ዓንቀጽ ስለዝርከብ ኣብ ኡክራይና ዝርከቡ ካቶሊካውያን ግሪኽ ኣይተሓጐሱን እንታይ እዩ ርእይቶኹም ዝብል ነበረ፣ ኣብዚ እውን ቅዱስነቶም እዚ ጉዳይ እዚ ከምዘተሓሳስቦምን ከምዝከታተልዎን ድሕሪ ምግላጽ ነቲ ሰነድ ንምርዳእ ህድእ ቢልካ ምርኣይን ምሉእ ትርጓሜ ናቱ ምሓዝን የድሊ፣ ኣብቲ ግላዊ ርክብ ናይ ክልተ መራሕቲ ዘይኮነ ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ናይ ሓባር መግለጺ ኣተኲርካ ምስ ናይ እምነት ዓንቀጻት ኣወሃሂድካ ምሓዙ የድሊ፣ እንተ ናይ ኡክራይና ዓቢይ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ስቭያቶስላቭ ሰቭቹክ ዝሃብዎ መግለጺ በቲ ሓደ ወገን ንምርድዳእ እንክሕግዝ በቲ ሓደ ወገን ግላዊ ርእይቶኻ ምሃብ ናይ ኩሉ መሰል ብምዃኑ እሞ ከኣ ምስ ኣቡን ናይ ሮማ ምሉእ ሕብረት ዘለዎ ስለዝኾነ ብሓባር ናይቲ ሰነድ ትርጓሜ ክንርዳእ ከኽእለና እዩ ቢሎም፣

ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ኣብ ባይቶ ዓዲ ጣልያን ዓቢ ናይ ክርክር ጉዳይ ኮይኑ ብዛዕባ ዘሎ ጉዳይ ሓዳር ምስ ተሓቱ ምስ መንግስቲ ጣልያን ኢደይ ከእቱ ኣይደለን ጉዳዮም እዩ፣ እንተ ብዛዕባ ድምጾም ክህቡ ዝሕተቱ ካቶሊካውያን ኣባላት ባይቶ ኣብቲ ብግቡእ ዝተሃንጸ ምርጫ ሕልናኦም እዩ ዝግደፍ እንክብሉ ፖሎቲካን ሃይማኖትን መመንገዱ ከምዘለዎን ነፍሲወከፍ ካቶሊክ ዚኣክል ኣፍልጦ ትምህርቲ ወንጌልን ቤተክርስትያን ሃልይዎ ኣጠራጠርቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ብካቶሊካዊ ሕልና ክምራሕ ኣተሓሳሲቦም፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.