2016-03-01 16:41:00

ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ቀዳማይ ምስ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ተራኺቦም


አብ ኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳሳት አክሱም እጨገ ተክለ ሃይማኖት  ኦርትዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ማትያስ ቀዳማይ አብ ሮማ ነርባዕተ መዓልቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ ዛዚሞም ትማሊ ምሸት  ንአዲስ አበባ ተመሊሶም።

ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ነርባዕተ መዓልቲ  ሮማ  አብ ዝበጽሕሉ  ግዜ  አብቲ አብ ማእከል ቫቲካን ዝርከብ  ኢትዮጵያዊ ጳጳሳዊ  ኮሎጅ ከም ዝበጽሑን  አብቲ ኮለጅ ዝነብሩ ካህናት አብ ቅድስቲ መንበር  ናይ ምስራቅ አብያተ ክርስትያናት  ማሕበር ሊቀ መንበር ብጹዕ ካርዲናል  ለኦናርዶ ሳንድሪ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ አምባሳደር ነጋ ጸጋየ ዕድመ ዝተገበረሎም አጋይሻን  ብድሙቅ  አገባብ  ከም ዝተቀበልዎም ይዝከር።

አብቲ አብ ውሽጢ ኮለጅ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ተፈላለዩ መንፈሳዊ ዜማታት ተሰሚዖም  ናይቲ ኮለጅ  አካያዲ  አባ ዳዊት ወርቁ  ክአ ናይ እንቋዕ  ድሐን መጻእኩምን ታሪክ ኢትዮጵያዊ ጳጳሳዊ ኮለጅን ከም ዘስምዑ ክዝከር ከሎ ብጹዕ አቡነ ማትያስ  ቀዳማዊ ካቶሊካዊ እምነት  ዝኽተሉን  አመንቲ  ኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያንን  ብኢየሱስ  ክርስቶስ  አሕዋት ከም ዝኾኑ  ጠቂሶም  ጥንታዊ  ኮለጅ   ክበጽሑ  ሐጎስ ከም ዝስምዖም ጠቂሶም እቲ ብታሪኽ ዝሰማዕናዮ ብዓይንና ክንርእዮ ምኽአልና ልዑል ሐጎስ ይስምዓና ክብሉ ገሊጾም።   

እዚ ጳጳሳዊ ኢትዮጵያዊ ኮለጅ”ዚ ብ15 ክፍለ ዘመን ካብ ገዳማትን አድባራትን  ኤርትራን ኢትዮያን  ቅድስቲ ሀገር ኢየርሳሌም  ክሳለሙ  ፓለስጢና  ዝአተዉ  መነኮሳን ካብ ኢየሩሳሌም  መቃብራት ሐዋርያት ጰጥሮስን  ጳውሎስን ክሳለሙ ንሮም ዝመጹ አብ ቫቲካን ዝተረፉ  መነኮሳን  ዝቆመ  ጥንታዊ  ኮልጅ ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ቀዳማይ ሊቀ ጳጳሳት ዘአኹሱም እጨገ ተክለሃይማኖት ፓትርያርክ ዘኢትዮጵያ ቅድሚ ትማሊ ሰንበት አብቲ አብ ሮማ ዝርከብ ኡርባንያን  ጳጳሳዊ  ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ ቤተ  ጸሎት አብ ሮማን አከባብን ዝነብሩ አባላት ማሕበረ ሰብ ኢትዮጵያ ዘሳተፈ ሥርዓተ ቅዳሴ አዕሪጎም።

አብ ልዕሊ”ዚ ክአ ነቲ  አብ  ውሽጢ  ባሲሊክ   ቅዱስ ጰጥሮስ  ዝርከብ  መቃብር ሐዋርያ  ጰጥሮስ ከምኡ  ክአ  አብ ቅድስቲ መንበር ንሐልዮ ሐድነት  ክርስትያን ዝቆመ   ጳጳሳዊ  ቤት  ምክሪ   በጺሖም።

አብ ቅድስቲ መንበር  ናይ ምስራቅ  አብያተ ክርስትያናት ማሕበር  አውራ  ቤት ጽሕፈት በጺሖም  ምስ ናይቲ   ማሕበር  ሊቀ መንበር ምስ ብጹዕ ካርዲናል  ለኦናርዶ  ሳንድሪ   ተራኺቦም  ሀሳብ ንሐሳብ  ተለዋዊጢም።

አብ መወዳእታ ክአ ትማሊ ረፍዲ  አብ  ሐዋርያዊ አዳራሽ  ቫቲካን ምስ ቅዱስ  አቦና   ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ  ተራኺቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ፍራንቸስኮስ ንብጹዕ አቡነ ማትያስ  ቀዳማይ  አብ ዘስምዕዎ ቃል  ቅድስነትዎ  ቫቲካን  ክትበጽሑ ምምጻእኩም  ሐጎስ ይስምዓኒ  እንቃዕ  ድሐን መጽእኩም  ኢሎም።

አተሐሒዞም  ታሪክ  ካቶሊካዊትን  ኦርቶዶክሳዊትን  አብያተ ክርስትያናት  ዘይምርድዳእን ዘይምትእምማንን ዓቢ ሸኽሚ ገዲፉ፡ ግን ሰማዕታት ክልቲኤን  አብያተ ክርስትያናት ዘርኢ ሐድነት  ኢዩ   አብዚ ብምምርኳስ ክአ  ሐዲሽ   ሕውነታዊ  ርክብ ክህነጽ  ይክአል  ብማለት  ፓፓ ፍራንቸስኮ  አገንዝቢቦም።

መፍትሕ ሐድነት አብያተ ክርስትያናት አብ ሰማዕታተን ምርኩስ ዝገበረ ከም ዝኾነ  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ንብፁዕ  ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ቀዳማይ አብ ዘስምዕዎ ቃል አተሐሳሲቦም።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ጥንታዊት ከም ዝኾነት ጠቂሶም  ምስ ሮማዊት  ቤተ ክርስትያን  ጽቡቅ ርክብ ከም ዘለዋ  አገንዚቦም።

ሥነ መለኮት ማእከል ዝገበረ አብ ሞንጎ  ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምስራቃውያን  ተዋህዶ  ኦርቶዶክስ  አብያተ ክርስትያናትን  ዝዝካየድ   ዘተ ዝንአድ ከም ዝኾነ ክአ  ፓፓ ፍራንቸስኮስ  ገሊጾም።

ሐደ ክርስትያናዊ  እምነት ሚስጢረ   ጥምቀት ብክርስቶስ  አሕዋት ኢና  ካብቲ ዝፈላልየና ዘቀራርበና  ይበዝሕን ይበልጽን  ብማለት ክአ አገንዚቦም ።

አብ አፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን  ዝሳደዱ  ዘለዉ ክርትያን  ዘኪሮም ክአ እዚ  አብ ልዕሊ  እምነት  ክርስትና ዝኽተሉ ዝካየድ ዘሎ  ምስዳድ ክግታእ  ሐደራ ኢሎም።

ቅድሚ ሎሚ  እቶም ካብዚ ዓለም”ዚ ብሞት ዝተፈልዩ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ዝነበሩ ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ጳውሎስ ብ1993  ቫቲካን  ከም ዝበጽሑን  ምስ  ነፍሰሄር  ቅዱስ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልአይ ከም ዝተራኸቡን ዘኪሮም።

ብድሕሪኡ ወርሒ ጥቅምቲ ብ2009 ዓመተ ምህረት ብጹዕ  ወ ቅዱስ  አቡነ ጳውሎስ  ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሩ  በነዲክቱስ መበል16  ብዝተገብረሎም  ዕድመ   መሠረት  ነቲ ካልአይ ፍሉ  ሲኖዶድ ብጹዓን  ጳጳሳት  አፍሪቃ  ወቅታዊ  ኩነታት  አህጉር አፍሪቃን ህዝቢ  አፍሪቃ ዝገጥሞ  ብድሆታትን  ዘማእክለ  ዲስኩር ከም ዝገበሩን  አዘኻኺሮም ክአ  አብ ሞንጎ ሮማዊትን ቅድስትን ቤተ ክርስትያንን  አብ ሞንጎ ጥንታዊት  ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያንን  ጽቡቅ ርክብ ከም ዘሎ አተሐሳሲቦም ።  

አብ መወዳእታፍርቂ መዓልትን ፈረቃን ክአ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብጹዕ ወቅዱስ አቡነ ፓትርያርክ ማትያስን አብ ቫቲካን ንምሳሕ ብሐባር መአዲ ቀሪቦም። በዚ ክአ ናይብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ፓትርያርክ ዘኢትዮጵያ ምብጻሕ ቫቲካን ተዛዚሙ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.