2016-02-24 12:05:00

እግዚአብሔር ንጓሶቱ እሙናት ውፉያትን መሓርትን ክኾኑ እዩ ዝደሊ! ር.ሊ.ጳ


ብምኽንያት እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ሾመንተ ዝተኣወጀ ዓመት ምሕረት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን በብጉጅለን ብግልን ኣብ ዝተፈላለየ መካነ ስሬተ ሓጢኣት ተባሂለን ዝተወሰና ኣብያተ ክርስትያንን ኣድባርትን ይነግዱ ከምዘለው ዝዝከር ኮይኑ ትማሊ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ኣብቲ ብቅድስት መንበር ዝፍለጥ ምምሕዳር ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ኣገልግሎት ዝህቡ ዘለው ብኩርያ ሮማና ዝፍለጡ ብጹዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ደናግልን ምእመናንን መዓልቲ ንግደት ብምግባር ኣብ ኣዳራሽ ብጹዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ብጸሎተ ነግህን ኣስተንትኖን ዝጀመረ መንፈሳዊ ንግደቶም ምስ ር.ሊ.ጳ ካብቲ ቦታ ከከም መዓርጎም ብቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መስቀል ኢዮቤል ድሕነት ብምምራሕ ብእግዚኦታን ምህለላን ብመስርዕ ንመዓጾ ምሕረት ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምስላም ድሕሪ ዓዊዶም ር.ሊ.ጳ ዝሰርዕዎ መስዋዕቲ ቅዳሴ ተሳቲፎም፣ ኣብቲ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ካህናትን ብዙሓት ጳጳሳትን ካርዲናላትን ብሕብረት ምስ ር.ሊ.ጳ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስነቶም ንኩሎም ኣብ ኣገልግሎት ቅድስት መንበር ዝርከቡ ‘እግዚአብሔር ንጓሶቱ እሙናት ውፉያትን መሓርትን ክኾኑ እዩ ዝደሊ!’ እንክብሉ ኣብነት ሕያዋይ ጓሳ ብምኽታል ከገልግሉ ሓዳራ ቢሎም፣

ዕለቱ ከም ባሕረ ሓሳብ ላቲናዊ ስርዓተ ኣምልኾ ላቲን በዓለ መንበረ ጴጥሮስ ብምንባሩ ዝተነበ ወንጌል እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ሓዋርያቱ ኣብ ቂሳርያ እንክመላለስ `ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ’ ቢሉ ምስ ሓተቶም ዝተፈላለየ መልሲ ምስ ሃቡ ‘ንስኹምከ መን ትብሉኒ’ በሎም። ቅዱስ ጴጥሮስ ክንዲ ኩሎም ሓዋርያት ኰይኑ ‘ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ኢኻ’ ክብል ንዝመለሾን ኢየሱስ ከኣ ‘ስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ።  ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ/ከውሒ ኢኻ። ንቤተክርስትያነይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።  መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።’ ዝብል ስለዝነበረ ቅዱስነቶም እዚ ሕቶዚ ሎሚ ኢየሱስ ንነፍስወከፍና የቅርቦ ከምዘሎን ካብዚ ሕቶ እዚ ክትሃድምን ክተመኻንን ወይ ከኣ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ኰንካ ክትርከብን ዘይከኣል ወይ ይጽነሓለይ ኩስቶ ይመልሾ እትብሎ ኣይኮነን ድሕሪ ቢሎም ‘ሃየኸስ ነቲ ካባና መልሲ ደልዩ ልብና ዝኩሕኩሕ ዘሎ መድሃኔ ዓለም ልብና ኣሚኑ ከም ቅዱስ ጴጥሮስ ብኣፍና ንምምስካር ክንክእል እዚ ናይ ምሕረት ዓመት ጸጋ ከለስልሶ ነፍቅደሉ’ ቢሎም፣ ድሕነት እምነትካ ብምምስካር ስለዝኾነ ንቃላት ቅዱስ ጴጥሮስ ቃላትና ጌርና `ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ ወዲ እቲ ሕያው እግዚኣብሔር` ንበሎ በዚ ከኣ ክንድሕን ኢና ከመይ እቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝለብሶ ባህርይ ከውሒ ካብ ጐይታ ዝወሰዶ እዩ፣ እቲ እንኮን ናይ ኩሉ መሰረትን ዝኾነ ከውሒ ክርስቶስ እዩ፣ ኣባኡ ዝተመስረተ ኩሉ ከኣ ኣይፈርስን ኣይፈርሕን፣ ስለዝኾነ ከኣ ንቅዱስ ጴጥሮስ መዓጹ ሲኦል ኣይክሕልዋን ቢሉ የረጋግጸሉ፣ እምነትና እውን እንተደኣ ካባኡ ኮይና ብልብና ኣሚና ከኣ ኣባኡ እንተመስሪትናያ ክትነቃነቅ ኣይትኽእልን እያ፣

እዚ ምስክርነት እዚ ግን መዝነት እውን ከምዘሸክመና ክንዝንግዕ የብልናን፣ እታ ዘላትና እንኮ ምርጫ ከኣ ከም ጓሶት ኣሰር እቲ ሕያዋይ ጓሳ ብምኽታል ‘እሙናት ውፉያትን መሓርትን’ ምዃን እዩ እንክብሉ ኣብዚ ዓመት ናይ ምሕረት ኣገልግሎቶም በዚ መንፈስ እዚ ከወፍዩ ሓደራ ቢሎም፣ ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም መቃብር ቅዱስ ጴጥሮስ ብምስላምን ብግላዊ ጸሎትን ናይ ዕለቱ ንግደት ተፈጺሙ፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.